ኣዛብእ ምስ ሰባትን ኣኽላባትን ዝመሓዘዉላ ኢትዮጵያዊት ከተማ

ኣዛብእን ኣኽላባትን ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, BUSHERA

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ኣዛብእ ምስ ደቂ ሰባት ብፍቕሪ ተሳንዮም ምንባር ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ኢድ ሰባት ይበልዑን ካብ ኣፎም ይዅለሱን።

ብርግጽ ኣብ ሃረር፡ ኣዛብእ ምስ ደቂ ሰባት ተላሚዶም፡ ኣስማት ተዋሂብዎም መስሕባት በጻሕቲ ካብ ዝኾኑ ጸኒሖም እዮም።

ኣብታ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ እትርከብ መሰላ ዝተብሃለት ንእሽቶ ገጠር ከተማ ዘሎ ኵነታት እውን ነዚ ዝምስክር እዩ።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ሰባት ብቐንዱ ንእንስሳ ዘቤቶም ካብ ዝብኢ ንምክልኻል ብዝብል እዮም ኣኽላባት ዘዕብዩ ነይሮም፡ ኣብዚ እዋን ግን እቶም ኣዛብእ ምስቶም ኣኽላባት ተላሚዶም ብሓባር ክዘናግዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቶም ኣኽላባት ነቶም ኣዛብእ ምስ ረኣዩ ኣይነብሑን፤ ኣየባርሩምን እዮም። ዝረኸብዎ ተማቒሎም በሊዖም ኵሎም ነናብ መሕደሪኦም ይኸዱ።

ኣብ መሰላ ዝብኢ ንምክልኻል ብዝብል ዘዕበኹዎ ከልቢ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ምስ ኣዛብእ ተመሓዝዩ ኣብ ኣፍደገ እንዳ ስጋ ንዝድብረ ቅንጥብጣብ ስጋ ተማቐዒሉ ክበልዕ እናተጸበየ ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብታ ከተማ ኣዛብእን ኣኽላባትን ካብ እንዳስጋ ዝተደርበየ ቅንጥብጣብ ብሓባር እናተሻመዩ ክበልዑ ይረኣዩ።

ኣይተ ቶፊቅ ኢብራሂም ኣብ ከተማ መሰላ እንዳ ስጋ ይውንኑ።

ንግሆ ስጋ ሒዞም ካብ እንዳ መሕረዲ ኣብ ዝምለሱሉ ኣዛብእን ኣኽላባትን ኣብ ቅድሚ’ታ እንዳስጋ ተሰሪዖም ብጽሒቶም ክሳብ ዝረኽቡ እናተጸበዩ ይጸንሕዎም።

“ብለይቲ ስጋ ሒዝና ክንመጽእ ከለና ዝጽበዩ ኣዛብእን ኣኽላባትን ብዙሓት እዮም። ኣብ ኣፍደገ ደቂሶም እዮም ዝጽበዩና። ቁርጽራጽ ክንህቦም ከለና ብሓባር ይበልዑ" ይብሉ ነቲ ኩነታት ከረድኡ።

ነቶም ኣኽላባትን ኣዛብእን ምምጋብ ካብ ዝጅምሩ ሰለስተ ዓመት ከም ዝገበሩ ዝገልጹ ኣይተ ቶፊቕ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ቁጽሪ እቶም ኣዛብእ ካብ ቁጽሪ ኣኽላባት ብብዙሕ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ይዛረቡ።

ኣብታ ከተማ ንጉሆ ንጉሆ ሰብ ካብ ዝብኢ ኣይሃድምን፤ ዝብኢ’ውን ካብ ሰብን ኣኽላባትን ኣይሃድምን።

ኩሎም ነቲ ጸቢብ መገዲ "እናተደፋፍኡ" ይጥቀሙሉ።

ኣቶ ቶፊቅ ኣብ መንጎ ኣኽላባትን ኣዛብእ ዝኾነ ይኹን ጎንጺ ከምዘየለ እዩ ዝዛረብ።

እቶም ኣዛብእ ኣብ ኣፍደገ እቲ እንዳስጋ ኣይውዕሉን። ጸሓይ ምስ በረቐት ከብዶም ከም ዝመልአ ምስ ኣረጋገጹ ቀስ ኢሎም ኣብ ወሰን እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ጫካ ንምድቃስ ይኸዱ።

እዚ ተርእዮ እዚ ንግሆ ንግሆ ስለ ዝተለመደ ኣብዚ እዋን ብነበርቲ እታ ከተማ ዘሰንብድን ዘደንቕን ኰይኑ ኣይርአን።

ኣዛብእ ኣብ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, BUSHERA

ክኢላ ህዝብዊ ርክባት ወረዳ ሸነን ዱጎ ኣቶ ቡሽራ ዓሊ ነዚ ሓበራዊ ናብራ ሰብ፣ ኣዛብእን ኣኽላባትን ከምዘስተብሃለሉ ይዛረብ።

ንሱ ከምዝበሎ ኣዛብእ ኣብታ ከተማ ብቐትሩ ብዘይስግኣት ክንቀሳቐሱ ይረኣዩ።

“እቶም ኣዛብእ ኣብታ ከተማ ንዝርከባ ኣጣል ኣይትንክፉን። ዋላ'ውን ክፉት ማዕጾ እንተረኺቦም ኣይኣትዉን" ብምባል ተኣማንነት ናይቶም ኣራዊት በረኻ ይምስክር።

ልክዕ ከምቲ ኣብ ሃረር ዝውቱር ዝዀነ ኣዛብእ ናይ ምምጋብ ልምዲ ኣብ ከተማ መሰላ እውን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።

ኣቶ ቡሽራ፡ ናይቶም ኣዛብእ ኣብታ ከተማ ብቐትሩ ብብዝሒ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝዀነ ጸገም ከምዘየስዓበ ይሕብር።

ምስቶም ኣኽላባት ዘለዎም ምሕዝነት ድማ ዘገርም እዩ ይብል።

ኣብ ከተማ መሰላ ዛጊት ብኣዛብእ ዝወረደ ጉድኣት እኳ እንተዘይተመዝገበ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃረርጌ ግን ጉድኣት ከምዘብጽሑ ይግለጽ።