ባርዕ ግረንፈል፡ ‘ሸፈጥን’ ተደጋጋሚ ፍሽለት መንግስታትን ዘስዓብዎ ሓደጋ

ንግዳያት ዝተቐመጡ እምበባታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሓደጋታት፡ እቲ ኣብ ሰነ 2017 ኣብ ምዕራብ ለንደን ዘጋጠመን ንግረንፈል ታወር ዘዕነወን ባርዕ እዩ።

እቲ ሓደጋ 72 ህይወት ዝቐዘፈ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን እቶም ዝያዳ ዝተጐድኡ ማሕበረሰባት ከምዝነበሩ ይዝከር። ካብ ክልቲኡ ሕብረተሰብ ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ዝርከቡዎም 12 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዙሕ ከዘራርብን ምጽራይ ክግበረሉን ጸኒሑ እዩ።

ረቡዕ 4 መስከረም 2024 ድማ ብዛዕባ እቲ 72 ሰባት ዝቐተለ ባርዕ ግረንፈል ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝሓዘ ጸብጻብ ወጺኡ።

ብመሰረት’ቲ፡ "ሸፈጥቲ" ኩባንያታት፡ ፍሽለት ተኸታተልቲ መንግስታትን ከምኡ’ውን ጉድለት ቅኑዕ ስትራተጂ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊን ምኽንያት እቲ ሓደጋ እዩ።

እቲ ጸብጻብ፡ ሓደ ኣፍራዪ ክላዲን ዝተባህለ ደጋዊ መደረብታ ኣቕሓ ንሓደጋታት ባርዕ "ኮነ ኢሉ ከምዝሓብኦ" ይገልጽ። መንግስታት ጥምረትን ዓቃባውያንን ድማ ነቲ ስክፍታታት "ሸለል ኢሎም፡ ኣደናጒዮም ወይ ንጐድኒ ኣጸጊዖምዎ" ይብል፣

ኵሉ ዘጋጠመ ሞት ድማ ክውገድ ይኽእል ከምዝነበረ ይድምድም።

ንምዃኑ እቲ ህንጻ እንታይ ዓይነት እዩ ነይሩ? ስለምንታይ’ከ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ? ኣብ ከይዲ ዝተረኣዩ ሸለልትነት እንታይ እዮም ነይሮም?

ግረንፈል ታወር እንታይ ይመስል?

ግረንፈል ታወር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግረንፈል ታወር

ግረንፈል ታወር ኣካል ናይቲ ላንካስተር ዌስት ኢስቴት ዝበሃል ዳርጋ 1000 ኣባይቲ ዝሓቘፈ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ነይሩ።

እቲ ህንጻ ኣብ 1070ታት ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግን ተሓዲሱ ነይሩ።

እቲ 8.6 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ወጻኢ ምሕዳስ፡ ብራይደን ኮንስትራክሽን ኣብ ግንቦት 2016 ተዛዚሙ።

እዚ ድማ ክላዲን ዝተባህለ ደጋዊ ኣቕሓ፡ መተካእታ መስኮትን ሓባራዊ ስርዓተ ምውዓይን የጠቓልል።

እተን ታሕተዎት ኣርባዕተ ደርብታት ዳግመ ምህናጽ ተገይሩለን፣ ሸውዓተ ተወሳኺ ኣባይቲ ብምህናጽ ሓባራዊ ምምሕያሽ መሳለጥያታት ተገይሩለን።

ብሓፈሻ እቲ ህንጻ 23 መንበሪ ደርብታትን 129 ኣፓርታማን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኬንሲንግተንን ቸልሲን ትካል ምሕደራ ተኻረይቲ (KCTMO) ብስም ቤት ምኽሪ እታ ከተማ የመሓድሮ ነይሩ።

እንታይ ኣጋጢሙ?

