ቻይና፡ ንታይዋን ‘ንምቕጻዕ’ ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ብደብዳብ ዝተሰነየ ልምምድ ጀሚራ

ልምምድ ታይዋን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ታይዋን ኰይኑ ዝተመረጸ ዊልያም ላይ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ በዚ ዘይተሓጐሰትን ንታይዋን ኣካል ግዝኣተይ’ያ ኢላ ትሓስብን ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ብደብዳባት ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ልምምድ ከተካይድ ከምዝጀመረት ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ቻይና ሊ ዢ እቲ ብደብዳብ ዝተሰነየ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ንታይዋን “ከቢድ መቕጻዕቲ” ከምዝዀነ’ዩ ገሊጹ።

እቲ ሎሚ ወጋሕታ ዝጀመረ ደብዳብ ኣብ ቀንዲ ታይዋንን ኣብተን ብምዕራብ ከቢበናኣ ዝርከባ ደሴታት ኪንመን፡ ማጹ፡ ዋቅዩን ዳንግይን ይካየድ ከምዘሎ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ታይዋን ነቲ ብቻይና ዝፍጸም ዘሎ ደብዳብ ብምዅናን “ምኽንያት ዘይብሉ ተዅታዂ ስጕምቲ” ብምባል ገሊጽዎ።

ታይዋን ነብሳ ንምክልኻል ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣየርን ኣጋርን ኣንቀሳቒሳ ከምዘላ’ውን ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ሓቢሩ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ቻይና፡ ልምምዳቱ ኣብ ሓባራዊ ድልውነት ውግእ ኣየርን ባሕሪን፡ ኣብ ወሰንቲ ዕላማታት መጥቃዕቲ ናይ ምፍጻም ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጥን ወጻእን እታ ደሴት "ሓባራዊ ሓቀኛ ናይ ውግእ ዓቕሚ" ሓይልታቱ ንምፍታን ዝተዋደደ ስርሒታት ዘተኮረ ምዃኑ ገሊጹ።

"እዚ ንታይዋን እውን ሓያል መቕጻዕቲ'ዩ፡ ከምኡ'ውን ነቶም ምትእትታው ዝገብሩ ግዳማውያን ሓይልታት’ውን ተሪር መጠንቀቕታ'ዩ" ኢሉ።

ቻይና ንታይዋን ኣካል ግዝኣተይ’ያ ትብላ፤ ታይዋን ግን ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር’ያ ትገልጽ።

ቻይና ነቲ ፕረዚደንት ታይዋን ኰይኑ ዝተመረጸ ዊልያም ላይ በቲ ታይዋን ነጻ ክትከውን ከርእዮ ዝጸንሐ ደገፍ “ፈላላይን ጸዋዒ ጸገምን” ኢላ’ያ ትገልጾ።

ቻይና ነቲ ኣብ ከባቢ ታይዋን ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ‘ንመቅጻዕቲ’ ዝዓለም ከምዝኾነ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቻይና ነቲ ኣብ ከባቢ ታይዋን ተካይዶ ዘላ ደብዳብ ‘ንመቕጻዕቲ’ ዝዓለም ከምዝዀነ ገሊጻ

ዊልያም ላይ ብሰኑይ ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ቻይና “ንታይዋን ምፍርራሕ ደው ከተብል” ምጽውዑ ይዝከር።

ቻይና ድሕሪ መደረ ዊልያም ላይ ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያታ ዋንግ ዪ ኣቢላ ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ ንዊልያም ላይ “ሕሱር ሕፍረት ዘይብሉ” ኢላ ገሊጻቶ ነይራ።

ዊልያም ላይ ኣብ ጥሪ ፕረዚደንት ታይዋን ኰይኑ ምስ ተመረጸ ቻይና “ታይዋን ኣካል ቻይና’ያ” ብምባል ካብ ዊልያም ዝቐርብ ዝነበረ ንዝተ ዝዕድም ሕቶታት ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ’ያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን ብነፈርትን መራኽብን ዝተደገፈ ወተሃደራዊ ልምምድ ብተደጋጋሚ ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።

ታይዋን’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ቻይና ኣብ ከባቢ ታይዋን እናወሰኸ ከምዝኸደ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

ቻይና ክሳብ ሕጂ ናብቲ ተኣፋፊ ዝበሃል ቦታ ከምዘይሰገረት’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ተንተንቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቻይና ትኽተሎ ዘላ ሜላ ንሓደ ተጻባኢ ንነዊሕ እዋን ንምድኻም ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ - ንታይዋን ንምድኻም ትፍትን ከምዘላ ኣብሪሆም።

ታይዋን እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ልምምድ "ንወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ [በይጂን] ዘጕልሕ’ዩ" ኢላ።

ታይዋን ኣብ መግለጺኣ "ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚራ ብቐጻሊ ብነፈርትን መራኽብን ትፍጽሞ ዘላ ምግፋዕ፡ ንሰላምን ምርግጋእን ዓለም ብዓቢኡ ሃሲዩ'ሎ፡" ኢላ።

“እዚ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ንሰላምን ምርግጋእን ኣበርክቶ ክገብር ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኰነስ ንኣተሓሳስባ ዕጡቕ ወተሃደራዊ ሰራዊት ቻይና ዘጕልሕ እዩ” ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ታይዋን ገሊጹ።