ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣመልኪቱ ዶ/ር ደብረጽዮን ተዛሪቡ

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብሰሉስ 10 መስከረም 2024 ንእዋናዊ ኵነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ርክባት ክግበር ምጽንሑን ክቕጽል ምዃኑን ብወግዒ ተዛሪቡ።

እቲ ኣቦ መንበር እዚ ዝብል ዘሎ፡ ኣብዚ እዋን ህወሓት ኣብ ክልተ ጉጅለ ተገሚዑ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ኣብ ዝርከበሉን፡ ክልቲኡ ጕጅለታት በብመንገዱ መግለጺታት ኣብ ምሃብ ተጸሚዱ ኣብ ዘለሉን ተዃሳሒ መድረኽ እዩ።

መራሕቲ ህወሓት፡ ድሕሪ ደማዊ ኵናት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም ርክብ ብወግዒ እንትዛረቡ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምስ መንግስቲ ፈደራል ጥራይ ዘይኰስን ምስ መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ፋኖን ርክባት ብምግባር፡ ሰላም ክንፈጥር ኣለና ብዝብል ተበግሶ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ባዕሉ ዝመርሖ ልኡኽ ትግራይ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ከምዝተዘራረበ ገሊጹ።

እዚ ድማ ብኣፍልጦ ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ከምዝዀነ ወሲኹ ዝገለጸ ዶ/ር ደብረጽዮን፡“ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ’ውን ባዕሉ፡ ሻዕቢያ ምሳኹም ከቢድ ቅርሕንቲ ኣለዎም፡ ባዕልኹም ተረዳድኡ ኢሉና እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ድሕሪ ኲናት ትግራይን ስምምዕ ፕሪቶሪያን፡ መራሕቲ ህወሓትን ኤርትራን ኣበየናይ ጉዳይ ከም ዝተዘራረቡ ግና እቲ ኣቦ መንበር ብንፁር ኣየቐመጠን።

እዚ ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ምዃኑ ዝገለጾ ርክባት፡ ብፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብዚ እዋን "ካልእ መልክዕ ንኽሕዝ ብነባር ኣመራርሓ” እናተባህለ ዝግበር ዘሎ ዘረባታት ቅኑዕ ኣይኰነን ኢሉ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ “ጉባኤ ህወሓት”፡ ሕጋውነትን ተቐባልነትን የብሉን፡ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ካብ ተሓታትነት ኣምሊጡ ናብ ስልጣን ክምለስ ዝመጣጠር ዘሎ ጕጅለ ብሃታሃታ ዘካይዶ ዘሎ እዩ፡ ብምባል ከምዘይሳተፍ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ “ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት” ምስ ናይ ደገ ሓይሊ ብምትሕብባር ከሲሱ ነይሩ።

ንሱ ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ዅሉ ዝግበር ዘሎ ብድሌት ኣርባዕተ ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ጥራይ ምዃኑ ብምምልካት፡ " 'ደጀን ክዀነና እዩ' ዝበሉዎ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተኣማሚኖም ዝገብሩዎ ዘለዉን ናብ ዘይተደለየ ጸገም ከእተወና እዩ" ክብል ተሰሚዑ እዩ።

እቶም ኣርባዕተ ዝበሎም ላዕለዎት መራሕቲ እቲ ውድብ ይዅን፡ ደጀን ክዀነና እዩ ዝበልዎ ኢሉ ዝጠቐሶ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ግን ብስም ኣይጠቐሰን።

ነዚን ብተመሳሳሊ መገዲ ክለዓል ዝጸንሐ ርክብ ኤርትራን ትግራይን ኣመልኪቱ ምላሽ ዝሃበ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ጻዕሪናን እቲ ዝግበር ዘሎ ዝርርብን "ንሰላም እዩ፡ ክቕጽል እውን እዩ" ኢሉ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ኣቦ መንበር ህወሓት፡ ብሳላ ዝተገብረ ምርድዳእ "ኣብ ዶባት ትግራይን ኤርትራን ዝነበረ ጸጥታዊ ኵነታት ከምዝተፈትሐ" ጠቒሱ፡ ካልእ ዓበይቲ ጉዳያት ግን ብመገዲ መንግስቲ ፈደራል ከምዝፍታሕ ገሊጹ።

ኣብ እዋን’ቲ ህወሓት ዝዕብልሎ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1998-2000 ደማዊ ዶባዊ ግጭት ኢትዮ-ኤርትራን ተኻይዱን፡ ንዓመታት ብሰንኪ ዝቐጸለ ሃዋሁ ‘ኣይሰላም ኣይኲናት’ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ከቢድ ምትፍንናን ከምዝጸንሐን ዝፍለጥ እዩ።

ነቲ ዶባዊ ጉዳይ ንምፍታሕ ኣብ መንጐ ክልቲኦም መንግስታት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣልጀርስ እውን፡ ክልቲኦም ብወግዒ ተራኺቦም ዝተዘራረቡሉ ኵነታት ከምዘየለ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ሚያዝያ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ህወሓት ዕብለላኡ ናብ ትግራይ ጥራይ ምስ ተሓጽረ ግን፡ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝተኸፍተሉ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣብ ዶብ ኦምሓጀር-ሑመራ ከምዝተራኸቡ ይዝከር።

ድሕሪ 20 ዓመታት ኲናትን ሃዋሁ ኲናትን ብ 7 ጥሪ 2019 ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዶ/ር ደብረጽዮንን ዝርዝር ሽዑ ዝተዘራረብዎ ጉዳያት ብዕሊ’ኳ እንተዘይተገልጸ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ነቲ ብወገን መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ እዋን ይግበር ነይሩ ዝበሎ ምድላው ኲናት፡ “ኣየድልየኩምን እዩ” ኢሉ ከም ዝመዓዶ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ሕጂ ብኣፍልጦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝግበር ዘሎ ዝተባህለ ርክባትን ትሕዝቶኡን ብወግዒ ኣይተነጸረን።

ነዚ ርክብ ዝምልከት ብወገን መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዛጊት ዝተዋህበ ምላሽ የለን።