ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ 12 ወሓይዝ ሰጊራ ዩጋንዳ ዝበጽሐት መንእሰይ ዘሕለፈቶ መከራ

ኤርትራዊያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, LW

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ካብ ኤርትራ ናብ ዝተፈላለያ ጐረባብብቲ ሃገራት ክሰደዱ ዝጸንሑን ዘለውን መንእሰያት ቍጽሮም ክውስኽ ምጽንሑ ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ዩኤንኤችሲኣር ይገልጽ።

እዞም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደሪኾም ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያን፡ ገለ ብደገፍ መቕርብን ስድራ ቤትን ኣብ ሓጺር እዋን ናብቲ ዝሓሰብዎ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ገለ ድማ ዝሕግዞም ስለዘይብሎም ኣብተን ክበጽሑወን ዝኸኣሉ ሃገራት ጐረባብቲ ሃገራት ተሪፎም ዕለታዊ ናብራኦም ክመርሑ ይርኣዩ።

እዚ እናዀነ’ውን፡ ኣብተን ዝኣተውወን ሃገራት ብሰንኪ ዘይርጕእን ተቐያያሪን ፖለቲካውን ቍጠባውን ጸገማት እንደገና ንዳግማይ ስደት ይቃልዑ።

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ሓዳሕድ ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብታ ዳርጋ ከም ሃገሮም ዝቘጽርዋ ሱዳን ንብረቶም ራሕሪሖም እግረይ ኣውጽእኒ ናብ ፎቘዶኡ ተበታቲኖምን ፋሕ ይብሉ ኣለዉ። ገሊኦም ኣብ መገዲ ክሞቱ እንከለው፤ ገለ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘሰቅቕ፣ በቲ ሓደ ድማ ዘተሓሳስብ ዛንታ ይጸውዩ።

እዚ ዛንታ እምበኣር ጕዕዞ ናይ ሓንቲ ካብ ኲናት ሱዳን ከትምልጥ ብብዙሕ ውረድ ደይብ ዝሓለፈት ኤርትራዊት ልዋም እዩ።

ጉዕዞ ስደት

ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ከረን ናብ ሱዳን ተሰዲዳ። ኣብ ፈለማ 2017፡ ናብ ከሰላ ካብኡ ናብ ሸገራብ ካብኡ ድማ ንካርቱም ኣተወት።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ብሰላም ወፊርካ እትምለሰሉን ትሰርሓሉን ተዛማዲ ሰላም ብምንባሩ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ሓደ ትካል ስራሕ ጀመረት።

ኣብ መንጐ ሓይልታት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ውግእ ክሳብ ዝባራዕ ግን ኣብ ናይ ሱዳናውያን ትካል ከም ተቐባሊት ጋሻ ኰይና ትሰርሕ ነበረት።

ልዋም ዕለታዊ ህይወታ ንምምራሕ ፋሕተርተር ትብል’ኳ እንተነበረት፡ ኣብ መንጐ ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን እናተዘርገ ምስ ከደ፡ ዘይሓለፍነታውያን ኣኽበርቲ ጸጥታ፡ በቲ ናይ “ክልተ ሽሕን ሰማንያን ጅኔ” ዝበሃል መንቀሳቐሲ ወረቐት “ብጣቓ” ኣሳቢቦም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ከቢድ ጸቕጢ ይፈጥሩ ስለዝነበሩ፡ ንዓኣ እውን ዓቢ ብድሆ ኰይኑዋ ነይሩ።

ሓደ ረፍዲ ናብ ስራሕ እናኸደት እንከላ ካብ መኪና ኣውሪዶም ኣሰርዋ እሞ፡ ሽሕ ዶላር ከፊላ ከምዝወጽአት ትጠቅስ።

“ብፍላይ ኤርትራውያን ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ ይኽእሉ እዮም ስለዝብሉና፡ ኣብ ኵሉ እቲ ብብዝሒ እንነብረሉ ከባቢታት ፋሕ ኢሎም እዮም ዝገፉ። ገለ ዕድል ዘይገበሩ ድማ ክሳብ ክልተ ሰለስተ ሳዕ ተታሒዞም ሸሽሕ ዶላር ዝኸፈሉ ነይሮም። እቶም ከፊሎም ካብ እንዳ ፖሊስ ክወጽኡ ዘይከኣሉ ድማ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ የሰጋግርዎም፡” ነይሮም ትብል።

