ኢራን ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ

ፕረዚደንት ኢራን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኢብራሂም ራይሲ ኣብ እስላማዊት ሪፓብሊክ ናብ ዝለዓለ ጥርዘ ስልጣን ክድይብ ብሰፊሑ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

ድራማዊ ፍጻመታት ግን ካልእ ኣንፈት ሒዙ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።

ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ጥዕናኡ ጽዑቕ ትኹረት ዝወሃቦ ዝነበረ ወዲ 85 ዓመት ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሚኒ ክትክኦ ይኽእል እዩ ዝብል ዝነበረ ግምታት ድማ መወዳእታ ረኺቡ።

ዘሕዝን ሞት እቲ ፕረዚደንት፡ ኣንፈት ፖሊሲ ኢራን ክዘርግ ወይ ንእስላማዊት ሪፓብሊክ ብዝዀነ ሳዕቤን ከናውጽ ትጽቢት ኣይግበርን።

ግን ነቲ ዅሉ ጨናፍር ዝተመርጹን ዘይተመርጹን ስልጣናት ዓቃባውያን ዝዕብልልዎ ስርዓት ክብድሆ እዩ።

"እቲ ስርዓት ብዛዕባ ሞቱ ሰፊሕ ምርኢት ክገብርን ተግባራዊነት ንምርኣይ ኣብ ቅዋማዊ ኣገባባት ክጸንዕን'ዩ፤ ኣብ ርእሲኡ ድማ ዓቃባዊ ሓድነትን ንኻሚኒ ተኣማንነትን ክሕሉ ዝኽእል ሓድሽ ምልመላ ከድልዮ'ዩ" ይብል ዳይረክተር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዶክተር ሳናም ቫኪል ኣብ መደብ ቻታም ሃውስ።

ተቓወምቲ ራይሲ፡ መወዳእታ መግዛእቱ ንመወዳእታ ናይዚ ስርዓት ከቀላጥፎ ተስፋ ክገብሩ እዮም።

ንዓቃባውያን ገዛእቲ ኢራን፡ እቲ መንግስታዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብስምዒት ዝተመልአ ፍጻመ ክኸውን’ዩ፤ ቀጻልነቶም ዘመልክት መልእኽቲ ዘሕልፉሉ ዕድል እውን ክኸውን እዩ።

ዓለም ግን ትዕዘብ ከምዘላ ይርድኦም’ዩ።

ፕሮፌሰር መሓመድ ማራንዲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቴህራን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ዝነበረ ትረኻታት ምዕራባውያን፡ ኢራን ክትፈርስን ክትብተንን ነይርዋ" ክብል ተዛሪቡ።

"ግን ብገለ መንገዲ፡ ብተኣምር፡ ኢራን ኣላ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት እውን ከምትህሉ እግምት።"

ካልእ ወሳኒ መርገጺ ድማ፡ እቲ ኣዝዩ ዝያዳ ሳዕቤን ዘለዎ ምስግጋር ምስ መጸ፡ እቲ ሓድሽ ላዕለዋይ መራሒ ክመርጽ ስልጣን ዝተዋህቦ ኣካል፡ ነቲ ማእከላይ ደረጃ ዘለዎ ሃይማኖታዊ መራሒ ኣብ ባይቶ ክኢላታት ዝሓዞ መንበር ምትካእ እዩ።

"ራይሲ፡ ከም ኻሚኒ ባዕሉ ላዕለዋይ መራሒ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብተዛማዲ መንእሰይ፡ ኣዝዩ እሙን፡ ነቲ ስም ኣፍልጦ ዘለዎ ስርዓት ተወፋይነት ዝነበሮ ስነ-ሓሳባዊ ስለዝነበረ፡ ተካኢ ክኸውን ዝኽእል እዩ ነይሩ" ይብል ዶክተር ቫኪል ብዛዕባ እዚ ዘይግሉጽ መስርሕ መረጻ፤ ኣስማት ወዲ ላዕለዋይ መራሒ ሞጅታባ ኻሚኒ ዝርከብዎም ኣስማት ኣብቲ ውድድር ተኻቲቶም እዮም።

ሞት ራይሲ ብወግዒ ቅድሚ ምርግጋጹ’ውን፡ ኣያቶላህ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ “ህዝቢ ኢራን ክጭነቕ የብሉን፡ ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ዝዀነ ምዝንባዕ ኣይክህሉን’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።

እቲ ዝያዳ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ብድሆ ግን ብኣጋኡ ፕረዚደንታዊ መረጻ ምክያድ’ዩ ክኸውን።

ስልጣን ናብ ምክትል ፕረዚደንት መሓመድ ሞኽበር ተሰጋጊሩ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ 50 መዓልታት ድማ ሓድሽ መረጻ ክካየድ ኣለዎ።

