እስራኤል ዝቐተለቶም ጅሆ ብተረፍ ምግቢ ምሕጽንታ ጽሒፎም ነይሮም

ጅሆታት ብተረፍ ምግቢ ኣብ ክዳን ንሓገዝ ዝፀሓፍዎ ምሕፅንታ

ምንጪ ስእሊ, ISRAEL DEFENSE FORCES

ብሰራዊት እስራኤል ብጌጋ ዝተቐተሉ፡ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰለስተ እስራኤላውያን፡ ተረፍ ምግቢ ተጠቒሞም ምልክታት ብምፅሓፍ ሓገዝ ክረኽቡ ይምሕጸኑ ከም ዝነበሩ እስራኤል ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ እቶም ብዓርቢ ዝተቐተሉ ሰለስተ ሰባት፡ “ንዝተወሰነ ግዜ” ኣብ ጥቓ እቲ ዝተቐተልሉ ህንጻ ጸኒሖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ብሰንበት ኣብ መዕቈቢ ስደተኛታት ጃባልያ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ፡ ብውሑዱ 90 ሰባት ከም ዝቐተለት ሚኒስትር ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።

ቢቢሲ፡ ብዝሒ ግዳያት ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

እቶም መጥቃዕትታት ንመንበሪ ኣባይቲ ክልተ ስድራቤታት ዒላማ ከም ዝገበሩ እቲ ሚኒስትሪ ገሊጹ።

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ፡ ብሓማስን መላፍንቱ ፍልስጤማውያን ጕጅለታትን፡ ኣስታት 120 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ከም ዘለዉ ይእመን።

እስራኤል ተወሰኽቲ ጅሆ ሓራ ንምውጻእ ስምምዕ ክትገብር ድማ፡ ሓያል ጸቕጢ ይግበረላ ኣሎ።

ሰበስልጣን እስራኤል ነቶም ጻዕዳ ባንዴራ ሒዞም ዝነበሩ ሰለስተ እስራኤላውያን ዜጋታቱ፡ ንኣባላት ሰራዊት፡ ብጌጋ ከም “ሓደጋ” ስለ ዝተርኣዩ’ዮም ብምባል ከም ዝቐተልዎም ተኣሚኖም።

እቶም ግዳያት፡ ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱ ተጨውዮም ናብ ቓዛ ካብ ዝተወሰዱ እዮም። ሓማስ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 1200 ሰባት ከም ዝሞቱ ይንገር።

ነዚ ስዒቡ እስራኤል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ዝኸፈተት ኰይና፡ ንሓማስ ንምድምሳስ ከም ዝዀነ ድማ ትገልጽ።

ኲናት እስራኤል-ቓዛ ካብ ዝውላዕ ግን፡ ልዕሊ 18 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም፤ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም።

እቶም ብዓርቢ ብወተሃደራት እስራኤል ዝተቐተሉ እስራኤላውያን፡ ወዲ 28 ዓመት ዮታም ሃይም፡ ወዲ 22 ዓመት ሳሚል ታላልካን ወዲ 26 ዓመት ኣሎን ሻመሪዝን ይበሃሉ።

ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ሰራዊት እስራኤል፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ካብ ሓደ ህንጻ ማልያ ከይገበሩ ከም ዝወጽኡን፡ ካብኣቶም እቲ ሓደ ጻዕዳ ክዳን ዝሓዘ በትሪ ሒዙ ከም ዝነበረን ተዛሪቡ።

እቶም ኣወዳት ብዓሰርተታት ሜትሮ ርሕቀት ስለ ዝነበሩ፡ ካብ ወተሃደራት እስራኤል እቲ ሓደ ስለ ዝሰግአ፡ “ግብረ-ሽበራውያን” ኢሉ ብምስያም ተዅሲ ከም ዝኸፈተ እቲ በዓል ስልጣን ሓቢሩ። እቶም ክልተ ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ እንከለዉ፡ እቲ ዝተጐድአ ሳልሳዮም ግን ናብቲ ህንጻ ተመሊሱ።

ብሰራዊት እስራኤል ዝተቐተሉ፡ እስራኤላውያን ጅሆታት

ምንጪ ስእሊ, HOSTAGE AND MISSING FAMILIES FORUM

ብቛንቋ እብራይስጥ ኣውያት ምሕጽንታ ምስ ተሰምዐ፡ ኣዛዚ በጦሎኒ እቶም ወተሃደራት ተዅሲ ደው ከብሉ ከም ዝኣዘዘ፡ ድሒሩ ድማ እቲ ዝተጐድአ ሳልሳይ ጅሆ፡ መሊሱ ካብቲ ህንጻ ኣብ ዝተቐልቀለሉ ብዝተተኰሰ ጥይት ከም ዝተቐተለ እቲ በዓል ስልጣን ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።

እቶም ግዳያት ቅትለት ዝዀኑ ሰለስተ እስራኤላውያን፡ ብጨወይቶም ተለቒቘም ድዮም ነይሮም ወይስ ኣምሊጦም ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።

ብሰንበት ኣብቲ ህንጻ ተፍትሽ ዘካየደ ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብ ሓደ ጨርቂ “ኤስኦስ”፡ “ሓገዝ ንሰለስተ ጅሆታት” ዝብል ጽሑፍ ከም ዝረኸበ ወግዓዊ ገይሩ።

እቶም ጅሆ ንዝተወሰነ እዋን ኣብቲ ህንጻ ከም ዝጸንሑ’ዮም ሰብመዚ ዝኣምኑ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተነበረ ግዝያዊ ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዘብቅዕ ንነጀው፡ ስድራ ጅሆታት መንግስቲ እስራኤል ነቶም ዝተረፉ ሓራ ንምውጻእ ሓድሽ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብር ይሓቱ ኣለዉ።

ብመንጐኝነት ቐጠር ኣብ ዝተገበረ ፈላማይ ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል፡ ብሓማስ ተታሒዞም ዝነበሩ ልዕሊ 100 ጅሆታት ዝተፈትሑ ክዀኑ እንከለዉ፡ እስራኤል ድማ ካብቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝኣሰረቶም ፍልስጤማውያን ፈቲሓ እያ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ትፍጽሞ ብዘላ መጥቃዕቲ ቍጽሪ ዝሞቱ ሲቪላት ፍልስጤማውያን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ሰብመዚ እስራኤል ካብታ ቀንዲ መሻርኽቲ ዝዀነት ኣሜሪካ ከይተረፈ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ጸቕጢ ይወርዶም ኣሎ ኣሎ።