ድሮ ፋሲካ

ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ 2023፡ ንሳን ብጾታን ኣብ ድሮ ፋሲካ ኣብ ቤተክርስትያን እንከለዉ ሃንደበት ጽዑቕ ድምጺ ጠያይቲ ክስማዕ ጀመረ። እቲ ተዅሲ ቀልጢፉ ዝሃድእ መሲሉዋ፡ ብሰንኪቲ ዝነበረ ተዅሲ ናብ ስራሕ ክትወፍር ከምዘይትኽእል ንሓላፊኣ ክትሕብርን ፍቓድ ክትሓትትን ስልኪ ደወለት።

እቲ ሱዳናዊ ሓላፊኣ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ስለዝፈልጦ፡ ‘እዚ ባእሲ ኣብ መንጐ ኣሕዋት ስለዝዀነ ከቢድ እዩ ክኸውን ስለዚ ተጠንቀቒ፤ ክሳብ ንሕና ንድውለልኪ ናብዚ ኣይትምጽኢ፡ ሓደራ ድማ ኣይትውጽኢ‘ ብምባል ኣተሓሳሰባ።

ድሕር’ዚ ኵነታት እናበአሰ ስለዝኸደ፡ ኣብታ ከተማ ምንባር ኣዝዩ ኣሰካፊ ምስ ኰነ ክሳብ ኵነታት ህደእ ዝብል እልይ ክትብል ናብ ከሰላ ኣምርሐት።

ዘይከምትጽቢታ ግን ኣብታ ናይ መወዳእታ ኬላ ታላታ ዓሸር ምስ በጽሑ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ነቶም ዝዀነ ፓስፖርት ይዅን ወረቐት ስደተኛታት ዘይነበሮም ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ንስኻትኩም ንዓድኹም ክትኣትው ኣለኩም ኢሎም ንበይኖም ፈለዩዎም። ነዚ ዝተዓዘበት ልዋም ንኤርትራ እንተ ተመሊስና ግፋን ውትህድርናን እዩ ክጽበየና ኢላ ብምስጋእ ወዲ 8 ዓመት ቈልዓ ምስ ዝርከቦም ትሽዓተ ሰባት ዝሸኑ ተመሲሎም ሰዓት 1፡30 ሃዲሞም ናብ ከሰላ ከምዝኣተው ትትርኽ።

ኣብ ከሰላ፡ ካብቲ ካርቱም ዝሓሸ ተዛማዲ ሰላም’ኳ እንተነበረ፡ ስግኣት ስለዝተሰመዖም ብፋሓም መግቦም እናብሰሉ ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ተሓቢኦም ጸንሑ። ዳሕራይ ግን ሓንቲ ኣብ ከሰላ ንነዊሕ ዓመታት እተቐመጠት ኤርትራዊት ዝሓሸ ገዛ ምስ ምሉእ ንብረቱ ብርትዓዊ ዋጋ ስለዝረኸበትሎም ቅሩብ እፎይ በሉ።

ይዅን እንበር ሽዑ’ውን እቲ ኲናት እናበአሰ ብምኻዱ ቀሲኖም ኮፍ ክብሉ ኣይከኣሉን። ካብቶም ካብ ዶብ ሃዲሞም ኣብ ከሰላ ብሓደ ሓቢሮም ዝነበሩ 10 ሰባት ድማ ገለ ናብ ግብጺ፣ ገለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ፋሕ ፋሕ ክብሉ ጀመሩ’ሞ ልዋም ከኣ ብገዳርፍ ናብ መተማ ኣምርሐት።

