'ክዕወት ኣይተጸበኹን ግን ተዓዊተ' - ስኒት ሚኪኤል

Miss Tourism World Eritrea

ምንጪ ስእሊ, ስኒት ሚካኤል

ስኒት ሚኪኤል ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ፣ ተዋሳኢት፣ ኣላዩት መድረኽን ሞዴልን እያ።

ኣብ ኤርትራ እንከላ፡ ኣብ ውድድር ቁንጅና ዝሳተፋ ደቀንስትዮ ቁመት ክህልወን ኣለዎ ዝብል ርድኢት ስለዝነበራ፣ ነቲ ዝነበራ ባህጊ ኣወንዚፋቶ እያ ኔራ። ነቲ መድረኽ ናይ ምምራሕን ምእላይን ዓቕማ ግን ብተዋስኦን ድራማን ኣቢላ ከተዕብዮ ብምሕላን ብመመህርን ደራስን ስዒድ ሳልሕ ኣብ ድርሰትን ድራማን ኣቶኵሩ ዝተዋህበ ትምህርቲ ተሳተፈት። እዚ ድማ ንድሌታ ዓቢ መንጠሪ ባይታ ስለዝዀና ኣብ ሓያሎ ሓጸርትን ነዋሕትን ፊልምታት ተዋሲኣ።

ኣብ ሓንቲ ንናብራ ሱዳን እተንጻባርቕ ‘ካብሄር’ እትብል ፊልም ከኣ ከም ቀንዲ ገጸ ባህሪ ኮይና ሰርሐት። ብዝተፈለለያ ቋንቋታት ንዝተደረፈ ደርፍታት ኣብ ዘንጸባርቕ ክሊፕ እውን ተዋስአት። ከምኢ ኢላ እንከላ ከኣ ኣብ ሱዳን ነቲ ናይ ሞዴሊንግ ባህግታታ ዘግህድ ኣጋጣሚ ተፈጥረ።

ናብ ሱዳን ተሰዲዳ ዘምርሐት ስኒት፡ ነቲ ናይ ሱዳን ጻንሖታ ምቁር ቃንዛ ክትብል እያ ትገልጾ። ኣብቲ ፈለማ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ስለዝነበራ ከቢዱዋ ነይሩ። ድሓር ግን ነቲ ጸገም ከከም ኣመጻጽእኡ ክገጥሞ ኣለኒ ብምባል ስራሕ ጀሚራ ። እዚ ድማ ዝተፈላለየ ዕድላት ከምዝኸፈተላን ነቲ ፈጺማ ዘይትኽእሎ ዝነበረት ቋንቋ ዓረብ ክትመልኽ ከም ዝኸኣለትን፣ ብዓቢኡ ድማ ሱዳን ምስቲ እትፈትዎ ሞያ ንክትጋጠም ድልድል ከም ዝዀነታን ትገልጽ፡፣

ድሕር'ዚ ንካናዳ ኣምሪሓ። ይኹን እንበር፡ ገና ኣብ ኣርባዕተ ወርሓ፡ ዓለምና ብሕማም ኮቪድ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ኣተወት። ስኒት ከኣ ገና ዓድን ኣነባብራን ሃገረ ካናዳ ከይፈለጠት ነቲ ብማንዛ ዝካየድ ዕድላት ክትፍትሽ ጀመረት። ብዛዕባ ሞደሊንግ ኣንፈት ስለዝረኸበት ከኣ ኣብ ካናዳ ነዊሕ ንዝተቐመጣ ኣዝማዳ፣ ‘ንስኽን ነዋሕትን ጽቡቓትን ኢኽን እሞ ስለምንታይ ዘይትወዳደራ?’ ክትብል ሓተተተን?

