ርዋንዳን ብሪጣንያን ሓድሽ ውዕል ምስግጋር ሓተትቲ ዑቕባ ፈሪመን

ጄምስ ክለቨርሊን ቪንሰንት ቢሩታን፡ ኪጋሊ፡ 5 ታሕሳስ 2023
መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ እተፈረመ ውዕል ጸሓፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳን ክታሞም ኣንቢሮምሉ

ብሪጣንያን ርዋንዳን ነቲ ብውሳነ ቤትፍርዲ ዝተቛረጸ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ምስግጋር ውጥን ዝትክእ ሓድሽ ውዕል ፈሪመን።

እቲ ሎሚ 5 ታሕሳስ 2023 ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ እተፈረመ ውዕል ጸሓፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳን ክታሞም ኣንቢሮምሉ ኣለዉ።

ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ዝወጠኖ ፖሊሲ ብላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዝበርዓኖ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሓድሽ ስልቲ ብምጥቃም ነቲ ውጥን ከተግብሮ ምዃኑ ድሕሪ ዝኣተዎ ቃል'ዩ እቲ ሓድሽ ስምምዕ ተፈሪሙ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ቤትፍርዲ ነቲ ስደተኛታት ኣብ ርዋንዳ ኮይኖም ናይ ብሪጣንያ ሕቶ ዕቑባ ከቕርቡ ዝገብር ፈለማ ኣብ ሚያዝያ 2022 ዝወጸ ውጥን ዘይሕጋዊ ክብል ብምውሳን ንመደብ መንግስቲ ኣፍሺልዎ'ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ብሓይሊ ካብ ርዋንዳ ናብ ሃገሮም ክምለስሉ ዝኽእሉ ሓደጋ ኣለዎ ብምባል'ዩ ነቲ ውጥን ዘይሕጋዊ'ዩ ክብል ወሲኑ ነይሩ።

ኣብ ርዋንዳ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ላዕለዋይ ሚኒስተር ዝኾነ ጸሓፊ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ጄምስ ክለቨርሊ ግን መንግስቲ ርዋንዳ "ዕቱብ መሻርኽቲ" ምዃኑ ብምግላጽ "ቀልጢፍና ንቕድሚት ክንስጉም ተስፋ እገብር" ኢሉ።

እቲ ብሰሉስ ዝተፈረመ ውዕል፡ ርዋንዳ ፍትሒን ርትዕን ከተረጋግጽ ኣይትኽእልን'ያ ንዝብል ውሳነ እቲ ቤትፍርዲ ፍታሕ ንምርካብ ዝዓለመ'ዩ።

"ኣብዚ ውዕል እዚ ነቶም ብደያኑ ዝተላዕሉ ጉዳያት ፈቲሕናዮም ኣለና። ኣብ ውሸጣዊ ድንጋገና'ውን ክንጸባረቕ'ዩ" ክብል ክለቨርሊ ድሕሪ ናይ ፌርማ ስነስርዓት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ከምዝበሎ፡ እቲ ውዕል ሓተትቲ ዑቕባ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ውሕስነት ዝህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ንመሰላት ስደተኛታት ውሕስነት ንምሃብ ብሪጣንያውያን ጠበቓታት ምስ ኣብያተ-ፍርዲ ርዋን ክሰርሑ ምዃኖም እቲ ውጥን የመልክት።

ኣብ ብሪጣንያ ዓቢ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዝኾነ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር በቲ ውሳነ ተስፋ ከምዘይቆርጽ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክን ካልኦት ዝምልከቶም ሰብመዚን ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

እንተኾነ ግን፡ ሕጂ'ውን ስደተኛታትን ተሓለቕቲ መሰላቶምን ነቲ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ብምውሳድ ደው ክብልዎ ተበግሶታት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ብወገን ርዋንዳ ነቲ ውዕል ዝፈረመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቪንሰንት ቢሩታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን "ንስቓይ ናይቶም ብሓደገኛታትን ናይ ዓቕሊ ጽበትን መንገድታት ዝሓልፉ ስደተኛታት ከምዘብቅዕ ክንገብሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።