ጉዕዞ መተማ

ስደተኛታት ኣብ መሬት ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, LW

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ኣብ መሬት ኬንያ

ኵሉ እቲ ጕዕዞ ብደላሎን ኣሰጋገርትን ብዘይሕጋዊ መገዲ ስለዝግበር ኵሉ ሳዕ ሻቕሎትን ፍርሕን ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ተመሲሎም ኣብ መንገዲ ጉቦ እናሃቡ ካብ ገዳርፍ ናብ መተማ ኣተው። እንተዀነ ኣብ መተማ ብዙሓት ኤርትራውያን ስለዝነበሩ መመዝጊቦም ናብ መዓስከር ኩመር ይወስድዎም ስለዝነበሩ፡ ልዋምን ብጾታን 600 ዶላር ከፊሎም ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣዲስ ኣበባ ኣተው።

ክብደቱ እቲ ጕዕዞ ከተዘንቱ እንከላ፡ “ብርግጽ ፍርሒ ነይሩ፣ ከምቶም ደቂ ዓዲ ስለዘይኰንና ሰብ ኣብ መንጐ ወሪዱ ክቘርስ እንከሎ ስለንፈርሕ መግቢ ኣይንበልዕን ኢና። ገለ እውን ካበይ ምዃንካ ይሓቱኻ’ሞ ኢትዮጵያዊ’የ ትብሎም ግን ቋንቋ እውን ስለዝጽግመና ፍሉጣት ስለዝዀንና ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ፡” ትብል።

እዛ ካብ ከረን ዝተሰደት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክትረጋግእ እኳ እንተሓሰበት፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ኤርትራውያንን ስደተኛታትን ንመንበሪ ፈቓድን ዝምልከት ጸገማትን ብቐጻሊ ክሸናኸር ስለዝተዓዘበት ብኬንያ ኣቢላ ናብ ዩጋንዳ ክትሰግር ወሰነት።

ድሕር’ዚ ብደገፍ መሓዛአ ምስ ሓደ ኣስጋሪ ብ2000 ዶላር ተወዓዓለት። እቲ ጕዕዞ ሰለስተ መዓልታት ከምዝወስድ ተነጊሩዋ፡ ምሸት ከባቢ ሰዓት 8፡00 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም፡ ረቡዕ ንግሆ ብናይ ጽዕነት መኪና ሃገረ ማርያም ኣተዉ።

ንጽባሒቱ መንገዲ ክቕጽሉ እናሓሰቡ ግን፡ ቅድሚኣ በቲ መገዲ ዝተጓዕዙ ብጾታ፡ እቲ ጕዕዞ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ሰምዐት። ኣሰጋገርቲ፡ ኣብ ሓንቲ ሞተር-ብሽክለታ ሓሙሽተ ሰባት ጽዒኖም፡ ብናህሪ ኬላታት እናበንጠሱ ከምዘሕለፍዎም ምስ ተነግራ፡ “ስለምታይ ከም ስምምዕና መንቀሳቀሲ ወረቕት ጌርኩም ብውሑስ መንገዲ ዘይትወስዱና፡” ክትብል ሓተተት፤ ‘ወረቐት ኣብ መንገዲ ክስዕበና’ዩ’ ዝብል ምላሽ ሂቦም ድማ ኣበገስዎም።

ይዅን እምበር እቲ ሓበሬታ ሓቂ ስለዘይነበረ፡ ካብ ሃገረ ማርያም 100 ኪሎሜተር ምስ ተጓዕዙ ንሳን ብጾታን ተታሕዙ።

ፓስፖርት ወይ ወረቐት ስደተኛ ምስ ተሓተቱ ድማ፡ ፍርሒን ኩሉ ዝሓለፈቶ ተሓዋዊሱን ብብኽያት፡ ‘ውጻእ መዓት ኲናት ሱዳን ምዃና፣ ሰነዳታ ኵሉ በቲ ኣብ ገዛኦም ዝዓለበ ቦምባ ስለዝተሃሞኸ ዝዀነ ሰነድ ከምዘይብላ’ ምስ ነገረቶም ግን ደንገጹላ። ንድሕነቶም ክብሉ ግን ብውሕስነት ወኪል ፖሊስ ሰብ መጺኡ ክወስዶም ብማለት፡ ናብቲ ቀዳማይ ኬላ መለስዎም። እቲ ዘሰጋግሮም ዝነበረ ደላላይ ከኣ ናብቲ ቦታ ሰባት ሰዲዱ ኣህዲሙ እንደገና ከምብሓድሽ ሒዞዎም ተበገሰ።