ስኒት ሚኪኤል

ምንጪ ስእሊ, ስኒት ሚኪኤል

ንሳተን ግን ስድራ ቤተን ከምዘይቅበልዎ ብምግላጽ ...'እዚ ንዓና ዝኸውን ኣይኮነን' ብምባል ነቲ ሓሳብ ኣዋደቖኦ። ስኒት ግን፡ ስለምንታይከ ነዚ ሓሳብ ዘይስዕሮ፣ ነተን 'ንዓና ዝኸውን ኣይኮነን ዝበላኒ አሕዋት፡ ክንገብሮ ከምንኽእል ከርእየን ኣለኒ' ብምባል ባዕላ ክትሳተፍ ወሰነት።

‘ካብ ሱዳን ኣትሒዘ ሚስ ዩኒቨርስን ሚስ ዎርልድን እከታተል ኔረ። ንክወዳደር ዘይኮንኩ ግን ደስ ስለዝብለኒ እየ። ኣብኡ ብዙሕ ግዜ ናይ ኢትዮጵያ ባንዴራ ክሪኢ እንከለኹ እዋእ ኤርትራውያን’ሲ ስለምንታይ ኢና ዘይንወዳደር? ኣሓተይ ኣበይ ኣለዋ ይብል ኔረ። ስለዚ ነቲ፡ ንዓና ኣይከውንን’ዩ ዝብል ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ንክብድህ እንበር ንክዕወት ኣይጀመርኩዎን’ ትብል።

ሞዴሊንግ ምስ ፓጀንት (ጽባቐ) ፍልልይ ኣለዎ። ፓጀንት ናትካ ዕላማን መንነትን ንምርኣይ ክኽውን እንከሎ ሞዴሊን ግን ኣብ ራንወይ ዝተሓጽረ ኮይኑ ናይቶም ዲዛይነራት ወይ ኣዳለውቱ ሓሳብ ንምንጽብራቕ ንምርኣይን ዝዳሎ’ዩ ክትብል ኣብ ክልቲኡ ዘሎ ፍልልይ ተብርህ። በዚ ድማ ዋላ’ኳ ኣዝያ ቆማት ኣይትኹን ሓንቲ ካብተን ብቑዓት ደቀንስትዮ ብምዃን ተሳቲፋስ ኣብ ዓወት በጺሓ።

ዕላማኡ ንሓይሊ ውሽጥኻ ዝፍትሽን ዓቕምኻ ዝምርምርን ብምንባሩ፣ ንሳውን ንምስታፍ እንበር ንምዕዋት ስለዘይሓለነት ከይተጨነቐት እያ ውድድራ ተካይድ ኔራ።

ከም ተዓዋቲት 'ሚስ ኣልበርታ ዎርልድ 2022 (Miss Alberata World 2022) ስማ ክሩቋሕ ምስ ጀመረ ድማ ኣብ መንጎ ሕልምን ጋህድን ዘሎ ነገር ኮይኑዋ ከምዝተዓንደት ተዘክሮኣ ተካፍል።

“ኩሉ ግዜ ሓደ ሕልምን ህንጡይነትን ምስ ዝህልወና፣ ንሕልምና ብዝኾነ ኣጋጣሚ ንኣትዎ ኢና። ግና ምስ ረኸብናዮ ንዕኡ ክንዕቅቦ ዘሎ መስርሕ ይብርትዕ። ድሕሪኡ ድማ ዓቲበ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ ኣሰልጣኒ ብሙቕጻር ክምሃርን ክዳሎን ጀሚረ። ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብቲ ቀጺለ ዝተወዳደርኩዎ ሚስ ዎርልድ ካናዳ 2022 (Miss world canada 2022) ሓሙሸይቲ ተርታ ሒዘ ወጺኤ” ትብል።

ሚስ ቱሪዝም ዎርልድ ካናዳ ኣልበርታ፡ ሚስ ቱሪዝም ካናዳ ቀዳመይቲ ጐያይት፡ ከምኡ እውን ሚስ ኤርኢትርያ ቱሪዝም ዎርልድ 2023 (Miss tourism world Canada Alberta 2023, Miss tourism Canada 1st runner up, and Miss Eritrea tourism world 2023) ገለ ካብቲ ዝተዓወተትሉ ውድድራት እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ንክትሳተፍን ምስ ፈረንሳዊ ትካል ክትወዓዓልን ዕድል ከፊቱላ።