ነዚ ሓድሽ ውዕል ዝምልከት ተወሳኺ 15 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ክወሃብ ምዃኑ ጸብጻባት ዝነጸገ እቲ ብሪጣንያዊ ሚኒስተር፡ ርዋንዳ ተወሳኺ ገንዘብ ከምዘይጠለበትን፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ክህብ ከምዘይወሰነን ገሊጹ።

ብሪጣንያ ነቲ ውጥን ንምትግባር ኣቐዲማ 140 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ከምዝኸፈለታ ይፍለጥ።

ኣብ ሰነ 2022 ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ስደተኛታት ንምስግጋር ዝተፈተነ ፈላሚ በረራ ብውሳነ ቤትፍርዲ ከምዝተሰረዘ ይዝከር።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ወጻእተኛታት ኣብታ ሃገር ንምንካይ'ውን ሓደስቲ ቅጥዕታት ከውጽኡ ተገዲዶም ኣለዉ።

ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ

  • ብዘይስሩዕ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባን ናብ ርዋንዳ ተሰጋጊሮም ሕቶኦም ኣብኡ ዘቕርብሉ ኩነታት ዝፈጥር ውዕል'ዩ።
  • እቶም ናብ ርዋንዳ ዝሰጋገሩ ሓተትቲ ዑቕባ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ውሕስነት ክግበር'ዩ።
  • ናይ ይግባይ ዕድል ክህልዎም ንምግባር ሓደ ናይ ይግባይ ኣካል ክቐውም።
  • ተፈጻምነት ናይ ውዕል ዝከታተለ ናጻ ኮሚተ ከምዝሕይል ክግበር።
ሰላማዊ ሰልፊ ንውጥን ርዋንዳ ንምቅዋም፡ ለንደን

ምንጪ ስእሊ, PA MEDIA

ካልኦት ሓደስቲ ቅጥዕታት ኢሚግሬሽን

ብዘይካ'ቲ ናይ ሓተትቲ ዑቕባ፡ መንግስቲ ንሕጋውያን ዋሕዚ ወጻእተኛታት ንምግታእ'ውን ሓደስቲ ቅጥዕታት ከውጽእ ይግደድሎ ኣሎ።

  • ሓደ ካብቶም ሓደስቲ ቅጥዕታት ደሞዝ ናይቶም ናብታ ሃገር ብስራሕ ዝኣትዉ ክውስኽ ዝገብር'ዩ። እዚ ማለት፡ ብስራሕ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሰባት ደሞዞም ብውሕዱ 38,700 ፓውንድ ክኸውን ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 26,200 ፓውንድ ደሞዝ ክልዎም'ዩ እቲ ዘሎ ቅጥዒ ዝእዝዝ።
  • ናይ ስድራቤት ቪዛ (ፋሚሊ ቪዛ) ንምርካብ ዝሕተት ዝነበረ ኣታዊ'ውን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ካብ 18,600 ናብ 38,700 ክብ ክብል ተወሲኑ'ሎ።
  • ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ንኣገልግሎት ጥዕና (NHS) ዝኸፍልዎ ዝነበሩ 624 ፓውንድ'ውን ናብ £1,035 ክውስኽ'ዩ።
  • ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ንክሰርሑ ዝኣትዉ ወጻእተኛታት ገደብ ክግበረሎም'ዩ።
  • ቁጽሪ ምስቶም ሰራሕተኛታት ዝኣትዉ ኣባላት ስድራቤትን ተኣለይትን'ውን ደረት ክህልዎ እዩ።
  • እቲ እናኸረረ ዝኸይድ ዘሎ ፖሊሲ፡ ንቪዛታት ተመሃሮ'ውን ክጸልዎም ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ቀንዲ ካብቶም ተኣፈፍቲ ዓውድታት ስራሕ፡ እቲ ኣብ ወጻእተኛታት ዝምርኮስ ኣግልግሎት ጥዕናን ናብዮትን እታ ሃገር ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ 143,990 ቪዛታት ንሰብሞያ ጥዕና ተዋሂቡ። እዚ ድማ ዕጽፊ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ነይሩ።