ድሕሪ ነዊሕ መንገዲ ድማ ናብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ናብ ሞያለ ኣተዉ።

ድሕሪኡ’ኸ

ኤርትራዊያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, LW

ኣብኡ፡ ‘ተመስገን ሕጅስ ቀሪብና ኢና!’ እኳ እንተበለት እቲ መንቀሳቐሲ ተባሂሉ ዝተዋህባ ዝተሰንዐ ወረቐት ምዃኑ ድሒሩ በርሃላ። ካብ ፍርሓ ኣይወጸትን፤ ልዋም ትርከቦም ብዙሓት ሰባት ተታሕዙ። ኣብኡ’ውን እቶም ደላሎ ጉቦ ብምሃብ ኣህደምዎም’ሞ፡ ከምኣቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ክሰግሩ ኣብ መንገዲ ምስ ዝነበሩ 49 ኤርትራውያን ን9 መዓልቲ ኣብ ሓደ ገዛ ሓብኡዎም።

“ምኽንያት ምድንጓይናን ዘለናዮ ቦታን እንተሓቲትና ንኸይንሃድም ኢሎም ኣይነግሩናን ነይሮም። ግን ከኣ እቲ ዘሰጋግረኩም (ሰምሳሪ) ደዊሉልና ነይሩ፤ ጭቃ ስለዘሎ ክንጓዓዝ ኣይንኽእልን ኢና እናበሉ የመኽነዩልና ነሮም። በዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ገዛ 36፣ ኣብታ ካልአይቲ 34፣ ኣብታ ሳልሰይቲ ከኣ 14፡ ኣብ ሓንቲ ካልእ ገዛ እውን 7 ሰባት ነይሮም።”

ድሕር ትሽዓተ መዓልታት ግን ከባቢ 46 ዝዀኑ፡ ሽዑ ምስ ዝመጽኡ ተወሰኽቲ 17 ኣጋይሽ ንነዊሕ መንገዲ ብሞቶር ሳይክል ብምጕዕዓዝ፡ ብድሕሪኡ ዝነበረ ኵሉ ጕዕዞ ብእግሪ ከምዝወሰድዎም ትዝክር።

መግቢ ኣይነበሮምን፤ ኣብ መዓልቲ ሓንሳብ ሩዝ ይወሃቦም። ኣብቲ ከባቢ ንሰሙን መመላእታ ለይቲን ቀትርን ብዘይ ዕረፍቲ ማይ ይሃርም ብምንባሩ ውሕጅ ጸንሖም። ኣጋጣሚ ምስኣቶም ሓምቢሶም ዝኽእሉ ተጓዓዝቲ ስለዝነበሩ ከኣ ነቲ ኣብ ክሳዶም ዝበጽሕ ዝነበረ ውሕጅ ሰገርዎ።

“ቅሩብ ሰዓታት ምስ ተጓዓዝና እውን ካልእ ሩባ መሊኡ ጸኒሑና። ከምቲ ዝቐደመ ከኣ ነተን ሞተር ሳይክል ኣስጊሮም ንዓና ብእግርና ኣስዒቦሙና። እቲ ውሕጅ ኣብ ገሊኡ ክሳብ ርእስናን፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ክሳብ መዓንጣና ይበጽሕ ነይሩ። ግን ንዕኡ እውን ብክንደይ ሽግር ኢና ሰጊርናዮ፤ ኣብቲ ንቝጽ መሬት ምስ በጻሕና መሊስና ቅሩብ ሰዓታት ምስ ተጓዓዝና ሓንቲ ብርትዕቲ ውሕጅ ጸኒሓትና። ገለ ኣዋልድ ዳርጋ ብውሕጅ ተወሰዲን ነይረን ንዓኣ እውን ዕድል ገይርና ሰጊርናያ፡” ኢላ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ተዘንቱ።