ብ14 ሰነ 2017 ቅድሚ ሰዓት 01፡00 ኣብ ክሽነ ናይ ሓደ ኣብ ራብዓይ ደርቢ ዝርከብ ኣፓርታማ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ።

ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እቲ ባርዕ ብቕልጡፍ ናብ ደጋዊ ሸነኽ ናይቲ ህንጻ ደይቡ፣ ድሕሪኡ ናብ ኣርባዕቲኡ ሸነኽ ተዘርጊሑ።

ክሳብ ሰዓት 03፡00 መብዛሕትኡ ክፋል ናይቶም ላዕለዎት ደርብታት ይቃጸል ነይሩ።

ኣብታ ለይቲ እቲኣ ህይወት ሰብዓን ክልተን ሰባት ተቐዚፉ።

እቲ ጸብጻብ እንታይ ይብል?

እቲ ሓድሽ ዝወጸ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ናይቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ዝቐጸለ መርመራ ውጽኢት ዝደምደመ እዩ።

እቲ 72 ሰባት ዝቐተለ ባርዕ ግረንፈል ታወር፡ ውጽኢት ሰንሰለታዊ ውድቀት መንግስታት፡ "ሸፈጥ" ኩባንያታትን ጉድለት ቅኑዕ ስትራተጂ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ምዃኑ ድማ ይድምድም።

እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ግረንፈል ካብ መጀመርታ 1990ታት ጀሚሩ ዝተዘርገሐ "መንገዲ ሓደጋ" የቐምጥ። ድሕነት ባርዕ ሓዊ ኣብ ላዕለዎት ህንጻታት ብኸመይ ከምዝተመሓደረን’ውን የመልክት።

መንግስታት ጥምረትን ዓቃባውያንን ብዛዕባ ድሕነት ኣሰራርሓታት ኢንዱስትሪ ንዝነበረ ስክፍታታት "ሸለል ኢሎም፡ ኣደናጒዮም ወይ ንጐድኒ ገዲፎም"" ክብል እቲ መርመራ ይጠቅስ።

"ስርዓታዊ ሸፈጥ" ኣፍረይቲ እውን የጕልሕ።

ግረንፈል ታወር ድሕሪ እቲ ባርዕ
መግለጺ ስእሊ, ግረንፈል ታወር ድሕሪ እቲ ባርዕ

እቲ 1700 ገጻት ዘጠቓልል ጸብጻብ፡ ሓደ ኣፍራዪ እውን ክላዲን ዝተባህለ ደጋዊ ኣቕሓ ዝፈጠሮ ስክፍታ ሓደጋ ባርዕ “ኮነ ኢሉ ከም ዝሓብኦ” የረጋግጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ ለበዋታት እውን ዘቕረበ ኰይኑ፡ ካብዚኦም ምትእትታው ሓደ ተቘጻጻሪ ህንጻ፡ ስልጠና መጥፋእቲ ሓዊ ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ኮለጅ መጥፋእቲ ሓዊን ህይወት ኣድሕንን ከምኡ’ውን ኣብ ኣገባብ ፈተነ ውሕስነት ባርዕ ሓዊ ለውጢ ምግባርን ዝብሉ ይርከብዎም።

እቲ ጸብጻብ ዝተሓተመ፡ እቲ ባርዕ ካብ ዘጋጥም ልዕሊ 7 ዓመት ጸኒሑ እዩ።

ብመሰረት’ቲ መርመራ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ራብዓይ ደርቢ ጀሚሩ ብመንገዲ ክላዲን ኣቢሉ ናብ ጐድኒ እቲ ህንጻ ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ብዙሓት ነበርቲ ላዕለዎት ደርብታት ተዓጽዮም ነይሮም። እቲ ሃልሃልታ ናብኣቶም ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ድማ ኵሎም ግዳያት ብሰንኪ ሕጽረት ኦክስጅን ብቐንዱ ድማ ካርቦን ሞኖኦክሳይድ ብምትንፋስን ሞይቶም ወይ ሕልናኦም ስኢኖም ከምዝነበሩ ርኽበት’ቲ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ክላዲን ካብ ፖሊኢቲሊን ዝተበሃለ ኣዝዩ ተቓጻጻሊ ነገር ዝተሰርሐ ኰይኑ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ምሕዳስ እዩ ናብ ጐድኒ ግረንፈል ታወር ተወሲኹ።

