ኣመሪካ ትነቕፎ ዘላ መገሻ ፑቲን ናብ ቬትናም

ፑቲን ኣብ ቬትናም ዘካይዶ ምብጻሕ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፑቲን ኣብ ቬትናም ዘካይዶ ምብጻሕ ጀሚሩ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሎሚ ናብ ርእሰ ከተማ ቬትናም ሃኖይ ኣትዩ።

ፑቲን፡ እዚ ኣብ ምብራቓዊ ኤስያ ዘካይዶ ዘሎ ካልኣይ ዑደት ኰይኑ፡ ሩስያ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዞባ እትረኽቦ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ንምጕላሕ ዝጥቀመሉ ዘሎ እዩ ብምባል ነቲ ዑደት ነቒፋ።

ቬትናም፡ ዋላ’ውን ምስ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ትሰርሕ እንተሃለወት፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ሩስያ ዘለዋ ታሪኻዊ ርክብ ዓቂባቶ’ያ።

ቬትናም ምስ ሩስያ ብርክት ዝበሉ ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑጸረ ጥቡቕ ዝምድና’ዩ ዘለዋ።

እዚ ድማ፡ ኣብ 1950ታት፡ ሕብረት ሶቭየት ንሓዳስ ዴሳዊት ሃገር ሰሜን ቬትናም ዝሃበቶ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ የጠቓልል።

ቬትናም ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ “ምትእምማንን ምስጋናን ዝመልኦ’ዩ” ክትብል ገሊጻቶ።

ቬትናም፡ ብ1978 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ንኣዝዩ ሕማቕ ስርዓት ካምቦዲያ ዝነበረ ኽመር ሩጅ ንምዕላው ንካምቦዲያ ምስ ወረረት ብቻይናን ሃገራት ምዕራብን እገዳ ተገይሩላን ተነጺላን እያ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሕብረት ሶቭየት ኣብ እትገብረላ ሓገዝ ጽግዕተኛ ክትኸውን ተገዲዳ።

ጸላዊ ጸሓፊ ዴሳዊ ስርዓት ንጉየን ፉ ትሮንግ ሓዊሱ ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ቬትናማውያን፡ ኣብ ሩስያ ተማሂሮምን ቋንቋ እታ ሃገር መሊዀምን’ዮም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቁጠባ ቬትናም ናብ ዓለማዊ ዕዳጋታት ዝተወሃሃደ ኰይኑ፡ ምስ ቻይና፣ ኤስያ፣ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝያዳ ንግዳዊ ምሕዝነት ኣለዋ። ሩስያ በዚ መዳይ ምስ ቬትናም ዘለዋ ርክብ ኣዝዩ ዝተሓተ’ዩ።

ቬትናም ግን ክሳብ ሕጂ ብቐንዱ ኣብ ሩስያ ዝተሰርሑ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ትጥቀም፤ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ድማ ምስ ኵባንያታት ነዳዲ ሩስያ ሽርክነት ትገብር።

ፕሬዝደንት ፑቲን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸሞ ወራር ቬትናም ምስ ሩስያ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ መዋጥር ክኣቱ እንከሎ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንተግባራት ሩስያ ዝዅንን ዝተፈላለየ ውሳኔታት ክወሃብ እንከሎ ድምጺ ካብ ምሃብ ክትቑጠብ ጸኒሓ ኣላ።

ምስ ዩክረይን ዝነበራ ጽቡቕ ዝምድና ብምዕቃብ ድማ፡ ገለ ሓገዝ ናብ ኪቭ ልኢኻ። ክልቲአን ሃገራት፡ ውርሻ ዘመነ ሶቭየት ዝካፈላ ኰይነን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቬትናማውያን ኣብ ዩክረይን ሰሪሖምን ተማሂሮምን እዮም።

እዚ ኵሉ ተደሚሩ፡ ቬትናም ንነዊሕ እዋን ዝሓዘቶ መትከላት ፖሊሲ ወጻኢ ምስ ኲሉ ጽቡቕ ምሕዝነት ክህሉ ምግባር፤ ግን ከኣ ንዅሉ ወግዓዊ ምሕዝነታት ምውጋድ ዝብል እዩ።

