ናብራ ስደት ቱርኪ፡ ‘ፖሊስ ከም ጻጸ፡ ሰብ ከም ኣንጭዋ’

ብባልኮኒ እተማዕዱ ሰበይቲ

ቱርኪ፡ ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማ’እከላይ ምብራቕን ኣፍጋኒስታንን ካልእን ብዘይሕጋዊ መገዲ ንኣውሮጳ መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ሃገር እያ።

ብዙሓት ኤርትራውያን እውን፡ ካብ ሃገር ወጺኦም ካብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ነቒሎም ናብ ቱርኪ፡ ካብኡ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ብቐጥታ ወይ ብግሪኽ ኣቢሎም ከምዝሰጋገሩላ ይንገር። ሓያለ’ውን ኣብታ ሃገር ከም ዝነብሩ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን ምስ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝተሓሓዝ፡ ናብራ ኣብታ ሃገር ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ኣብኣ ዝረገጹ ሰባት የዘንትዉ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 600 ሽሕ ስደተኛታት ብወለንታኦም ነናብ ሃገራቶም ከምዝተመልሱ ገሊጹ። ብዙሓት ሶርያውያን ስደተኛታት ግን ብሓይሊ ናብታ ኲናት ዘዳኸማ ሃገሮም ይስጐጉ ከምዘለዉ'ዮም ዝዛረቡ።

ያስር ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ኢስታንቡል ምስ ስድራኡ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ግን ፖሊስ ናብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ፋብሪካ ኣትዮም፡ ንዅሉ ሰብ መንበሪ ሰነዳት ክሓቱ እንከለዉ ሒዞሞ።

እቲ ካብ ኲናት ሶርያ ሃዲሙ ዝተሰደደ ያስር፡ መንበሪ ፍቓዱ ኣብ ኢስታንቡል ዘይኮነስ ኣብ ኣንካራ ተመዝጊቡ ስለ ዝነበረ፡ ፖሊስ ሒዞሞዎ። ፈለማ ናብቲ ኣብ ወሰን ከተማ ዝርከብ ማእከል፡ ድሕሪኡ ድማ ካብ ዶብ ሶርያ 150 ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ መርሲን ዝተባህለት ከተማ ኣግዒዞምምዎ።

በዓልቲ ቤቱ ዛና ንሰለስተ መዓልቲ ሃለዋቱ ክትፈልጥ ኣይከኣለትን።

ንሳ፡ “ፖሊስ ከም ዝወሰድዎ ጥራይ እምበር፡ ኣበይ ከም ዝወሰድዎ ኣይፈለጥኩን፡" ትብል።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ናብ ኣንካራ ክግዕዝ ቅድመ ኵነት ብምሃብ ፈቲሖምዎ። ኣብዚ እዋን ንሱን በዓልቲ ቤቱን ምስ ወዲ ሸሞንተ ወርሒ ውላዶም ኣብ ሓደ ኣረጊት ቴንዳ ይነብሩ ኣለዉ።

“ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብፍላይ፡ ፖሊስ ከም ጻጸ ኣብ ኵሉ ቦታታት ተዘሪኦም፡ መለለዪ መንነት ይሓቱ ኣለዉ፡” ይብል ያስር።

ሓድሽ ስጕምቲ

ሓበሬታ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ 173 ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተታሒዞም። እዚ ምስቲ ኣብ 2022፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ዝተመዝገበ 285 ሽሕ ክነጻጸር እንከሎ ዓቢይ ወሰኽ እዩ ኣርእዩ።

ኣብ 30 ከተማታት ብዝተገብረ ምጽራይ ሰነዳት፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 44,572 ሰባት ካብታ ሃገር ተጠሪዞም፤ 604,277 ስደተኛታት ድማ ብወለንታኦም ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓሊ የርሊካያ ይገልጽ።

ቱርኪ፡ ካብ ዝዀነት ሃገር ንላዕሊ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሶርያውያን ስደተኛታት ዘዕቈበት ክትከውን እንከላ፡ ድሕሪ ሕጂ መሰጋገሪት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምዃን ከምዘይትጻወር ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ኣሃዝ እቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዘይስሩዓት ስደተኛታት ብልክዕ ኣይፍለጥን።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር “ግዝያዊ ዕቝባ” ዝበሃል ደረጃ እውን ዳርጋ ከምዘይሕሰብ እቶም ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናብታ ሃገር ዝተሰደዱ ሶርያውያን ኣምሪሮም ይገልጹ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ብሰንኪ ፍንጀራ ንዘጋጠሞ ሓደጋ ቃጸሎ ሕክምና ክረክብ ብምባል ካብ ሶርያ ናብ ቱርኪ ዝመጸ ወዲ 23 ዓመት ማሂር፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣንካራ ይዅን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ምዝገባ [ስደተኛታት] ከምዝተዓጽወ ይገልጽ።