ዳርጋ ኣብ ኵሎም ኣብቲ ምሕዳስ ዝተሳተፉ ኩባንያታት ጌጋን ጉድለት ብቕዓት ከምዝነበረ እቲ መርመራ የመልክት።

ካብቶም ቀንዲ ውጽኢታት እቲ ጸብጻብ

  • ኣብ ኣፍረይቲ ክላዲን (መደረብታ) ከምኡ’ውን ኢንሱሌሽንን (ምሽፋን) ዝነበረ "ስርዓታዊ ሸፈጥ"፡
  • ኣብቲ መርመራ ዝተሳተፉ ክኢላታት ከምዝበልዎ፡ ነቲ ባርዕ "ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ" ሬይኖቦንድ 55 ክላዲን ዘፍሪ ኣመሪካዊ ትካል ኣርኮኒክ፡ ፍርያቱ ምጥቃም ዘስዕቦ ሓደጋ ሓቀኛ መጠን ብዝምልከት ምሕባኡ፡
  • ኣፍረይቲ ብዛዕባ ድሕነትን ምቹእነትን መከላኸሊ ናይቲ ኣብ ግረንፈል ዝተኸለ ኩባንያ "ሓሶትን ዘደናግርን ሓበሬታ" ምሃቦም፡
  • ኣብ ስልጠና ብርጌድ መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን ዘጋጠመ ፍሽለትን ነበርቲ ካብቲ ህንጻ ንኽወጹ ዝሕግዝ ቅኑዕ ስትራተጂ ዘይምንባሩ፡
  • ተኸታተልቲ መንግስታት ስጉምቲ ዘይምውሳዶም፡
  • ቤት ምኽሪ እቲ ከባቢን ትካል ምሕደራ ተኻረይትን ዘርኣይዎ "ኣብ ድሕንነት ባርዕ ሓዊ ብፍላይ ድማ ድሕነት ተቓላዕቲ ሰባት ቀጻሊ ዘይተገዳስነት"፡
  • ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ድሕነት ህንጻ ዝመሓደረሉ ኣገባብ “ኸቢድ ጉድለት” ስለዝነበሮ ዝብሉ ይርከብዎም

ኣቦ መንበር እቲ መርመራ ሰር ማርቲን ሙር-ቢክ፡ እቲ ጸብጻብ ምስ ተሓተመ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣስማት ናይቶም ኣብ ግረንፈል ዝሞቱ 72 ሰባት ኣንቢቡ።

ፖሊስን ኣኽበርቲ ሕጊን፡ መርመርቲ መርመራኦም ንምዝዛም ክሳብ መወዳእታ 2025 ከምዘድልዮምን፡ ኣብ መወዳእታ 2026 ኣብ ክቐርቡ ዝኽእሉ ገበናዊ ክስታት ናይ መወዳእታ ውሳነታት ክወሃቡ ምዃኖምን እውን ገሊጾም ኣለዉ።

'ስነ-ምግባር ዝጐደሎም' ኣፍረይቲ

እቲ መርመራ፡ ተራ ናይቶም ኣብ ምሕዳስ ግረንፈል ታወር ዝጥቀሙሉ ክላዲንን ኢንሱሌሽንን ዝሰርሑ ሰለስተ ኩባንያታት መርሚሩ፡ "ብወገን እቶም ክላዲንን ኢንሱሌሽንን ዝሰርሑን ዝሸጡን ስርዓታዊ ሸፈጥ ነይሩ" ክብል ደምዲሙ።

"መስርሕ ፈተነ ንምትላል፡ መረድኢታት ንምግጋይን ዕዳጋ ንምድንጋርን ኮነ ኢልካን ቀጻልን ስትራተጂታት" ከምዝፈጸሙ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣርኮኒክ፡ ካብ ሓጺንን ፕላስቲክ ዝተሰርሐ ክላዲን እዩ ዘፍሪ። እዚ ብቅርጺ ሳንዱቕ ክዕጸፍ ከሎ “ኣዝዩ ሓደገኛ” ምንባሩ እቲ መርመራ ደምዲሙ።

