ሚኒስተር ምክልኻል ዓይሻ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዘለዋ ስልጣን እንታይ'ዩ?

ዓይሻ መሓመድ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ሽዱሽተ ዓመታት፡ ሓሙሽተ ሚኒስተራት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኰይኖም ሽዱሽተ ግዜ ተሸይሞም ኣለው።

ኣብይ፡ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ፈደራል ዳግም ክውደቡ ካብ ምግባር ሓሊፉ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካቢኔ ሚኒስትራቱ ክቀያየሩ ገይሩ’ዩ።

ኣብዚ መስርሕ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተደጋጋሚ ለውጢ ክግበረሉ ጸኒሑ ኣሎ።

ነዚ ትካል ንምምራሕ ዝተሸሙ ሚኒስተራት፡ ነፍሲወከፎም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ጥራይ’ዮም ኣብቲ ስራሕ ጸኒሖም።

ኣብዚ ሰሙን ድማ፡ ቅድም ኢሉ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚኒስተር ምክልኻል ተባሂላ ተሸይማ ዝነበረት ዓይሻ መሓመድ ዳግም ነቲ ቤት ዕዮ ክትመርሕ ተመዚዛ ኣላ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ ፈላማይ ካቢኔኡ ክውድብ እንከሎ፡ ፈለማ ንኣቶ ሞቱማ መቃሳ ክሸሞ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ዓይሻ መሓመድ፡ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ዶ/ር ቀነኣ ያደታ፡ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ሕጂ ድማ ዓይሻ መሓመድ ሚኒስትራት ኰይኖም ተሸይሞም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓዊሱ፡ ኢታማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ልዕሊ ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ዝዓበየ ስልጣን ከም ዘለዎም ኣብቲ ሕገ-መንግስትን ኣዋጃት እቲ ሰራዊትን ሰፊሩ ይርከብ።

ንምዃኑ፡ ሰለስቲኦም ኣካላት እቲ ሰራዊት ኣብ ምምራሕ ዘለዎም ስልጣንን ሓላፍነትን እንታይ’ዩ?

ቀዳማይ ሚኒስተር

ብክፍሊታት ምድሪ፡ ኣየር፡ ባሕርን ሳይበርን ከም ዝተወደ ዝዝረበሉ ሰራዊት ምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኰይኑ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ነቲ ሰራዊት ዝመርሑዎ ሰበስልጣን ኣለው።

ቀንዲ እጃም እታ ሚኒስትር፡ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ኣብ ውሽጡ ዘለው ሓይልታትን ትካላትን፡ ዕለታዊ ስራሕቲ ምምራሕን ምምሕዳርን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢታማጆር ሹምን ግን ኣብ ምንቅስቓስን ተግባራትን እቲ ሰራዊት ልዑል እጃም ኣለዎም።

ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ብምዃን ንሰራዊት እታ ሃገር ብላዕለዋይነት ከም ዝእዝዞ ዓንቀጽ 74 እቲ ቅዋም የረድእ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል

ብ2015 ዓ.ም (ኣ.ግ) ዝወጽአ ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ኣባል ካቢኔ እታ ሃገር ዝኸውን ሚኒስትሪ ምክልኻል ይዝርዝር።

በዚ መሰረት፡ እታ/ቲ ሚኒስተር ነቲ ሰራዊት ዝምልከቱ ጉዳያት ኣብ ባይቶ ሚኒስተራት ክዝተየሎምን ክውሰኑ ዝግባኦም ጉዳያት ብምቕራብን ውሳነታት ክረኽቡ ይገብሩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሰራዊት ዝመሓደረሎም ሕጋጋት፡ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን የዳሉ፡ ክጸድቍ እንከለው ድማ ኣብ ግብሪ ምውዓሎም የረጋግጹ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ባጀት እቲ ቤት ዕዮ ብምቕራብ ፍቓድ ንኽረክብን ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ከረጋግጹን ይቈጻጸሩ፡ ትካላት ልምዓት እቲ ሚኒስትሪን ፋውንዴሽናት ሰራዊት ምክልኻልን ይቈጻጸሩ፤ ምስ መንግስቲታት ወጻኢን መንግስታዊ ዘይኰኑ ትካላትን ድማ ርክባት ይፈጥሩ።

ወተሃደራዊ ወፍሪታት ዝምልከት፡ “ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ ሃገራዊ ወፍሪታት ክተት” ምትሕብባር ሓላፍነት ሚኒስተር ከም ዝዀነ ተደንጊጉ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ መብዛሕትኡ ስልጣንን ሓላፍነትን ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ጉዳያት ምምሕዳር እቲ ትካል ትዅረት ዝገበረ ምዃኑ ምግንዛብ ይክኣል።

ኢታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል

ኣብ ወተሃደራዊ ትካላት እታ ሃገር ዝለዓለ ስልጠን ካብ ዘለዎም ውልቀሰባት፡ እቲ ኢታማጆር ሹም ሓደ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ዩ።

ብመሰረት ኣዋጅ ሰራዊት ምክልኻል፡ ስልጣንን ሓላፍነትን እቲ ኢታማጆር ሹም፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ምክልኻልን ኣብ ዙርያ ወተሃደራዊ ጉዳያት የማኽር፣ ብትእዛዝ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ሰራዊት የዋፍርን የዋግእን።

ብተወሳኺ፡ ካብ ክልላት ንላዕሊ ዝዀኑ ጸገማት ጸጥታ ከጋጥሙ እንከለው፡ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ ሰራዊት ክዋፈር ይገብር፤ ኣብታ ሃገር ዝእወጅ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድማ የተግብር።

ስለዚ፡ ብመንጽር ምምራሕ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር፡ ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንከሎ፡ ቀጺሉ ናይቲ ኢታማጆር ሹም እዩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኰይኑ ዝሽየም ውልቀሰብ፡ ዕለታውን ምምሕዳራውን ጉዳያት እቲ ቤት ዕዮ ካብ ምምራሕ ሓሊፉ፡ ኣብ ባይቶ ሚኒስተራት ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ምስቲ ኢታማጆር ሹም ድማ ኣብ ዙርያ ስሩዕ ንጥፈታት ብቐረባ ይሰርሕ።