እዚ ማለት ካብታ ዝሓድረላ ክወጽእ ውሕስነት የብሉን።

ሓደ ሰብኣይ ተሌፎኑ ይርኢ

"ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ክንቀሳቐስ ኢለ ውጽእ ምስ በልኩ፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ደው ኣቢሉ፡ ወረቐት መንነት ሓቲቱኒ። ድሕሪኡ ናብቲ ዝነደደ ገጸይ ርእዩ ደንጊጹ፡ ኣብዚ ኮለል ኣይትበል ኢሉ ክኸይድ ኣፍቂዱለይ።

"ህጹጽ ነገር ረኺበ እንተዘይኰይኑ፡ ናብ ድኳን ክኸይድን’ውን ኣይክእልን'የ። ኣብዚ ከባቢ ብዙሕ ሓይሊ ፖሊስ ስለዘሎ፡ የማን ጸጋም ብጥንቃቐ ኣስተውዒለ እየ ገዛይ ዝምለስ።"

ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ጸገም እዮም ዘሕልፉ ዘለዉ።

ናስር ዝተባህለ ካልእ ወዲ 16 ዓመት ስደተኛ እውን፡ ኣብ ገዛውቱ ኣመና ተጠንቂቝ እዩ ዝንቀሳቐስ፤ ፖሊስ ከይሕዝዎ ነቒሑ እዩ ዝከታተል።

"ቅድሚ ሓደ ዓመት መንነት ዝሓትት ፖሊስ ኣይነበረን፤ ሕጂ ግን ብማዕዶ ፖሊስ እንተሪኻ ህድማ እዩ፡" ይብል።

እዚ ድማ ወጺእካ ቋንቋ ቱርኪ ምምሃር ንዝነበሮ መደብ ተስፋ ዘቝርጽ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

"ተስፋ የብለይን! ንመጻኢ ዝሓዝኩዎ መደብ’ውን የለን፤ በቃ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ሃልዩኒ እንተዘይኰይኑ፡ ልክዕ ከም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነብር ዘለኹ፡ ኣይወጽእን እየ።”

ዝምለሰሉ ገዛ የብለይን

ናስር፡ ገዛኦም ብሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ተደብዲቡ ከምዝዓነወን፡ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከምዝተቐመጠን የዘንቱ። ወለዱ ስለዝሞቱ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ዝርእዮ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘመድ ከምዘይብሉ’ውን ይገልጽ።

ቅድመ ግንባር ሶርያ ተዛማዲ ህድኣት’ኳ እንተለዎ፡ ኣብታ ሃገር ከጋጥም ዝኽእል ዓመጽን ማእሰርትን፡ ንተመለስቲ ውሕስነት ከምዘየለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ኣንካራ ምስ ክልተ - ደቂ ሓሙሽተን ሸውዓተን ዓመት - ደቃ እትነብር ራሻ ዝተባህለት ኣደ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ካብ እትኸይድ ንነጀው ካብ ገዛ ፈጺማ ከምዘይወጸት ትዛረብ።

ኣብ ባልኮኒ ወጺኣ እተማ'እእዱ ሰበይቲ
መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት፡ ንደገ ንምውጻእ ማዕረ ክንደይ ከም ዘስግኦም ይገልጹ

"ሓደ መዓልቲ ፖሊስ ክመጹና ርኢና፡ ከም ሓደ ገበነኛ ኣብ መንጐ እኩብ ሰብ ጐዪና ሃዲምና።"

“ድሕሪኡ ክልተ መንእሰያት ካብ ከባቢና ሒዞም ናብ ሶርያ ጠሪዞምዎም። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዘ ናብ ድኳን ገጸይ ወጺአ ኣይፈልጥን እየ፡ ባዶነት እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ። ናብ ሶርያ ክምለስ ኣይክእልን እየ፡ ኣብዚ'ውን ክነብር ኣይክእልን እየ።"