ባህላዊ ኣልባሳት ሃገራ እናኣላለየት

ምንጪ ስእሊ, ስኒት ሚኪኤል

እቲ ' እዚ ንዓና ዝኸውን ኣይኮነን' ዝብል ኣተሓሳሳባ ንምስባር ዝብል ሃቐናኣ ንከተተግብር እውን ናብ ዝተፈላለየ ሓደስቲ ጸለምቲ ስደተኛታት ደቀንስትዮ ቋንቋ ዝመሃራሉ መኖናይት ሰንተር ብምኻድ ኣብ ሕልመን ተስፋ ክቖርጻ ከምዘይብለን፣ እቲ ንዓና ኣይከውንን’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ክድርተን ከምዘይብሉን ኣብ ምትብባዕን ክትነጥፍ ጀመረት። ሚሸል ዳይረክተርን ዋናን 'ሚስ ቱሪዝም ካናዳ' (Miss Tourism Canada) እውን ነቲ ተሳትፎ ኢርትራውያን ኣብቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ እትወስዶ ዘላ ንምድጋፍ ነተን ሰለስተ ዕዉታት ከካብ ዘለዋኦ ከተማ ናብ ቶሮንቶ ኣብ ዝመጽኣሉ ምሉእ ናይ ኣየር ቲኬት ወጻኢታተን ክትሽፍን እያ።

ሕልማ ሰሚሩ፡ ንኤርትራ ወኪላ ምውድዳራ እኳ እንተተሓጎሰት 'ብዓቕመይ ንካልኦት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ እዚ ባይታ ንምንጻፍ እንታይ ክገብር ኣለኒ' ብምባል፣ ምስ ኣብ ከተማ ኤድመንተን ዝርከቡ ማሕበር መንእሰያት ብምትሕብባር 'ወይዘሪት ኤርትራ ካናዳ' (Miss Eritrean Canada) ዝብል ውድድር ኣብ ኤድመንተን ንፈለማ ግዜ ከተካይድ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ ኣላ።

እዚ ድማ ነተን ብሕፍረትን ሕጽረት ቋንቋን ተደሪተን ንሕልመን ከግህዳ ዕድል ዘይረኸባ ኤርትራውያን ወይዘራዝር ዓቢ ኣፍደገ ዝኸፍት'ዩ። እቲ ምዝገባ ክሳብ ዕለት 1 መጋቢት 2024 ክፉት ኮይኑ ክጸንሕ እዩ።

ንኹለን ድሌት ዘለወን ደቀንስትዮ ድማ ኣብ Miss Eritrean Canada ንክምዝገባን ክወዳደራን ትጽውዕ።

ካብ ጸጋም 3ይቲ፡ስኒት ኣብ ውድድር Miss Tourism world

ምንጪ ስእሊ, ስኒት ሚኪኤል

“ከም ኤርትራውያን መጠን ሂወት ጽቡቕ ጌራ ምሂራትና ዝሓለፍና ሰባት ኢና። ተመኩሮና ድማ ነቲ ዝሕተት ሕቶታት ብቐሊሉ ክንምልሶ ይሕግዘና እዩ። ብዓቢኡ ድማ ሕጂ ብቋንቋአን ስለ ዝካየድ ጸቕጢ ኣይገብረለንን እዩ” ብምባል፡ እንድሕር ሓሊፈን ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃ ድማ ብሓገዝ ተርጎምቲ ክወዳደራ ከምዝኽእላ ትገልጽ። እዚ ድማ ነተን ኣኽቢደን ዝርእየኦ ክገብሮኦ ከም ዝኽእላ ዘእምንን ነቲ ማሕበረሰብ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ኣዎንታዊ ኣረኣእእያ ክህልዎ ዝሕግዝ ምዃኑ ትኣምን።

በቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲን ተቓወምቲን ዘሎ ኩነታት እቲ ማሕበረሰብ ከምቲ ዝድለ ሕብረት የብሉን እትብል ስኒት፣ ዛጊት ዝኾነ ይኹን ከምኡ ዓይነት ውድድር ተኻይዱ ከምዘይፈልጥ ብምጥቃስ ኣብቲ ንመጀመርያ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኩለን ምዝገባ ክሳብ ቀዳም ክፉት እዩ።

