ሞሪንጋ፡ ‘ተኣምራዊ ተኽሊ’ ዝበሃል ሓቂ ድዩ?

ረብሓታት ሞሪንጋ ብሳይንስ ዝተደገፉ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Mark Eveleigh

መግለጺ ስእሊ, ረብሓታት ሞሪንጋ ብሳይንስ ዝተደገፉ ድዮም?

ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ህዝብታት ብሰፊሑ ዝለመድዎ መግቢ ምስ እንጀራ ዝተኣሳሰር እዩ።

ካብዚ ወጻኢ እቶም ልሙዳት መግቢታት ካብ ሩዝ፡ ዕፉንን ስርናይን ዝስርሑ እዮም።

ብዓለም ደረጃ’ውን እንተዀነ ብብዝሒ ዝተለመዱ ካብ ሩዝ፡ ዕፉንን ስርናይን ዝስርሑ መግቢታት እዮም።

እንተኾነ ግን በዞም ሰለስተ ኣእኻል ካብ ዝዳለው መግብታት እኹል ካሎሪ ምርካብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ እኹል ቪታሚናትን ሚነራላትን ምርካብ ግና ኣጸጋሚ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድኹም ስርዓት ኣመጋግባ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተለምዱ መግብታት ንምትእትታው ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝገብሮ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተለመደ ዝመጸአ ሓደ ብሉጽ መግቢ ኣሎ - ሞሪንጋ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ንጥዕና ከምኡ'ውን ንከባቢና ዝሰማምዑ ምዃኖም ዝገለጾም 50 መግብታት 'ናይ መጻኢ ብሉጻት መግብታት' ብምባል ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።

ሞሪንጋ፡ ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተሰርዑ መግብታት ሓደ እዩ።

ንዘመናት ናእዳታት ክረክብ ዝጸንሐ ሞሪንጋ፡ ንጥዕና ዘደንቕ ረብሓታት ከምዝህብ’ዩ ዝንገር። እዞም ረብሓታት ግን ብሳይንስ ዝተደገፉ ድዮም?

‘ተኣምራዊ ተኽሊ’

እቲ ‘ተኣምራዊ ተኽሊ’ ብዝብል ዝፍለጥ ሞሪንጋ ብቅልጡፍ ዝዓብይን ድርቂ ዝጻወርን ተኽሊ ኰይኑ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት እቲ ተኽሊ ድማ ከም መድሃኒት እናገልገሉ ይርከቡ።

መበቆል ሞሪንጋ ኣብ ደቡብ ኤስያን ኣፍሪቃን እዩ፤ ምህርቲ እዚ ሳይንሳዊ መጸውዒኡ ሞሪንጋ ኦሌይፈራ ዝበሃል ተኽሊ ኣብ ዓመት ሸውዓተ ግዜ ምእካብ ከምዝከኣል ይንገር።

ድርቂ ከምዝጻወር ዝንገረሉ ሞሪንጋ ኣብ ጥዕና ብዘለዎ ተራ ክነኣድ ጸኒሑ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mark Eveleigh

መግለጺ ስእሊ, ድርቂ ከምዝጻወር ዝንገረሉ ሞሪንጋ ኣብ ጥዕና ብዘለዎ ተራ ክነኣድ ጸኒሑ’ዩ

እዚ ተኽሊ ቆጽሉ፡ ቆርበቱ፡ ሱሩ፡ ዕምባባታቱ መግቢ ዘጓዕዝ ፈሳሲኡን ከይተረፈ ዳርጋ ኵሉ ክፋላቱ ክብላዕ ይከኣል’ዩ።

ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ኣገዳሲ ምንጪ መግቢ እዩ። ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ እቲ ዝነቐጸ ቆጽሊ፡ ከም መመላእታ መግቢ ወይ ብመልክዕ ሓርጭ ተዳልዩ ይሽየጥ።

ኣብ 2013 ብኢንተርናሽናል ጆርናል ኦፍ ፋይቶቴራፒ ሪሰርች ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ እቲ ዝነቐጸ ቆጽሊ ሞሪንጋ ካብ ኣራንሺ 7 ዕጽፊ ቫይታሚን ሲ፡ ካብ ርግኦ 9 ዕጽፊ ፕሮቲን ፡ ካብ ካሮት ብ10 ዕጽፊ ዝያዳ ቫይታሚን ኤ፡ ካብ ባናና 15 ዕጽፊ ፖታሽየም ዝሓዘ ከምዝዀነ የመልክት። ካብ ጸባ እውን ብ17 ዕጽፊ ዝበዝሕ ካልሲየም፡ ካብ ሓምሊ ድማ ብ25 ዕጽፊ ዝበዝሐ ሓጺን ከምዘለዎ ይግመት።

