ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ መን ከሲቡ? መንከ ከሰረ?

ቅልውላው እስራኤልን ኢራንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

“ናብ ኢራን ብዘቕንዐ መልክዑ እቲ ውጽኢት ማዕረ ተዛዚሙ ኣሎ።” እዚ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንፈለማ ግዜ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመት ገለ ተንተንቲ ዝሃብዎ ሓሳብ እዩ።

ሰራዊት እስራኤል ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ለይቲ ቴህራን ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ናብ እስራኤል ወንጪፋ።

ሰራዊት ኢራን እቲ መጥቃዕቲ፡ “ኣብ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ግበረመልሲ” ከም ዝዀን “ዕላማታቱ ከም ዘዐወተን” ኣፍሊጡ።

እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ቆንስል ንዝተፈጸመቶ መጥቃዕቲ ከቢድ ምላሽ ከም እትህበሉ ኢራን ክትሕነየሉ ጸኒሓ ነይራ።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሸውዓተ ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ሽዱሽተ ሶርያውያንን ሞይቶም’ዮም።

እስራኤል ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ኳ ሓላፍነት እንተዘይወሰደት፡ ብዙሓት ግን ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣላ ኢሎም ይኣምኑ።

መኽሰብን ክሳራን

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዕውት እዩ ትብል።

ዳይረክተር ማእከል ምርምር ዓረብ ኣብ ለንደን ዝርከብ ዓሊ ኑሪ ዛደህ ግን ኢራን ዋላ ሓደ ሸቶ ኣየቝጸረትን ይብል።

ብኣንጻሩ ዒላማኣ ክትሃርም ስለ ዘይከኣለት ድኽመት መንግስቲ ኢራን እዩ ጐሊሑ ተራእዩ ኢሉ።

ብሸነኽ ኢራን ዘለው ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ግን ነዚ ሓሳብ የባጭውሉ።

ዛደህ፡ ኢራን “ስነልቦናዊ ኲናት” ኢሉ ዝገልጾ መጥቃዕቲ ካብ ምቕጻል ንላዕሊ ዝሓሸ ውጽኢት ክትረክብ ትኽእል ነይራ ኢሉ ይኣምን።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ማእከል ሞሸ ዳያን ተመራማሪ መጽናዕቲ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ዶክተር ኤሪክ ሩንድትስኪ፡ እስራኤል ልዑል ኣዋጅ መጠንቀቕታ ብምሃባ ተሳዒራ’ያ ይብል።

እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ጭንቀት ክፈጥርን ብዙሓት ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንኸይድገም ክሰግኡ ከም ዝገበረን ይዛረብ።

ዛደህ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ሕጂ ሓያል ከም ዝዀነ እዩ ዝስምዖ ይብል።

ቅድሚ እቲ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ብዙሕ ነቐፌታታት ዝበጽሖ ዝነበረ ነታንያሁ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኢራን ምስ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ሓያል ርክብ ንኽፈጥር ሓጊዙዎ እዩ።

እቲ እስራኤላዊ ተመራማሪ፡ እስራኤል ካብቲ መጥቃዕቲ ዝረኸበቶም ገለ ረብሓታት እኳ እንተሃለው፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ስዕረት እያ ኣአንጊዳ ይብል።

እዚ ድማ፡ ኣሰላልፋ ማእከላይ ምብራቕ ዘይምግንዛባን ኢራን ኣብ ዶባታ መጥቃዕቲ ንኸይተብጽሕ ክትከላኸል ዘይምኽኣላን እዩ ኢሉ ይኣምን።

ናብ 'ሕቝፊ' ካልኦት ምምላስ

ኣመሪካ ሃገራት ምዕራብ ንእስራኤል ሓገዝ ክገብራ ጸዊዓ'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስራኤላዊ ተመራማሪ ኤሪክ ሩትንድስኪም፡ መጥቃዕቲ ኢራን ንእስራኤል ረብሓ ከም ዘለዎ ይኣምን።

እስራኤል፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ደገፍ ምዕራባውያን ትረክብ ስለ ዘላ፡ ብፖለቲካዊ ሸነኽ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ።