ምስ ክልተ ደቃ ብጭንቀት ተዋሒጣ ኣብ ውሽጢ ገዛ ተዓጽያ ትነብር ከም ዘላ ራሻ ትዛረብ።

ታሚም፡ ኣብ ቱርኪ ን10 ዓመታት ዝተቐመጠ ስደተኛ እዩ። ንሱ እቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝነበረ ኣረኣእያ ዝተቐየረ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኣንካራ ኣብ መንጐ ቱርካውያንን ሶርያውያንን መንእሰያት ኣብ ዝተኻየደ ባእሲ፡ ሓደ ቱርካዊ መንእሰይ ብኻራ ድሕሪ ምቕታሉ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ከምዚ ዝበለ ወጥሪ ድማ ናብ ካልኦት ከተማታት እውን ተዘርጊሑ።

ኣብዚ እዋን ውሕስነት መንበሪ ንምርካብ ክትምዝገብ ዘይከኣል ምዃኑ ይገልጽ፤ ንሱ፡ ዋላ’ኳ ምዝጉብ እንተዀነ ኣብዚ እዋን ናብ ካልእ ሓድሽ ኣድራሻ ክግዕዝ ኣይክእልን እዩ።

ክምዝገብ ዘይከኣለ ሓደ ወዲ ሓውቦኡ፡ ሓደ ካብቶም ዝተጠረዙ ምዃኑ ይገልጽ።

"ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ሶርያ መሊሶምዎ፤ እንተዀነ ኣብዚ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቍን ስለዘለዉ፡ ብ ኣስገርቲ ገይሩ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብ ቱርኪ ክምለስ ክኢሉ’ሎ፡" ይብል ታሚም።

ምስቲ ሕብረተሰብ ምውህሃድ ከቢድ እዩ

ቍጠባዊ ቅልውላው ዝኣመሰሉ ሓያለ ጸገማት ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘሎ ኣረኣእያ ንኽቕየር ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ገለ ቱርካውያን፡ ሶርያውያን ስደተኛታት ጠንቂ ምቅዋስ ቍጠባኦም ከምዝዀኑ፡ ስራሕ ቱርካውያን ከምዝተቓጸጽዎምን ይኸሱ። ስምዒት ጸረ-ስደተኛታት ነቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝተኻየደ መረጻን ነቲ ፖለቲካ እታ ሃገርን ጸልይዎ እዩ።

ገለ ሶርያውያን ቋንቋ ቱርኪ መሊኾም፡ ትምህርቶም ቀጺሎም ስራሕ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ዝበዝሑ ግን ምስቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ብዘይምኽኣል ተገሊሎምን ድምጺ ኣልቦን ኰይኖም ኣለዉ።

ተሌፎኑ ዝርኢ ሰብኣይ

እቲ ካብ ኢስታንቡል ናብ ኣንካራ ክግዕዝ ዝተገደደ ያስር፡ እታ ነፍሰጾር ዘላ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቀረባ ግዜ ክትሓርስ እያ።

ሕጋዊ ሰነዳት ስለዘይብላ ኣብ ሆስፖታል መንግስቲ ኣገልግሎት ጥዕና ክትረክብ ኣይትኽእልን እያ፤ ኣብ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ክትከይድ ኣለዋ ማለት እዩ።

ናይ መጀመርታ መጥባሕቲ 171 ዶላር ከምዝነበረን፣ እቲ ዝቕጽል ግን ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ክኸውን ምዃኑ ተነጊሩዋ ኣሎ። ብኸመይ ከም ዝሽፍንዋ ግን ኣይፈልጡን።

"ሓደ ሓደ ግዜ ቃንዛ ይስምዓኒ እዩ፤ ናብ ሓኪም ክኸይድ ግን ኣይክእልን እየ" ትብል።

ናብራ ቱርኪ ምስ ሶርያ ክነጻጸር እንከሎ ዳርጋ ገነት ዝበሃል ከም ዝነበረ ዝገልጽ ያስር፡ ሕጂ ግን ዘይጽወር እናኾነ ይመጽእ ኣሎ ይብል።

ንሱ፡ "ሰለስተ ኣማራጺታት እዮም ዘለዉና፤ ናብ ኣውሮጳ ምኻድ ወይ ናብ ሶርያ ምምላስ፡ ወይ ድማ ኣብ ቱርኪ ጸኒሕካ ከም ኣናጹ እናተሓባእካ ምንባር እዩ፡” ይብል።

"እኹል ገንዘብ ስለዘይብለይ ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፤ ብሰንኪ ኲናት ድማ ናብ ሶርያ ክምለስ’ውን ኣይክእልን። ኵነታት ሶርያ እንተተመሓይሹ ግን ኣብዚ ዘጽንሕ የብለይን።"

ኵሉ ኣስማት ተቐይሩ እዩ።