ነዚ፡ ዴሳዊ ሰልፊ እታ ሃገር ‘ኣርቃይ ዲፕሎማሲ’ ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ ኣብ ንሕንሕ ሓያላት ሃገራት ጸግዒ ዝዀነ ኣካል ክትወስድ ከይተገደድኻ ርክባትካ ምሕላው ዝብል መገዲ ይኽተል።

በዚ ምኽንያት’ዩ፡ ቬትናም ምስ ኣመሪካ ዝነበራ ርክባት ከተመሓይሽ ዝኽኣለት።

ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቬትናም ዘካይዶ ዘሎ ወግዓዊ ምብጻሕ፡ ንዕኡ ንምንጻል ዝግበሩ ዘለው ኣህጉራዊ ጻዕርታት ዘዳኽም’ዩ ብምባል ተቓዊማቶ ኣላ።

ይኹን’ምበር፡ ቬትናም ካብቲ ምስ ሩስያ ዘለዋ ፍሉይ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብዝሰገረ፡ ኣብ ባይታ ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ዘሎ ህዝባዊ ስምዒት ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ዝተፈለየ እዩ።

ፑቲን ንምዕራባውያን ዝጻረር ሓያል ሰብ ምዃኑ ዝገልጹ ገለ ናእዳታት ይስምዑ። ነቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዓለምለኻዊ ሕጊ ምኽባር ዝብሉዎ ጐስጓሳት ብጥርጣረ መልክዑ ዝርእይዎ ዝርርባት ማሕበራዊ መራኸቢታት’ውን ይስትውዓሉ።

እዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤስያ እውን ዝረአ ኰይኑ፡ ኲናት ዩክረይን ኣዝዩ ርሑቕ ቅልውላው ጌይረን ዝርእይኦ’ውን ኣለዋ።

ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣንጻር ሩስያ ዝነበረት ታሪኻዊት ወተሃደራዊ መሓዛ ኣመሪካ ኣብ ዝዀነት ሃገረ ታይላንድ፡ ርእይቶ ህዝቢ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቬትናም ዝርአ ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ’ዩ።

ታይላንዳውያን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ንግስነትን ቅድሚ ሰውራ ዝነበሩ ነገስታት ሩስያን ዝነበረ ምትእስሳር ኣዝዩ ልዑል ክብሪ ኣለዎም።

መንግስቲ ታይላንድ ድማ ሎሚ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ርክብ ክህልዎ ገይሩ’ዩ። ነቲ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሩስያውያን ኣብ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ዝገበርዎ ኣበርክቶ ድማ ልዑል ቦታ ይህቦ።

ቬትናም ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዘለዋ ምሕዝነት ክሳብ መዓስ ከም እትሕሉ ንጹር ኣይኰነን።

ድሮ ኣማራጺ ምንጪ ወተሃደራዊ ኣጽዋራት ትደሊ’ያ ዘላ። እንተዀነ ሕጂ ኣብ ሩስያ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ንምቁራጽ ዓመታት ክወስደላ’ዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ውሽጢ’ቲ ዴሳዊ ሰልፊ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ካብ ስልጣኖም ክለቁ ተራእዮም ኣለው።

እዚ ድማ፡ ኣብ መንጐ መራሕቲ ቀጻሊ ወለዶ ከምኡ’ውን እታ ሃገር ኣየናይ ኣንፈት ክትወስድ ምዃና ዝሕብር ጽዑቕ ውሽጣዊ ውጥጥ ከም ዘሎ ዘርኢ’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ይኹን’ምበር፡ ክሳብ ሕጂ ነቲ 'ፈተውቲ ኵሉ ጸላእቲ ማንም ክንከውን ኣለና' ዝብል ፖሊሲ ክንሓድጐ ኣለና ዝብል ዝንባለ ዘለዎ ዋላ ሓደ ኣይተራእየን።