ኣብ መንገዲ ካልኦት ኣስታት 46 ኤርትራውያንን፡ 100 ኢትዮጵያውያንን እውን ምስ ተጽንበርዎም ዳርጋ 200 ዝዀኑ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጭቃ እናወደቑን እናተንስኡን ድሕሪ ምጓዓዝ፡ ን6ይ ግዜ ውሕጅ ዓገቶም። ይዅን እምበር እቶም ኣሰጋገርቲ ብሂወቶም ከይተገድሱ ናይ ነብሶም ጥራይ ይገብሩ ብምንባሮም እዚ ድማ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎም ልዋም ትሕብር።

“በቃ ኣዝዩ ከቢድ ህሞት እዩ ነይሩ፡፡ ገለ ምስ ኣቦኦም ገለ ምስ ኣደኦም ሓንቲ ጓል 3 ዓመት፡ ሓደ ወዲ ዓመትን መንፈቕን ሓደ እውን ወዲ 11 ዓመት ነይሮምና። ግን ወጺእና ጓዕዞ ጀሚርና፤ የማን ጸጋም ርኢና ኣእዊና ዝሰማዓና የብልናን፣ ስለዚ ኣማራጺ የብልናን ንቕድሚት ምምራሽ ጥራይ እዩ፡” ኢላ ትዝክር።

12 ወሓይዝ ሰጊርና

ሩባታት ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, LW

እቲ ዝተሰማምዕዎ ካልእ እቲ ዝጸንሖም ከኣ ካልእ ምስ ኰነ እንታይ እዩ ጉዱ ኢሎም ምስ ሓተቱ፣ ‘ክራማት ሕጂ’ዩ ጀሚሩ፤ ንነዊሕ ክጸንሕ ስለዝዀነ ከኣ ንዓኻትኩም ኮፍ ኣቢልና ክንቅልበኩም ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ጭቃ ድማ፡ ዝዀነት ዓይነት መኪና ክትመጸኩም ኣይትጸበዩ። ንሕና ድማ ስራሕና ንሰርሕ ኣለና። ስለዚ መንገድኹም ጥራይ ቀጽሉ፡’ ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦም ብኣስተንትኖ ተዘንቱ።

ብኸምዚ ኵነታት ን 16 መዓልታት ብእግሮም ተጓዒዞም፤ ፈጣሪ ብድሓን ውጹ ክብሎም ድማ ኣብ ውሕጅ ሓምቢሶም ዝኽእሉ ስለዝነበሩዎም፡ ንሓድሕዶም እናተሓጋግዙ ነቶም ሓምቢሶም ዘይክእሉ እናስገሩን ቀጸሉ።

ብጥሜትን በቲ መሪር ኵነታትን ዝተቘጥዑ መንእሰያት ካብዚ ዝኸፍእ ኣይመጽኣናን’ዩ ስለዝበሉ፡ ምስቶም ተተቐቢሎም ሩባ ዘስግርዎም ዝነበሩ ሰባት ስምምዕና ከምዚ ኣይነበረን፤ ገንዘብና ከፊልና ከነብቅዕ ብጥሜትን ሂወትካ ብዝፈታተን መንገድን ክትወስዱና ብምባል ከቢድ ታዕታዕ ከምዝተፈጥረን ትገልጽ።

እቶም ኣስገርቲ ነቶም ኢትዮጵያውያን ይሃርምዎም፡ ነቶም ኤርትራውያን ድማ ከፈራርሕዎም ብማለት ንላዕሊ ጠያይቲ ይትኵሱ’ሞ እቶም ኤርትራውያን፡ ‘ኣብዚ ዘሎ ኵሉ ወተሃደር’ዩ፤ እዚ ትገብርዎ ዘለኹም ንዓና ኣየፍርሓናን’ዩ፡’ ብምባል መመሊሶም ምስ ጨቕጨቑዎም፡ ውሑድ መግቢ ሂቦምና ትብል።

