ሪሺ ሱናክ፡ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣብ ምምላስ ዘሎ ሸንኮለል ከብቅዕ ጸዊዑ

ርሲ ሱናክ

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ናብ ርዋንዳ ዝግበር በረራ ኣብ ዝመጽእ ጽድያ ክግበር ድልየት ከምዘለዎ ርሺ ሱናክ ተዛሪቡ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ዘይስሩዕ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንምምላስ ዘኽእል ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ድሕሪ ምውሳኑ፡ መንግስቲ፡ ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ምዃና ዝገልጽ ህጹጽ ሕጊ የተኣታቱ ከምዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ገሊጹ።

ሪሺ ሱናክ፡ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ስዒቡ፡ ምስ ርዋንዳ ሓድሽ ውዕል ንምፍርራም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ውዕል ሓተትቲ ዕቑባ ካብ ርዋንዳ ናብ ትውልዲ ሃገሮም ከይባረሩ ዝካለኸል ከምዝኾነ እዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገልጽ።

ኣብ ክትዕ ሕጊ ዘሎ “ሸንኮለል ከብቅዕ ንደሊ” ክብል እውን ወሲኹ።

ሓድሽ ላዕለዋይ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ጄምስ ክለቨርሊ'ውን፡ ንእማመ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝድግፎ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ክለቨርሊ፡ እቲ ሕግታት ህጹጽ እዋናት ምርኩስ ብምግባር ክሰርሕ ዝብሃል ዘሎ ውጥን ኣብዚ ቀረባ እዋን ክትግበር ከምዝኽእል ኣተንቢሁ'ሎ።

"ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንክንትግብሮ ንሰርሕ ኣለና። በቲ ፈለማ ዝወጠንናዮ መቓን ግዜ ኢና ክንከይድ" ብምባል፡ ምስ ርዋንዳ ስምምዕ ንምፍራም "ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ" በጺሖም ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ሰብሞያ ግና እቲ ህጹጽ ሕጊ ብኸመይ ከምዝሕግዝ ርግጸኛታት ኣይኮኑን።

ሓንቲ ሃገር ውሕስቲ እያ ኢልካ ምእዋጅ ከምቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ መረጋገጺ፡ ዘእምን ኣይኮነን።

እቲ ዛጊት 140 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገበረሉ ሓተትቲ ዕቑባ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ክውሰዱን ናብ ብሪጣንያ ከይምለሱን ዝገብር ኣካታዒ ፖሊሲ፡ ንፈለማ ግዘ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ብቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ዝተኣታተወ ኮይኑ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትዕ ክግበረሉ ጸኒሑ።

ናብ ርዋንዳ ዝተሰደደ ሓታቲ ዕቑባ የለን። ቀዳማይ በረራ ኣብ ሰነ 2022 ክግበር እኳ ተተሊሙ እንተነበረ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ፡ ጣልቃ ኣትዩ ደው ኣቢልዎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ድማ፡ እቲ ትልሚ በቲ ዘለዎ መልክዕ፡ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ወሲኑ'ሎ።

ጄምስ ክለቨርሊ

ምንጪ ስእሊ, ANDY RAIN/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ሓድሽ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት'ውን ንእማመ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ'ሎ

ንጋዜጠኛታት መግለጺ ዝሃበ ቀዳማይ ሚነስተር ሪሺ ሱናክ፡ እቲ ሓድሽ ውዕልን ህጹጽ ኣዋጅን፡ ነቶም ዝቐርቡ ሻቕሎታት ከምዝምልስን ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ምዃና ከምዘጋግጽን ተዛሪቡ።

ኮይኑ ግና እቲ ትልሚ ካብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ተወሳኺ ፈተና ከጋጥሞ ከምዝኽእል ገሊጹ።

“ቤት ፍርዲ ወጻኢ ነዞም በረራታት ደው ከብሎም ኣይክፈቅድን እየ። እቲ ኣብ ስትራስቦርግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣንጻር ድልየታት ቤት ምኽሪ ኢዱ ከእቱ እንተመሪጹ፡ እቶም በረራታት ክካየዱ ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ተዳልየ ኣለኹ” ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ፖሊሲ ዘሎ ሕጋዊ ተቓውሞ፡ "ሰባት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ይኽእሉ እዮም" ኣብ ዝብል ሕጊ ብሪጣንያን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተመርኮሰ እዩ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ናብ ርዋንዳ ዝውሰዱ ሰባት፡ ብመንግስቲ ርዋንዳ ውሑስ ናብ ዘይኮንሉ ዓዲ ክስደዱ ይኽእሉ እዮም ዝብል “እኹል ምልክታት” ኣሎ ኢሉ።