እቲ ወጥሪ እስራኤል ናብዘን ሃገራት ብፍላይ ድማ ናብ “ሕቝፊ” ኣመሪካ ንኽትምለስ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ብኣንጻሩ፡ ኢራናዊ ተመራማሪ ዓሊ ኑሪ ዛደህ፡ ቴህራን ብፖለቲካ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ክትስዕር’ያ ኢሉ ይኣምን።

ኢራን ድጋፍ ጐረባብቲ ሃገራት ኣይረኸበትን።

ካብ ዝዀነት ሃገር ዝዀነ ዓይነት ድጋፍ ከም ዘይነበራ ተገሊጹ’ዩ።

ገለ ወገናት፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ናብ ቀጥታዊ ኲናት ንምእታው ፈተነታት ይገብሩ ከም ዘለው ጠቒሱ።

ክልቲኦም ምሁራት፡ እተን ሃገራት ንሓድሕደን ውሽጣዊ ጸቕጢ ከም ዘለወን ይኣምኑ።

ሩንድትስኪ፡ ኣብ እስራኤል ዓብይ ስግኣት ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝን ብውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብዝተላዕለ ቍጥዐን እናሓየለ ምምጽኡ ሓቢሩ።

ኣብ ቓዛ ጅሆ ተታሒዞም ዝርከቡ ዜጋታት ንምፍታሕ ዝተገብረ ጻዕሪ ውጽኢት ዘይምምጽኡ ድማ እቲ ጸገም ክጋደድ ገይሩ’ዩ።

ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ዓሊ ኻመይኒ ኣብ ጐደናታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ካብ ዘለው ፍሉጣት ሰባት ልዑል ጸቕጢ ይወርዶ ከም ዘሎ ዛደህ ይዛረብ።

“ሸውዓተ መራሕቲ ብርጌድ ኣል ቕዱስ፡ ብእስራኤል ምስተቐትሉ፡ ሓይልታት ሓለዋ ሰውራን ዕጡቓት ሓይልታት ኢራንን ስጕምቲ ሕነ ምፍዳይ ክውሰድ ጸቕጢ ይገብሩ’ዮም ዘለው” ይብል።

'ብሓዊ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ'

ጥሮተኛ ጀነራል ሊባኖስ ሂሻም ጃበር፡ “ናይቲ መጥቃዕቲ ዘገርም ነገር፡ እቲ መጥቃዕቲ ዘገርም ዘይምዃኑ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ናይዚ ምኽንያት ዝብሎ ድማ፡ እቲ ንኽልተ ሰሙናት ዝቐጸለ “ስነ ልቦናዊ ኲናት” ደብዳባት ነፈርቲ ከም ዘስዓበን እስራኤል “ኣብ ስንባደ” ምህላዋን እዩ ኢሉ።

እዚ ድማ፡ ብዙሓት ኣገልግሎት ክቋረጹ ከም ዝገበረን ብዙሓት እስራኤላውያን ገዛኦም ሓዲጐም ምውጽኦምን ስዒቡ ስነ ልቦናውን ንዋታውን ጉድኣት ኣስዒቡ’ዩ ይብል።

መጥቃዕቲ ኢራን፡ ንእስራኤል ንምጥቃዕ ዘለዋ ክእለት ንምርኣይን ድልውነት ምክልኻል ኣየር እስራኤል ንምፍታሽን ዝገበረቶ “ብሓዊ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ’ዩ” ብምባል ይገልጾ።

ነቲ “ፖሊሲ ስትራተጂያዊ ትዕግስቲ” ኢሉ ዝገለጾ ኢራን ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ እትኽተሎ ዘላ መገዲ ስዒቡ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዝስኣነቶ ክብራ ንኽትመልስ ኣኽኢሉዋ እዩ ኢሉ ይኣምን።

ብመንጽር ወተሃደራውን ስትራተጂያውን’ውን ከም ዝረብሓትሉ ይገልጽ።

ኢራን፡ መከላኸሊታት ኣየር እስራኤል ንምድንጋር ብርክት ዝበላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቐመት እውን ይዛረብ።

