ውጥን ሩዋንዳ፡ ቅድሚ መረጻ ብሪጣንያ ዝስጎግ ሓታቲ ዕቝባ ኣይክህሉን - ሪሺ ሱናክ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ 4 ሓምለ ሓፈሻዊ መረጻ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ 4 ሓምለ ሓፈሻዊ መረጻ ከምዝካየድ ብረቡዕ ኣፍሊጡ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ቅድሚ እቲ ኣብ 4 ሓምለ ዝካየድ ሓፈሻዊ መረጻ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሩዋንዳ ከምዘይስጐጉ ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ፡ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ከይሰግሩ ንምዕጋት ዝዓለመ ገለ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክውሰዱ ዝፈቅድ ሓድሸ ፖሊሲ ከምዘጽደቐት ዝዝከር’ዩ።

ብመሰረት እዚ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ምስግጋር ኣብ መፋርቕ ሓምለ ከምዝጅመር ተገሊጹ ነይሩ። ስለ ዝዀነ ድማ መንግስቲ ቅድሚ መዓልቲ እቲ መረጻ ፈላመይቲ ነፋሪት ክሰዱ ክፍትኑ እዮም ተባሂሉ ክሕሰብ ጸኒሑ’ዩ።

ይዅን’ምበር ብመሰረት እቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ውጥን ምስጓግ ቅድሚ እቲ መረጻ ናብ ሩዋንዳ ዝለኣኽ ዝዀነ ሓታቲ ዕቝባ ኣይክህሉን’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ ኣብቲ መረጻ ዳግማይ እንተተዓዊቱ ግን ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ ምዃኖም ገሊጹ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ሰልፊ ሌበር (ዕዮ) ስልጣን እንተሒዙ ነቲ ውጥን ክስርዝ ቃል ዝኣተወ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ድማ ዝዀነ ዝስጐግ ሓታቲ ዕቝባ ክህሉ ድዩ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሉ ኣሎ።

እዚ ድሮ 240 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ዝተገብረሉ ውጥን፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ቀንዲ ሰልፍታት ኣብቲ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቕጽል ጐስጓስ መረጻ ቀንዲ ፈላላይ መስመር ክፈጥር እዩ።

ሰልፊ ዕዮ፡ ርእይቶ ሱናክ፡ እቲ ውዲት ሩዋንዳ "ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ምትላል" ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ኢሉ።

"እዚ ውጥን ክሰርሕ'ዩ ዝብል እምነት የብሉን፤ ስለዚ ድማ'ዩ ሕጂ ከምዘይቃላዕ ተስፋ ብምግባር ነቲ መረጻ ከም ምኽንያት ዝጠቅስ ዘሎ።"

እቲ ብሕጋዊ ብድሆታት ዝተደናጐየ መደብ፡ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓመት ብናይ ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዝተኣወጀ እዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ ግን፡ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ካብ ምስጋር ከምዝዓግቶም ብምግላጽ፡ ኣብ ስልጣኑ ቀንዲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ገይርዎ።

ሕጂ ነቲ ውጥን ምትግባር፡ ትዅረት መረጽቲ ዝስሕበሉ ነጥቢ ክገብሮ ክምዝደልየ ምልክት ብምርኣይ፡ በረራታት "ኣብ ሓምለ" ክጅምሩ ምዃኖምን፡ "ኣብዚ መረጻ'ዚ ዘሎ ኣማራጺ ንሱ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ድሕሪ መረጻ ማለቱ ምዃኑ ካብ ቢቢሲ ሬድዮ 4 ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "እወ" ዝብል መልሲ ሂቡ። "እቲ ኣማራጺ ንጹር'ዩ" ክብል ወሲኹ።

"ነተን ጀላቡ ምዕጋት ኣገዳሲ እዩ ኢልኩም ትሓስቡ እንተዄንኩም፡ ከምኡ'ውን ከምኡ ንምግባር ከማይ መከላኸሊ የድልዩ ኢልኩም እንተሓሲብኩም [...]ነዚ ዝፍጽም ኣነ ጥራይ እየ" ክብል ኣስሚሩ።

ሊበራል ዲሞክራትስ ነዚ ርእይቶ ሱናክ "ፍጹም ውርደትን ስዕረት ምእማንን" ክብሉ ገሊጾሞ።

ወሃቢ ቃል ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኣሊስተር ካርማይክል፡ "እቲ ውጥን ሩዋንዳ ካብ ፈለማ መዓልቲ ጀሚሩ ዘይስነምግባራውን ክቡርን ሓደጋ እዩ ነይሩ" ኢሉ።

ኣብ ሓምለ 2022 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክተግዕዝ ዝተዳለወት ነፋሪት፡ ሕጋውነት እቲ ውጥን ኣብ ሕቶ ብምእታዉ ጉዕዞኣ ተሰሪዙ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሓምለ 2022 ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ከተግዕዝ ዝተዳለወት ነፋሪት፡ ሕጋውነት እቲ ውጥን ኣብ ሕቶ ብምእታዉ ጕዕዞኣ ተሰሪዙ'ዩ

ሱናክ ኣቐዲሙ፡ እቶም ቀዳሞት በረራታት ክሳዕ መፋርቕ ሓምለ ክካየዱ ምዃኖምን፡ ድሕሪኡ ኣብ ሓጋይ ከምዝቕጽሉን ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ይዅን እምበር ብድሕሪ መጋረጃ፡ ሚኒስተራት ነቲ ፖሊሲ ንኽቕጽል ኣብ ብርክት ዝበሉ ሕጋዊ ግንባራት ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።

ንላዕለዎት ኣገልገልቲ መንግስቲ ዝውክል ማሕበር ኤፍዲኤ፡ ሰበስልጣን ዓለምለኻዊ ሕጊ ክጥሕሱ ዘገድድ እዩ ክብል ነቲ ውጥን ይብድህ ኣሎ።

ትካል ግብረ ሰናይ ኣሳይለም ኤይድ እውን ካልእ ብድሆ እዩ። እዚ ትካል ዘቕርቦ ብድሆ፡ ድሮ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት መን ንፈለማ በረራ ከምዝምርጽ ዝሕብር መምርሒ ዳግማይ ከዳሉ ኣገዲዱዎ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ድሮ ንኽስጎጉ ዝተመደቡ ሰባት ምእሳር ጀሚሩ ነይሩ፤ እንተዀነ እንተወሓደ 60 ካብኣቶም ጉዳዮም ዝቃለሱ ጠበቓታት ኣለዎም - ነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ድማ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክበጽሕ ይኽእል እዩ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ 1945 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንፈለማ እዋን ኣብ ሓምለ ንዝካየድ መረጻ ጐስጓስ ኣብ ዝጅመረሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ሱናክ ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ቍጠባ ዝወጸ መግለጺታት፡ ነቲ መረጻ "ቅኑዕ ህሞት" ሕጂ ምዃኑ ከምዘመልክቱ ሓቢሩ - ዋላ’ኳ ብሕጋዊ መንገዲ ክሳዕ ጥሪ 2025 ክካየድ ዘለዎ እንተዀነ።