እቲ ክላዲን ኣብ ባርዕ ግረንፈል "ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ" ምንባሩ ክልተ ክኢላታት ዘውጽእዎ ሓድሽ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣርኮኒክ ናይ ሓዊ ፈተነታት ኣዚዙ፤ እዚ ድማ እቲ ክላዲን ኣዝዩ ድኹም ደረጃታት ዘርኣየ ነይሩ። እዚኦም ውጽኢታት ግን ካብቲ ቢቢኤ ዝተበሃለ ብዛዕባ ሓደጋታት ድሕነት እዋናዊ ሓበሬታ ንምሃብ ዝፈተነ ሰርቲፊኬት ዝህብ ብሕታዊ ትካል ብሪጣንያ ከም ዝሕብኡ ተገይሮም።

እዚ ድማ “ቢቢኤ ኣርኮኒክ ‘ሓሶትን ምድንጋርን’ ምዃኑ ዝፈልጦም መግለጺታት ክህብ ምኽንያት ኰይንዎ” ይብል እቲ ጸብጻብ።

ካብቶም ነዚ ጌጋ ዝተቓልዑ ዓማዊል ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ኣብ ግረንፈል ታወር ክላዲን ዝገጠመ ኩባንያ ሃርሊ ፋሰድስ እዩ።

እቲ መርመራ ኣብ ኩባንያታት ሴሎቴክስን ኪንግስፓንን እውን ጌጋ ረኺቡ፤ ክልቲኦም ኩባንያታት ኢንሱሌሽን ዝተኸሉ ኰይኖም እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ስርዓት ክላዲን እዩ ነይሩ።

ሴሎቴክስ "ናይ ሓሶትን መደናገሪን መግለጺታት" ኣቕሪቡ፤ ዋላ'ኳ "ከምኡ ከምዘይኰነ ይፈልጥ እንተነበረ" ፍርያቱ ንግረንፈል ውሑስን ዝምችእን እዩ ክብል ንሃርሊ ፋሰድስ ኣረኪቡ።

ኣብ እዋን ፈተነ ዘይቃጸል ማግነዝየም ኦክሳይድ ቦርድ ተጠቒሙ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መግለጺታት ዕዳጋኡ ግን ነዚ ኣየቃልዐን።

ንነዋሕቲ ህንጻታት ፍርያቱ ብምሻጥ ኣብ ኢንዱስትሪ ኢንስታሌሽን ብጽሒት ዕዳጋ ኣብ ምርካብ መሪሑ ዝነበረ ኪንግስፓን፡ ኣብ ንእሽቶ ክፋል ግረንፈል ታወር ዝተጠቐመሉ ፍርያቱ ድሩትነት ብዘይምግላጽ “ዕዳጋ ኣጋጊዩዎ” ይብል።

ምሕዳስ ግረንፈል ታወር ዝቈጻጸር ዝነበረ ድማ ንሮያል ቦሮ ኦፍ ኬንሲንግተንን ቸልሲን (RBKC) መንበሪ ኣባይቲ ዘመሓድር ትካል ምሕደራ ተኻረይቲ እዩ።

ኣብ መንጐ ትካል ምሕደራ ተኻረይቲን ናይ ገዛእ ርእሱ ነበርትን ዝነበረ ርክብ “ዘይምትእምማን፡ ጽልኢ፡ ውልቃዊ ተጻብኦን ቍጥዐን” ዝመልኦን እዩ ነይሩ። እቲ ዝምድና ክበላሾ ምፍቃድ "መሰረታዊ ሓላፍነቱ ኣብ ምኽባር ከቢድ ፍሽለት" ከምዝነበረ ዘመልክት ይብል’ቲ መርመራ።

ትካል ምሕደራ ተኻረይቲን ሮያል ቦሮ ኦፍ ኬንሲንግተንን ቸልሲን "ኣብ ድሕነት ባርዕ ሓዊ ብፍላይ ድማ ኣብ ድሕነት ተቓላዕቲ ሰባት ቀጻሊ ዘይምግዳስ" ከምዘርኣዩ ድማ የረጋግጽ።

