ፊንላንድ ምስ ሩስያ ዘዳውቡዋ ኣርባዕተ ዶባት ዓጽያ

ሓለዋ ዶብ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ፊንላንድ፡ መንግስቲ ሩሲያ ኰነ ኢሉ ስደተኛታት ናብ ዶባተይ ይሰድድ ኣሎ ብምባል ምስታ ሃገር ዘዳውባ ዶባታ ዓጽያ።

ፊንላንድ ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ-ኔቶ ብምጽንባራ፡ ሩስያ ስደተኛታት ናብ ዶባት ብምልኣኽ ግብረ መልሲ ትህብ ከም ዘላ እያ ትገልጽ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሩስያ ዲምትሪ ፔስኮቭ፡ ፊንላንድ ዶባታ ምዕጻዋ “ዓቢይ ጌጋ’ዩ። ሄልሲንኪ ንርክብ ክልቲአን ሃገራት ተበላሽዎ ኣላ” ክብል ነቒፉ።

ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ዜግነት ሶርያ፡ የመንን ዒራቕን ዘለዎም 300 ስደተኛታት ብሩስያ ኣቢሎም ናብ ፊንላንድ ከም ዝኣተዉ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

ሓለዋ ዶብ ፊንላንድ ካብ ዓርቢ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዶባት ቫሊማ፡ ኑኢጃማ፡ ኣማትራን ኒራላን ሓጹር ምቕማጥ ጀሚሩ ኣሎ።

ፔስኮቭ ንምሕጻር ዶባት ፊንላንድ ኣመልኪቱ፡ “ሰበስልጣን ፊንላንድ ክልተኣዊ ርክባት ዘበላሹ መንገዲ መሪጾም ኣለዉ፤ እዚ ዓቢይ ጌጋ እዩ” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፊንላንድ ፔቴሪ ኦርፖ፡ መንግስቲ ሩስያ ኰነ ኢሉ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ዶብ የጸግዕ ኣሎ ብምባል ከሲሱ።

“እዞም ሰባት ድጋፍ ይግበረሎም ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ብሓለውቲ ዶብ ተዓጂቦም ናብ ዶብ ክመጽኡ ይግበር ኣሎ” ኢሉ።

ብሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ ካልኦት ክልተ ዶባት ግን ክፉታት ኰይኖም ከም ዝጸንሑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።

ፊንላንድ፡ 1340 ኪሎሜትር ንውሓት ብዘለዎ ዓቢይ ዶብ ምስ ሩስያ ትዋሰን ኰይና፡ እዚ ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝዓበየ እዩ።