ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ምዕራብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ሱዳናውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, FANA BROADCASTING CORPORATION

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተፈጥረ ሻቕሎት ከምዝተሓሳስቦ ገሊፁ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ኣብታ ጎንፅታት ተተኣናግድ ዘላ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከብ ኩመር ዝተባህለ መዓስከር ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ክሃድሙ እንከለዉ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሚእቲ ስደተኛታት ካብ ካልእ መዓስከር- ኣውላላ ወጺኦም ሃዲሞም።

እቶም ካብ መዓስከሮም ዝወጹ ስደተኛታት “ኣብ ጎኒ ጽርግያ” ይሓድሩ ከምዝነበሩ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ካብ መዓስከሮም ዝወፅኡ ሰባት ክሳብ 7000 ክበጽሕ ከምዝኽእል ገሊጾም ነይሮም።

እዘን መዓስከራት ዝርከበለን ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ምልሻታት ፋኖን ሰራዊትን ብሰፊሑ ዝካየድ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭት ዝተልዓለ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝርከብ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ፍታሕ ንምርካብ "ኩሉ ኣማራጺታት ይምርምር ኣሎ" ኢሉ።

ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር ካብ ዝርከብ ክልተ መዕቆቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ክማሕፀኑ እዮም ቀንዮም።

ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ኩመርን ኣውላላን ዝርከብ መዕቆቢ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ ስደተኛታት 7 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል 30 ሚያዝያ ቢቢሲ ብተሌፎን ዘዘራረቦም ሰለስተ ስደተኛታት ሓቢሮም ነይሮም።

ቢቢሲ ነዚ ቍጽሪ ብነጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ብመሰረት ቅድም ኢሉ ዝወፅአ ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ካብቶም ኣብቲ መዕቆቢ ዝነበሩ 8 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 7 ሽሕ ስደተኛታት ብናይቲ ከባቢ ሚሊሻታት መጥቃዕትን ዝምታንን ምስተፈጸሞም ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ንግሆ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ከምዝሓደሩ ተዛሪቦም።

ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ከምዘረጋገፆ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ዘምርሑ ብዕጥቂ ዝተሓገዘ፡ 'ገበን፣ ስርቂ፣ ዕጥቃዊ ምዝማት፣ ተኹሲን ጭውያታት' ምፍፃሙ ስዒቡ’ዩ።

እቶም ስደተኛታት፡ ሓለዋ ንምድላይ ኣብቲ ቀንዲ ጎደናን ኣብ ጥቓ መደበር ፖሊስ ፖሊስን መዓልታት ከም ዘሕለፉ ገሊፁ።

ሓደ ስደተኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ሓገዝ ዝልምኑ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ መንግስትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝዀነ ነባሪ ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ።

“ሓገዝ የድልየና እዩ፣ ካብ ሽግር ክንሃድም ኢና መጺእና፣ ሕጂ ድማ ካልእ ጸገም ኣጋጢሙና ኣሎ" ክብል ተማሕጺኑ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዕጡቓት መጥቃዕቲ፡ ምዝማትን ገንዘብ ምጭዋይን ብተደጋጋሚ ከምዘጋጠሞም እዮም ዝገልጹ።

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ካብቲ መዕቆቢ ቦታታት ምውጽኦም ኣብ ዝነበረ ለይቲ ተዅሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ሓደ ካብኣቶም ሓቢሩ።

“ኣብ ዳስ [መጽለሊ] እንተጸኒሐ፡ ምናልባት መጺኦም ብጥይት ክቐትሉኒ እዮም። ኣብ ሓደጋ ዝኣተኹ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ክድቅስ ኣይከኣልኩን። እቲ ቦታ ብለይቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝዀነ ኣብኡ ምሕዳር ኣይከኣልን" ኢሉ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣንዳርጌ ጌቱ፡ እቶም ስደተኛታት ካብቲ መዕቆቢ ከምዘይወጹ ብሰኑይ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ነቲ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ "ዝዀነ ስደተኛ ኣይወጸን" ብምባል’ዩ መልሲ ሂቡ።

“ቅድሚ በዓል ናብ ጎንደር ክንከይድ ዝብል ዝንባለ ነይርዎም። መሓውር ጸጥታ ከይዱ ምስኦም ተዘራሪቡ እቲ ጸገም ተፈቲሑ" ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ሕቶኦም ኣብ ቀረብን ምክፍፋልን መግብን ማይን ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ እውን ኣረዲኡ።

ይዅን'ምበር፡ ካብቲ መዓስከር ዝወጹን "ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተቓላዕቲ ዝዀኑን" ስደተኛታት "ጭውያታትን ምዝማትን ከጋጥሞም ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣብ ኩመር ዝሰፈሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ንኣዋርሕ ዝኣክል ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት፡ ከም ጭውያ፡ ቅትለት ከምኡ’ውን ዕጥቃዊ ምዝማት ከምዘጋጠሞም ጸብጻብ ሮይተርስ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ካብ መተማ 70 ኪሎ ሜትር ርሒቘም ዝርከብ መዕቆቢ ኩመርን ኣውላላን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝሓዙ ምዃኖም ይፍለጥ።