እዚ ንመረጽቲ ዝቐርብ ጻውዒት፡ ኣብታ ኣብ ሓደ እዋን ኣብዚ ተግባር’ዚ ብሓያል ውዕዉዕ ተሳትፎ ትሕበን ዝነበረት ሃገር፡ ኣብ መጋቢት ዝተኻየደ መረጻ ባይቶ ክብረወሰን ዝሓዘ ትሑት ቁጽሪ መረጽቲ ምስተረኣየ ድሕሪ ኣዋርሕ ጥራይ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ውሽጢ እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ሄሊኮፕተር
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኢብራሂም ራይሲ ኣብ ውሽጢ እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ሄሊኮፕተር

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት፡ እንተላይ እቲ ኣብ 2021 ራይሲ ፕረዚደንትነት ዝተዓወተሉ ውድድር፡ ማእከላይን ደገፍቲ ተሃድሶን ተቐናቐንቲ ብተቘጻጻሪ ኣካል ከምዝተገለሉ ተገሊጹ’ዩ።

“ኣቐዲሞም ዝካየዱ ፕረዚደንታዊ መረጻታት፡ ንኻሚኒን ላዕለዎት ጽፍሕታት እታ ግዝኣትን፡ ንመረጽቲ ናብ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምምላስ መንገዲ ክህቦም ይኽእል እዩ” ይብል ኣሰናዳኢ ናይቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ መርበብ ሓበሬታ ዜና ኣምዋጅ ሚድያ መሓመድ ዓሊ ሻባኒ።

"እቲ ዘሕዝን ግን፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉውን ፍቓደኛን ምዃኑ ዝሕብር ምልክት ኣይረኣናን።"

ግን፡ ኣብ ውሽጢ መሳርዕ ራይሲ’ውን እንተዀነ፡ ርኡይ ተካኢ ዘሎ ኣይመስልን።

“ኣብ ውሽጢ እዚ ዓቃባዊ ጕጅለ ዝተፈላለዩ ደምበታት ኣለዉ፤ ዝያዳ ተሪር መስመራትን ካልኦት ከም ዝያዳ ፕራግማቲክ ዝቑቝጸሩን ውልቀሰባት ሓዊስካ” ይብል ኣብቲ ኣብ በርሊን ዝመደበሩ ትካል ኤስደብልዩፒ (SWP) ሓሚድሬዛ ዓዚዚ።

እዚ ድማ ነቲ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓድሽ ባይቶን ብደረጃ ከባቢን ንዝካየድ ዘሎ ውድድር ከምዘሐይሎ ይኣምን።

ናይ ራይሲ ቦታ ዝወስድ ሰብ፡ ዝኽልክል ኣጀንዳን ውሱን ሚዛን ስልጣንን ክወርስ እዩ።

ኣብ እስላማዊት ሪፓብሊክ ናይ መወዳእታ ውሳነ፡ ስልጣን ናይቲ ላዕለዋይ መራሒ እዩ።

ፖሊሲ ወጻኢ ድማ ብፍላይ ኣብቲ ዞባ፡ ዕቝር ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ ዝሕዝ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ (IRGC) እዩ።

እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ ኣዋርሕ ኢራን ብዛዕባ’ቲ ኣዕናዊ ኲናት እስራኤል-ቓዛ ምስ ቀንዲ ጸላኢታ እስራኤል ተራእዩ ዘይፈልጥ ወጥሪ ኣብ ዘጋጠማሉ እዋን እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ኣይወሰነን።

እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ርእሰ ከተማታት፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ቴህራን፡ ሓደገኛ ግብረመልስታት ኣበጊሱ’ዩ፤ ብዛዕባ እቲ ክህሉ ዝኽእል ዝያዳ ሓደገኛ ተኽእሎታት መጠንቀቕታ ኣስዒቡ።

ንሱ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ኢራናውያን ምስ ስንኩል ዓለምለኻዊ እገዳ ከምኡ’ውን ምስ ዘይግቡእ ምሕደራን ብልሽውናን ዝተኣሳሰር እናዓሞቐ ዝኸይድ ዝነበረ ፋይናንሳዊ ጸገማት ንምጽዋር ይቃለሱ ነይሮም።

ዋጋታት ንብረት ብልዕሊ 40 ሚእታዊት ወሲኹ፤ ባጤራ ሪያል ድማ ዋጋኡ ወሪዱ።

ንሱ እናረኣየ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ’ውን ኣብ መስከረም 2022 ጽኑዕ ሕጊ ኣከዳድና ኢራን ጥሒሳ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ዝሞተት ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ስዒቡ ዝተለዓለ ዘይተለምደ ማዕበል ተቓውሞታት ተናዊጻ’ያ።

ሰሙናት ቅድሚ እቲ ናዕቢ፡ ራይሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ መሸፈኒ ርእሲ ምኽዳን ዝኣመሰለ ቅኑዕ ዝዀነ ኣካይዳን ኣከዳድናን ዘገድድ “ሕጊ ሕጃብን ንጽህናን” ኢራን ክሕይል ኣዚዙ ነይሩ።