“ብዙሕ ሰብ ነቲ ዘሎኒ ማእከላይ ቁመት ርእዩ ንስኺ ብኸመይ ኢኺ ኣብ ሞዴሊንግ ትዕወቲ ወይ ትነጥፊ ይብለኒ’ዩ፤ ግን ቆማታት ኴንና መጋየጺ ክዳን ክንክደን ዘይኮነስ ንወለዶኻን ሕብረተሰብካን እንታይ ትሕግዝን ትጠቅምን እዩ እቲ ኣውራ ነገር። ኣነ ጽባቐ ዝብሎ፣ ንሰብ ተኽብር ዲኻ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለካ ኣረዳድኣ እንታይ ይመስል፣ ንገዛእ ርእስኻኸ ትቕበላ'ዶ ዝብል እዩ። ማንም ሰብ ውጺኢት እቲ ምስ ነብሱ ዝገብሮ ውድድር እዩ እየ ዝብል” ትብል።

ንኹለን ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ዝነጥፋ ደቀንስትዮ ድማ ተስፋ ከይቆረጻ ስነን ነኺሰን ክሰርሓን ንዝገጥመን ኣሉታዊ ነገር ናብ እወታ ብምቕያር ክቕጽላ ትላቦ።

ስኒት ኣብ መመረቕታኣ

ምንጪ ስእሊ, ስኒት ሚካኤል

ስኒት መን እያ?

ስኒት ሚካኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ኣብ ሰገነይቲ ዝዓበየት ኤርትራዊት መንእሰይ እያ።

ኣብ ቁልዕነታ ዘሕለፈቶ ጥዑም እዋናት ምስ ኵሉ ዝኽርታትታታ ክሳብ ሕጂ ብናፍቖት እያ እትዝክሮ። ኣብ ነበርቲ እታ ከተማ ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ፍቕርን ክቡር ማሕበራዊ ሂወት ነታ ከተማ ኣዝያ ከምእትፈትዋ ጌሩዋ።

መባእታ ኣብ ኣብ ቤት ትምርቲ ቅዱስ ሚካእል ሰገነይቲ፡ ማእከላይ ደረጃ ድማ ኣብ ደቀምሓረ ፈይዝ ምሽን ቤት ትምህርቲ ተኸታቲትላ። ኣብ መበል 28 ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምውራድ ብዓውዲ ስነ ሕሳብ ካብ ቤት ትምህርቲ ኮመርስ ደንደን ተመሪቓ ። ብድሕር’ዚ ንበይና ክትነብር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2017 ናብ ስደት ኣምሪሓ።

ተመሃሪት እንከላ ኣብ ገለ ግዜ ብብልጫ ኣብ ገለ እውን ሓንቲ ካብቶም ቀዳሞት ዓሰርተ ኮይና እያ ትዛዝሞ ኔራ። ጎኒ ጐድኑ ድማ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ትነጥፍ ነራ። ይኹን እንበር ወላዲታ ኣዝያ ትቃወማ ብምንባራ ቀሊል ኣይነበረን።

በዚ ድማ ኣቡኣ ኣብ ትምህርታ ፈጺማ ዘይትሰንፍ እንተ ኾይና ጥራይ ከምዘፍቅደላ ምስ ነገራ እቲ ትፈትዎ ኩዕሶ ከይትኽልከል ክትብል ንትምህርታ ይኹን ንናይ ገዛ ዕዮ እናካዋወነት ንኹሉ ተማልእ ኔራ። ከም ቃሉ ድማ ኣብቲ ክትገብሮ እትደሊ ስፖርታዊ ንጥፈት ሓንቲ ካብተን ካብ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርከባ ኣብ ቴክኒካል ኣብያተ-ትምህርቲ ተሓርያ ምስ ጋንታ ቲቨት ከም ኣጥቃዒት ትጻወት ኔራ። ብተወሳኺ እውን ኣብ 3000ሜ ትጎዪ ኔራ።

ኣብ ባህላዊ ውድድራትን ንጥፈታትን ድማ ከም ኣላዩት መድረኽ ብምዃን ትሰርሕ ምንባራ ትጠቅስ።

ኣብዚ ግዜዚ ከኣ ብዘይካ ኣብ ሞዴሊንግ ከም ተሓጋጋዚት ነርስ ቀዋሚ ስራሕ ኣለዋ።

ስኒት ሚኪኤል

ምንጪ ስእሊ, ስኒት ሚኪኤል