ኣይረን ዶም እስራኤል ንብሕቱ፡ ኵሎም ሚሳይላት ክፈሽሉ ከም ዝገበረን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝሰፈሩ ሓይልታት ኣመሪካን ብሪጣንያን ክትሕገዝ ከም ዝተገደደት እውን ሓቢሩ።

“እስራኤል ወተሃደራዊ ምላሽ እንተመሪጻ፡ ሚሳይላታ ናብ ዶብ ኢራን ክበጽሑ እንተኽኣሉ’ውን እቲ ክስዕብ ዝኽእል ግብረመልሲ ኢራን ስለ ዘስግኣ ክንድኡ ደፊራ ኣይተጥቕዕን። ነፈርቲ እስራኤል ንኢራን ከጥቅዓ ይኽእላ’የን። እዚ ንክዕወት ግን ብሃገራት ዓረብ ኣቢለን ክበራ ኣለወን። እዚ ድማ ኢራን ኣጠንቂቓ’ያ፤ ካልእ ኣማራጺ ተልኣቪቭ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘለው መዓስከራት ወተሃደራት ኣመሪካ ተላዒልካ ምጥቃዕ እኳ እንተዀነ ዋሽንግተን ነዚ እትፈቅድ ኣይመስለንን” ኢሉ።

ኣብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ርክባት ዝዀነ ፋዋዝ ጌርገስ ብወገኑ፡ እስራኤል ካብዞም መጥቃዕቲታት ከሲባ እያ ኢሉ ይካታዕ።

መጥቃዕቲ ኢራን፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ልዑል ክሳራ ወይ ዕንወት ኣየውረደን። ሃገራት ምዕራብ’ውን ንእስራኤል እየን ዝድግፋ ዘለዋ።

ምዕራባውያን፡ ንእስራኤል ደገፍ ገንዘብ፡ ኣጽዋርን ስለያን ንኽገብራ ኣመሪካ ጻዕሪ ትገብር ኣላ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንእስራኤል ሓገዝ ንምትእኽኻብ ኣባል ሃገራት ጕጅለ ሸውዓት ንህጹጽ ኣኼባ ክራኸቡ ብምጽውዑ እስራኤል ግዳይ ከም ዝዀነት ንክሕሰብ ከም ዝገበረ ይዛረብ።

“ነታንያሁ፡ ንግዚኡ’ውን እንተዀነ ኣብ ቓዛ ንዝተፈጥረ ኵነታት ኣንፈት ትኹረት ብምቕያር ፖለቲካዊ ረብሓ ክረክብ’ዩ” ኢሉ።

ክሳራ እስራኤል ዝብሎ፡ ተቓላዕነት እታ ሃገር ብምጥቃስ ስትራተጂያዊ ክሳራ እዩ ብምባል የረድእ።

ኢራን ብወገና፡ ምስ እስራኤል ብቐጥታ ንምውጋእ ዘለዋ ድልየት ንህዝባ፡ መሓዙታን ጸላእታን ብምርኣይ ፖለቲካዊ ረብሓ ንምርካብ ከም ዝተጠቐመትሉ ሓቢሩ።

ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ዮርዳኖስን ብርክት ዝበሉ ሚሳይላት ኢራን ከም ዘፍሸላ ዝጠቅስ እቲ ምሁር፡ እስራኤል ካብ ድጋፍ ሃገራት ምዕራብ ወጻኢ ርእሳ ክትከላኸል ከም ዘይትኽእል ቴህራን ኣረጋጊጻ’ያ ኢሉ ይኣምን።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ግዜያት ኣብ ልዕሊ ኢራን ክትገብሮ ዝጸንሐት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ቴህራን ድኽምቲ ከም ዝዀነትን ጐንጺ ከም እትሰግእን ንምርኣይ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቶም መጥቃዕቲታት እዚ ኣመለኻኽታ ክስዓር ዝገበሩ’ዮም።

“ሕጂ እቲ ዞባ ኣብ ተጠንቀቕ እዩ ዘሎ” ዝበለ ጌርገስ፡ ክልቲአን ሃገራት በዚ ደው ከም ዘየብላ ይሕነያ ከም ዘለዋ ጠቒሱ።

እቲ ከባቢ ግን፡ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቍጠባውን ቅልውላው ኣትዩ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።