እቲ መርመራ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2011 ኣብ ግረንፈል መሳዅቲ ሓዊ ንምትካእ ዝተገብረ ፕሮጀክት፡ ትእዛዝ ኣብ ዝተወሃበሉ እዋን ቅኑዕ ደረጃ ዘማልኡ ኣይነበሩን፤ እዚ ድማ ትካል ምሕደራ ተኻረይቲ ነቲ ህንጻ ቅኑዕ ደረጃ ዘማልኡ ማዕጾታት ኣብ ምርግጋጽ ስለዝፈሸለ’ዩ።

ማዕጾታት ሓዊ ንሰላሳ ደቓይቕ ሃልሃልታን ትኪን ክጻወሩ ዝተዳለዉ ኰይኖም፡ ነበርቲ ናይ ምድሓን ዕድሎም ኣብ ምምሕያሽ ይሕግዙ።

ተራ ናይቶም ኣርኪተክተራት ስቱድዮ ኢ፡ ኣካያዲ ፕሮጀክት ራይደንን ኮንትራክተር ክላዲን ሃርሊ ፋሰድስን ኣብቲ ጸብጻብ መብዛሕትኡ ግዜ ብቕዓት ከምዘይብሎም እዮም ተገሊጾም።

ስቱድዮ ኢ፡ እቲ ክላዲንን ኢንሱሌሽንን ተቓጻጻሊ ምዃኑ ከለልዮ ኣይከኣለን፡ እዚ ድማ “ኣዝዩ ርኡይ ደረጃ ሓላፍነት ናይቲ ሓደጋ ይወስድ” ይብል መግለጺ’ቲ መርመራ።

ሃርሊ ፋሰድስ “ዓቢ ሓላፍነት ይስከም። ኣብ ዝዀነ ደረጃ ንድሕነት ባርዕ ሓዊ ዝምልከት ተገዳስነት ኣይነበሮን” ክብል ይውስኽ።

ራይዶን’ውን፡ ከም ኣካያዲ ፕሮጀክት “ብዙሕ ሓላፍነት” ይስከም።

ግን “እቶም ዲዛይናት ምስ ሕጋዊ ረቛሒታት ዝሰማምዑ ምዃኖም ንምርግጋጽ መን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ብንጹር ዘይምርግጋጽ ነይሩ።” እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ውጽኢቱ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኰይኑ።

ፍሽለት መንግስታት

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ "መንግስቲ ኣጠቓቕማ ተቓጻጺሊ ክላዲንን ኢንሱሌሽንን ዘስዕቦ ሓደጋታት ኣለልዩ... ስጕምቲ ክወስድ ብዙሕ ዕድላት" ነይሮም።

ኣብ 1992 ኣብ መርሲሳይድ ኣብ ዝርከብ 11 ደብሪ ዘለዎ ግምቢ ኖውስሊ ሃይትስ ዘጋጠመ ባርዕ ስዒቡ ክኢላታት ብዛዕባ ስክፍታታት ክላዲን ኣጠንቂቘም ነይሮም። ኣብ 1999 ድማ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ጋርኖክ ድሕሪ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ እውን ደጊሞም ኣጠንቂቖም እዮም። ብድሕሪ’ዚ ድማ ኣባላት ባይቶ፡ ኣብ ነዋሕቲ ህንጻታት ዘይቃጸል ክላዲን ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዘለዎ ገሊጾም።

ተቓጻጻሊ ክላዲን ግን “ክላስ ዜሮ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ እንግሊዝ ደረጃ ስለዘማልእ ኣይተኸልከለን። እቶም ኣባላት ባይቶ እዚ ክስረዝ ከምዝነበሮ እዮም ኣመልኪቶም።

እቲ መርመራ፡ "ቅድሚ ዓመታት ክእለ ይኽእልን ነይርዎን" ይብል።

ኣብ 2001 ተኸታታሊ ሰፊሕ ፈተነታት ባርዕ ሓዊ “ዘደንቕ ውጽኢት” ኣቃሊዑ’ዩ ነይሩ፤ ክላዲንግ “ብሓይሊ ዝቃጸል” ከምዝዀነ ኣመልኪቱ። እንተዀነ እቲ ሕጊታት ክሳዕ ሽዑ ብመንግስቲ ዘይተጠናኸረ ኰይኑ፡ ውጽኢት ናይቲ መርመራታት ድማ ብምስጢር ተታሒዙ።