ምስዚ ኩሉ'ውን፡ ንኣስራሕትን ሃገራዊ ትካል ጥዕና (NHS) እታ ሃገር፡ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ዓቢ ብድሆ ኮይንዎም ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸ ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ፖለቲከኛታትን ሰብመዚ መንግስቲን ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ብሪጣንያ ዝተረፉ ቁጽሪ ወጻእተኛታት 745,000 ምብጽሑ እቲ ጽብጻብ የመልክት። እዚ ነቶም ኣትዮም ዝወጹን፡ ካብታ ሃገር ጠቕሊሎም ዝወጹን ኣየጠቓልልን'ዩ።

ጉዳይ ስደተኛታትን ኢሚግሬሽንን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሓፈሻዊ ምርጫ ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎ ይግመት።

ኣብ 2019 ብዓቃባዊ መንግስቲ ዝተኻየደ ህዝበ-ውሳነ (ረፈረንደም) ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ (ፕረክዚት) ብቐንዱ ንዋሕዚ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ንምዕጋት ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ብመሰረት ውጽኢት እቲ ረፈረንደም ብሪጣንያ ኣብ 2022 ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ጠቕሊላ ድሕሪ ምውጽኣ ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታትን መጻእተኛታትን ወሲኹ'ዩ።

ዝጠፍአን ዘይተወድአን ሕቶ ዕቑባ

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ከምዝብሎ፡ ካብቶም ቅድመ ሰነ 2022 ዝቐረቡ ሕቶታት ዑቕባ 39,668 ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣይረኸቡን።

ብተወሳኺ ሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ፡ ልዕሊ 17 ሽሕ ሓተትቲ ዑቕባ ኩነታቶም ከምዘይፍለጥ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ 17,316 ሓተትቲ ዑቕባ ጉዳዮም ንምውሳን ዝተገብረሎም መጸዋዕታ መልሲ ብዘይምሃቦም ሕቶታቶም ተቛሪጹ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ቁጽሪ ስደተኛታት ክውስኽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ ዓመት፡ ክሳብ 2 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ እዋን 28,972 ሰባት ንመትረብ እንግሊዝ ብጃላቡ ምስጋር ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን 45,755 ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናብታ ሃገር ኣትዮም።

ካብ ኣየኖት ሃገራት'ዮም ዝበዝሑ ዝኣትዉ?

ክሳብ ሰነ 2023 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት 1,180,000 ብውሕዱ ሓደ ዓመት ክጸንሑ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተውን፡ ካብኦም 508,000 ከምዝወጹን ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ይሕብር።

እዚ ማለት እቶም ዝተረፉ 672,000 ሰባት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ወሲኖም። እንተኾነ ግን፡ እዚ ቁጽሪ ኣስታት 745,000 ከምዝበጽሕ ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ 968,000 ካብቶም ኣብቲ እዋን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፡ ካብ ኣባላ ሕብረት ኣውሮጳ ዘይኮና ሃገራት ዝመጹ'ዮም።

ኣስታት 39 ሚእታዊት ንትምህርቲ ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ፡ 33 ንስራሕ ዝኣተዉ እዮም።

ንሰብኣዊ ምኽንያታት (ስደተኛታት ዝርከብዎም) ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ግን 9 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።

ብዝመጽሉ ሃገራት ክርአ እንከሎ ድማ፡

  • ህንዲ፡ 253,000
  • ናይጀርያ፡ 141,000
  • ቻይና፡ 89,000
  • ፓኪስታን፡ 55,000
  • ዩክረይን፡ 35,000