እቲ መንግስቲ ምስ ርዋንዳ ዝሰርሓሉ ዘሎ ውዕል ነዚ ስኽፍታ ከምዝምልስ እዩ ሱናክ ዝዛረብ፤ መንግስቲ ርዋንዳ ነቶም ሓቀኛ ደለይቲ ዕቑባ ናብቲ ሃዲሞም ዝመጽእሉ ሃገር ከይመልሶም ቃል ክኣቱ እዩ ኢሉ።

ኮይኑ ግና ርዋንዳ ቃላ ክትዓጽፍ ትኽእል እያ ዝብል ስክፍታ ኣሎ።

ሱናክ ምስ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ ቀሊል ካብ ዘይበሃል ቁጽሪ ኣባላት ውድቡ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።

ንሱ ንፖሊሲ ርዋንዳ ንምትግባር “ኣድላዪ ዘበለ ከምዝገብር” ቃል ዝኣተወ ኮይኑ፡ ክንደይ ዝኣክል ርሕቀት ከምዝኸይድ ግን ኣይተፈለጠን።

እቲ ሓድሽ ውዕል ካብ ቤት ፍርዲ ተቓውሞ ክለዓሎን፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ድማ ብኸመይ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም ለኻዊ ስምምዓትን ከምዘኽብር ዝርዝር መብርሂ ከቕርብ ከምዝሓትዎን ብዙሓት ይግመቱ።

ሪሺ ሱናክ፡ ድሕሪ ሕጂ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ምልኣኽ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኢዱ ከምዘይኣቱ ገሊጹ ኣሎ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ግና ነዚ ዝቃወሙ ሰለስተ ሕግታት ከምዘለዉ ይገልጽ።

ስለዚ መንግስቲ ምስዞም ሕግታት ምግጣሙ ዘይተርፍ እዩ።

ኣብታ ሃገር ሕጊ ክጸድቕ ነዊሕ ኣዋርሕ እዩ ዝወስድ፤ በዚ ህጹጽ ሕጊ ግና መንግስቲ ቀልጢፉ ክውሰን ክገብር ይኽእል።

መንግስቲ ናብ ርዋንዳ ዝግበር በረራ ኣብ ዝመጽእ ጽድያ ክግበር ድልየት ከምዘለዎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ መረጻ፡ በረራ ክካየድ ምዃኑ ግን ቃል ኣይኣተወን።

ብደሆታት ናይቲ ኣዘራራቢ ፖሊሲ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታ ኣዝያ መሊኻቶ ዝነበረት ሚኒስተር ውሽጢ ዓዲ ስዌላ ብራቨርማን ምስ ኣበረራ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ ተራእዩ ዘሎ።

ንሳ ነቲ ናይ ርዋንዳ ፖሊሲ ኣማራጺ ዝኸውን ትልሚ የብሉን ክትብል ነቲ መራሒ ከሲሳቶ ነይራ።

ርዋንዳ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ ውሳነ ናይቲ ቤት ፍርዲ እኳ እንተኾነ ርዋንዳ ውሕስቲ ሃገር ኣይኮነትን ዝብል ግን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለና ፖሊሲን ተቐባልነትን ዘለና ልምዲ ዘይገልጽ እዩ ክትብል ተቓዊማቶ።

ርዋንዳ ናብቲ ውዕል “ብቕንዕና” ከምዝኣተወት ዝገልጽ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ነቶም ዝሃበቶም መረጋገጺታት ክተተግብር ዘለዋ ተኽእሎ፡ ብውሑድ ኣብ ሓጺር እዋን” ዝምልከት መረዳእታታት ግን ጥርጣረ ዝፈጥር እዩ ኢሉ።

ሓደ ካብቶም ሓተትቲ ዕቑባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቶም ዳያኑ ንዝሃብዎ ውሳነ “ካብ ልበይ አመስግኖም” “ብሰብኣውነት ሒዞምና” ክብል ገሊጹ።

ኦክስፋም ዝርከቦም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብምንኣድ፡መንግስቲ ሓተትቲ ዕቑባ ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣትዉሎም ዕድላት ምስፋሕ ሓዊሱ ካልኦት ኣማራጺታት ክወስድ ጸዊዖም።