"ምስ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳይ ተኣሳሲሩ ስጕምቲ ዘይተወሰደሉ ምኽንያት ኣይርድኣናን" ይብል እቲ መርማሪ ፓነል።

ኣብ 2009 ኣብ ደቡብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ላካናል ሃውስ ዘጋጠመ ሞት ዘስዓበ ባርዕ ሓዊ፡ መርማሪ ሬሳ ንመምርሒታት ህንጻ ክግምገም ክእዝዝ ደሪኽዎ፡ እዚ ግን “ብዝዀነ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኣይተታሕዘን።”

ኣብ 2010 መንግስቲ ጥምረት ስልጣን ምስ ሓዘ ሚኒስተራት፡ ኣብ ስጕምቲ ቢሮክራስያዊ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩ ነገራት ክቕንሱ ተነጊርዎም።

ገለ ካብቶም ብሰንኪ እቲ ባርዕ 72 ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት
መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብቶም ብሰንኪ እቲ ባርዕ 72 ህይወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት

እቲ መርመራ፡ እዚ “ኣተሓሳስባ ናይቲ ክፍሊ ክሳብ ክንድ’ዚ ዝዓብለሎ ኰይኑ፡ ዋላ’ውን ንውሕስነት ህይወት ዝጸሉ ጉዳያት ዕሽሽ ተባሂሉ፡ ተደናጒዩ ወይ ንጐድኒ” ከምዝተገበሩ ረኺቡ።

ኣብ ስጕምቲ ቢሮክራስያዊ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩ ነገራት ክቕንሱ ዝተገብረ ጸቕጢ "ኣዝዩ ሓያል እዩ ነይሩ... ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውሳነ ቀዳምነት ክወሃቦ ከምዘድሊ ተሰሚዕዎም" ነይሩ።

እቲ መርማሪ ፓነል፡ ሚኒስትሪ ኣባይቲ "ብሕማቕ ዘመሓድር" ክብል ገሊጽዎ፡ ድሕነት ባርዕ ሓዊ ድማ ንሓደ "ብተዛማዲ ትሑት" በዓል ስልጣን ከምዝተገደፈ የመልክት።

መንግስቲ ኣቐዲሙ ኣብቲ መርመራ፡ "ምስ ምክትታል እቲ ኣብ ህንጸትን ምሕዳስን ነዋሕቲ ህንጻታት ንውሕስነት ዝቆጻጸር ስርዓት ብዝተኣሳሰር ብሕሉፍ ፍሽለታት ኣዝዩ ከምዘጣዕሰ" ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ ነይሩ።

ክኢላ ኣማኻሪ መንግስቲ ዝዀነ ትካል ምርምር ህንጸት፡ ኣብ 1997 ናብ ውልቃዊ ትካል ተቐይሩ።

"ዘይሞያዊ ኣካይዳ፡ እኹል ዘይኰነ ኣሰራርሓኣ፡ ውጽኢታዊ ክትትል ዘይምግባር፡ ድኹም ጸብጻባትን ከምኡ’ውን ሳይንሳዊ ጽንዓት ዘይምህላውን" ብዝብል ብመንግስቲ ብትሪ ተነቒፉ።

እዚኦም ድማ ን"ስነ-ምግባር ዘይብሎም ኣፍረይቲ" ኣቃሊዖሞ።

ጉድለታት ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ

ውልቀ-ሰባት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ብትኪ ዝመልአ መደያይቦ ብተደጋጋሚ ደይቦም ተዓጽዮም ዝነበሩ ነበርቲ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ብርጌድ መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን ግን ነቲ ዘጋጥሞም ነገር ከዳልዎም ኣይከኣለን።

ኣብ 2009 ሽዱሽተ ሰባት ዝሞቱሉ ባርዕ ላካናል፡ "መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን ኣብ ልዑል ህንጻታት ባርዕ ንምምካት ዘለዎ ጉድለታት ክጥንቀቑ ክገብር ነይርዎ" ክብል እቲ መርመራ የረጋግጽ።

"እቲ ናይ ህንጻ ደንቢ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝፍጠር ናይ ደገ መንደቕ ባርዕ ኣብታ ሃገር ከይፍጠር ኣብ ምርግጋጽ እኹል እዩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ግምት" ነይሩ።

“መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ሳዕቤን ንምልላይን ንምግጣምን ክስልጥኑ ኣለዎም ኢሉ ዝሓሰበ ሰብ ኣይነበረን።”

ላዕለዎት ሓለፍቲ ነቲ ጸገማት ንምልላይ ወይ ንምእራም ድሌት ዝጐደሎምን ናይ ምሕደራ ክእለት ዘይነበሮምን እዮም ነይሮም።

 ኣብቲ ዝተቓጸለ ህንጻ ዝመኸኸ ክላዲንግ (መደረብታ) ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Grenfell Inquiry

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ዝተቓጸለ ህንጻ ዝመኸኸ ክላዲንግ (መደረብታ) ይርአ

እቲ መርመራ ዘቕረቦም ለበዋታት

እቲ መርመራ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ድሕነት ህንጻታት ዝመሓደረሉ ኣገባብ "ብኸቢድ ጉድለት ዘለዎ"፡ "ዝተሓላለኸን ዝተበታተነን" ምዃኑ እዩ ደምዲሙ።

ሓደ ተቘጻጻሪ ህንጻ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ነቲ ጉዳይ ክከታተሉ ድማ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

እቲ ኢንዱስትሪ ድሕነት ባርዕ ሓዊ ንምርግጋጽ ዝኽተሎ መምርሒ ክኽለስ ከምዘለዎ እውን የመልክት።

ብተወሳኺ "ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዎ ህንጻ" ንምህናጽ ወይ ንምሕዳስ ካብ ተቘጻጸርቲ ፍቓድ ንምርካብ ዝቐርብ ዝዀነ ይዅን መመልከቲ፡ ስትራተጂ ድሕነት ባርዕ ሓዊ ዘጠቓለለ ክኸውን ከምዘለዎ ካብቶም ኣብቲ መርመራ ዝቐረቡ ለበዋታት ሓደ እዩ።

ካልኦት ለበዋታት ድማ ንዋትን ዲዛይናትን ንውሕስነት ባርዕ ዝፍተኑሉ ኣገባብን ከምኡ’ውን ውጽኢቶም ንህዝቢ ምግላጽ ዘለዎ ኣገዳስነትን ዝምልከቱ እዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ስራሕ ውሑስ’ዩ ኢሎም ዝፈርሙ ተቘጻጸርቲ ህንጻ ብቤት ምኽሪ ክቘጽሩ ወይ ድማ ከም ናይ ብሕቲ “ዝጸደቑ ተቘጻጸርቲ” ኰይኖም ንስራሕ ክወዳደሩ ይኽእሉ።

እቲ መርመራ ግን፡ እዚ ንረብሓ ህዝቢ ድዩ ኣይኰነን ኣብ ግምት ዘእተወ ናጻ ፓነል ክቐውም ይመክር። እቲ ፓነል ንመቈጻጸሪ ህንጻ ዝኸውን ሃገራዊ በዓል መዚ ንምቛም ክውስን ከምዝኽእል ይላበው፡ እዚ ድማ ኣብቲ ደረጃታት ህንጻ ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ስርዓት ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ እዩ።

ኣብ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ምስ ደረጃታት ዓበይቲ ጉዳያት ብምርካብ፡ ስልጠና መጥፋእቲ ሓዊን ኣዘዝቲን ንምምሕያሽ ኮለጅ መጥፋእቲ ሓዊን ህይወት ኣድሕንን ንኽቐውም እቲ መርመራ ይመክር።

ንኣመራርሓ ብርጌድ መጥፋእቲ ሓዊ ለንደን፡ ዓበይቲ ፍጻመታት ዝምልከቱ ተኸታታልቲ ለበዋታትን የቕርብ።

እቲ መርመራ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ብፍላይ ድማ ሮያል ቦሮ ኦፍ ኬንሲንግተንን ቸልሲን (RBKC) ንዓበይቲ ህጹጽ ኵነታት ዝህብዎ ምላሽ ብዝምልከት ምምሕያሽ ክግበር እውን ይጽውዕ።