“ነተን ኣዋልድ ድማ 12 ሰባት ኣብ ሓደ መኣዲ ኣኽቢቦም ይህቡና ነሮም። እቶም ኣወዳት ኣሕዋትና ግን ነእሽቶ ስለዝህብዎም ከም ዘይጸገቡ ስለ እንፈልጥ ካብታ ናትና ኣትሪፍና ንዕንግሎም ኔርና። ዳርጋ ኵላትና ኣዋልድ ምስቲ ምንዋሕ መገዲ ኣስላፋና ይፍሕፋሕ ስለዝነበረ እናሓንከስና ኢና ንኸይድ ነይርና፡” ትብል ልዋም።

ከም ደቀንስትዮ፡ ኣብ ጕዕዞ ዝያዳ ወርሒ ክገብራ እንከለዋ ገለ ካብኣተን ወርሓዊ ጽግያት ዝነበረን መንዲል ንጽህና እናተማቐላ ይጥቀማ እኳ እንተነበራ፡ ማይ ክሃርመን እንከሎን ብውሕጅ ክሰግራ እንከለዋን ይጽገማ ነይረን።

መዕቀሊ ስለዘይነበረን እቲ ለይትን ቀትርን ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ኣብ ዝባነን’ዩ ዝጽሒ ነይሩ። ብስንኪ’ዚ፡ ብዙሓት ካብኣተን ኣእጋረን ቈሲሉ፡ ቁሪ (ንፋስ) ወሲደን ጐድነን ተሰፊጡ ኣዝየን ተዳኺመን እየን።

“ሓደ ሓደ ግዜ ኵነታት ልዕሊ ዓቕምኻ ይዀነካ’ዩ። ብፍላይ እታ ጕዕዞ ንሂወትካ ፈታኒት እያ ነይራ። 12 ወሓይዝ ክንሰግር እንከለና ተዓንቂፈን ጽፍረን ዝተጀልዐ፡ ኣስላፋተን ብፍሕፈሐ ዝቘሰለ ኣእጋረን ማይ ዝመዓጐ፣ ኣብ ኵሉ ኣካላተን ሳሓ ዝገበረለን ኣሕዋት ነይረናና። ኣነ ንባዕለይ ምጕሊ ኣንጭዋ ወጺኡኒ ተሳቕየ ነይረ። ጭቃን ጨፈቃን ዝናብን ውሕጅን ስለዘሸገረና ዎ ኣምላኽ ባዕልኻ ሓልወና እናበልና ኢና ንኸይድ ነይርና፡’ብምባል ድማ ነቲ ዘስካሕክሕ ኵነታት ትጸውየሉ’ላ።

ከምዘይብጻሕ የለን፡ ድሕሪ ናይ16 መዓልታት እግሪ ጕዕዞ፡ ኔሮ ናብ እትበሃል ከተማ ኬንያ ኣትዮም ካብኡ ብንኣሽቱ መካይን ናብ ናይሮቢ ኣተዉ። ኣብ ኬንያ ን4 መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ ከም ብሓድሽ ናብ ዩጋንዳ ነቐሉ።

ዋላ’ኳ እቲ ጕዕዞ ብመኪና እንተነበረ ካብ ጥምየትን ጽምእን ኣየዕረፉን። እቲ ዝወስዶም ዝነበረ ኣውቲስታ ደንጊጹ፡ ሩዝን ኮካን ባንን ብምሃብ ዓንገሎም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምስ ካልኦት 17 ሰባት ብሰላም ናብ ካምፓላ ኣተው።

ድሕር’ዚ በዳሂ ኵነታት ልዋም፡ ኵነታት ጥዕናኣ ኣብ ምክትታልን ቍስላ ኣብ ምሕዋይን ትርከብ።

ይዅን እምበር ንሳን ብጾታን ብደሓን’ኳ እንተኣተዉ፡ ንገሊኦም መንእሰያት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ውሕጅን ጽምእን ጥሜትን ከምዝገደፉዎም፤ ገሊአን ስድራቤታት እውን ደሃይ ደቀን ስኢነን ኣብ ከቢድ ጭንቂ ከምዘለዋን፡ እቲ ጕዕዞ ንዅሉ ጾታ ኣዝዩ በዳሂ ምዃኑ ትሕብር።