ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ብዛዕባ ዝተቐትሉ 7 ጓሶት ምምሕዳር እንታይ ይብል?

ከብቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ሸውዓተ ጓሶት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ ነይሩ።

እቶም ግዳያት፡ ጣብያ ሓወልቲ ከባቢ ግራ ዋስተ ፍሉይ ሽማ 'ዒላ ቡበ' ኣብ ዝተባህለ ሕዛእቲ ኣብ ሓለዋ ጥሪት እንከለው፡ “ብወገን ክልል ዓፋር ዝመጽኡ ሰባት” ከም ዝተቐትሉ እውን ይሕብር።

እቲ ምምሕዳር ዝርዝር መንነት ቀተልቲ ይዅን ግዳያት'ኳ እንተዘይሃበ፡ መንነት እቶም ቀተልቲ ንምፍላጥ ይከታተሎ ከምዘሎ እዩ ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣቶ ሃፍቱ ኪሮስ ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት ዕድመኦም ካብ 11 ክሳብ 18 ዓመት ከም ዝግመት ብምግላጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ጥሪት ኣብ ምጕሳይ ተዋፊሮም ዝነበሩ ምዃኖም ኣብሪሁ።

ኣብ መንጐ ክልላት ዓፋርን ትግራይን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጐንጺታት ከጋጥሙ'ኳ እንተጸንሑ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከምዚ ዓይነት ቅትለት ክፍጸም ግን “ኣዝዩ ዘሕዝን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

እቶም ግዳያት፡ “ብ12 ግንቦት ኣብ ዝደቀስሉ ለይቲ ብጥይት’ዮም ተቐቲሎም። እዚ ዘሕዝን’ዩ፤ ነቲ ንቡር ማሕበራዊ ናብራ ክልቲኡ ህዝቢታት ድማ ዝጐድእ’ዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ መንጐና ህጻናት ዝጭፍጨፍሉ ባህሊ ኣይነበረናን፤ ጐንጺ እንተኣጋጠመ’ውን በዚ መገዲ ሕነ ኣይፍደን፤ እዚ ሓደገኛ እዩ” ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ መንነቶም ብንጹር ብዘይተገልጸ ካብ ክልል ዓፋር ብዝመጽኡ ሰባት’ዩ ተፈጺሙ’ኳ እንተተባህለ፡ ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ዓፋር ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዓፋር ይዘራረብ ከም ዘሎ ዝጠቐሰ ኣቶ ሃፍቱ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣብ ልዕሊ ሓበራዊ ናብራ ክልቲኡ ህዝቢታት ዘሕድሮ ጽልዋ ልዑል ብምዃኑ ክዅነን ይግባእ ክብል ተዛሪቡ።

“ከም መንግስቲ ስቕ ኢልና እንርእዮ ኣይኰነን፤ ብሕጊ ክትሓዙ ክንገብር ኢና። መንግስቲ ዓፋርን ፈደራልን’ውን ዜጋታት ስለ ዝተጨፍጨፉ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ዝቐርብሉ ስራሕቲ ክሰርሑ ኣለዎም” ኢሉ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቶም ገበነኛታት ንምሓዝ ንክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ፈደራል ፖሊስን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ዝፈለለዩ ከባቢታት ክንዮ እቲ ዘሎ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላው ክትራንን ዘረፋን ከምኡ’ውን ሓያል ስግኣት ጸጥታን ድሕነትን ሰፊኑ ከም ዘሎ ነበርቲ ይሕበሩ።

እዚ ብዝተወደበ መልክዑ ዝርኣ’ውን፡ ዕጥቂ ብዝሓዙ ውልቀሰባት ዝፍጸም ክትራን ቅትለትን እናተለመደ ምምጽኡ ብምሕባር፡ መዓልታዊ ድሕነት ውልቀሰባት ሓደጋታት ዘንጸላለዎ እናዀነ ምምጽኡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም ነይሮም።

መሬት ራያ-ዓዘቦ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ትግራይ ዝርከብ ኰይኑ ምስ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝዋሰን ከባቢ’ዩ።