5 ብሉጻት ጥዕናዊ ረብሓታት ሞሪንጋ

ብዛዕባ ረብሓታት ሞሪንጋ ዝምልከቱ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ኣብ እንስሳታትን ኣብ ቤተ ፈተነን ተኻይዶም እዮም።

ዳርጋ መብዛሕትኦም መጽናዕትታት፡ እዚ ‘ተኣምራዊ ተኽሊ’ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንጥዕና ደቂ ሰባት ከምዝጸልው የመልክቱ።

ካብቶም ብርክት ዝበሉ ረብሓታቱ ድማ ነዞም ዝስዕቡ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

1. ሃብታም ምንጪ መከላኸሊ ኣንቲኦክሲዳንት’ዩ

ኣንቲኦክሲዳንት፡ ንዋህዮታት ካብቶም መንሽሮ፡ ሕማም ልቢ፡ ወቕዒን ካልእ ሕማማት እርጋንን ዘስዕቡ ነገራት ዝከላኸል ንጥረ ነገር እዩ።

ሞሪንጋ፡ መኣዛታትን ፋይቶኬሚካላት ዝርከብዎም ውህደታት ኣንቲኦክሲዳንት ዝሓዘ እዩ።

እዞም ኣንቲኦክሲዳንት፡ ኣካላትና ንከም ጸረ-ባልዕን ትኪ ሽጋራን ዝኣመሰሉ መርዛም ነገራት ምስ ዝቃላዕ ዘፍርዮም ገለ ሞለኪዩላት ኣብ ዋህዮታት ጉድኣት ከየስዕቡ ይሕግዙ።

ሞሪንጋ ብፍላይ ድማ ቆጽሉ ብብዙሓት ጠቐምቲ ውህደታት ዝሃብተመ ስለ ዝዀነ፡ ኣንቲኦክሲዳንት መከላኸሊ ይህብ፤ እዚ ድማ ከም ቫይታሚን ሲን ቤታ-ካሮቲንን ከምኡ’ውን ፖሊፊኖላት ከም ኲርሰቲን፡ ሩቲንን ክሎሮጀኒክ ኣሲድን ዘጠቓልል እዩ።

ብተወሳኺ ቆጽሊ ሞሪንጋ መጠን ኮለስትሮል ንምንካይ ከምዝሕግዝ እውን ጸብጻባት ይሕበሩ።

2. ሽኮር ደም ንምቁጽጻር ይሕግዝ

ሞሪንጋ ንሽኮር ደም ንምቁጽጻር ከምዝሕግዝ ዝገልጹ መብዛሕትኦም መርትዖታት ኣብ መጽናዕቲ እንስሳታት ዝተመርኰሱ እዮም።

ብመሰረት እዞም መጽናዕትታት፡ ኣብ ቆጽሊ ሞሪንጋ ዝርከቡ ውህደታት፡ ዋህዮታት ጣፍያ ከነቓቕሑ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ። እዞም ዋህዮታት ንፍሰት ሽኮር ደም ዘመጣጥን ኢንሱሊን ዝተበሃለ ሆርሞን ዘፍርዩ እዮም።

ሽኮር ደም ንምቁጽጻር እንተተጸጊምኩም፡ ቆጽሊ ሞሪንጋ ምምጋብ ኣብ ግምት ኣእትዉ
መግለጺ ስእሊ, ሽኮር ደም ንምቁጽጻር እንተተጸጊምኩም፡ ቆጽሊ ሞሪንጋ ምምጋብ ኣብ ግምት ኣእትዉ

እቲ ቆጽሊ፡ ናብ ጽንፈ-ጽግያት ኣብ ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ጽልዋ ኣለዎ።

መጽናዕቲታት፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ መዓልታዊ ሓደን ፍርቅን ማንካ ሻሂ ሓርጭ ቆጽሊ ሞሪንጋ ምውሳድ፡ መጠን ሽኮር ደም ብማእከላይ ገምጋም ብ13.5 ሚእታዊት ከምዝንክይ ይሕብሩ።

እዚ ማለት ድማ ሞሪንጋ ንገለ ካብቲ ኣብ መፋርቕ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ስነ-ኣካላዊ ለውጢ ኣብ ምፍታሕ ክሕግዝ ተኽእሎ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

3. ጸረ-ነድሪ ረብሓ

ነድሪ ኣብ ምምዕባል ብዙሓት ሕዱር ሕማማት ዓቢ ተራ ኣለዎ። ንኣብነት ጠንቂ ምዕባለ ክራሸ ወይ ልዕሊ ዓቐን ክብደት፡ ሕማም ሽኮር፡ ከምኡ’ውን ቅርጥማት ወይ ሪሕን ክኸውን ይኽእል።

ሱር፡ ፍረታትን ቆጽልን ሞሪንጋ ነዚ መስርሕ ነድሪ ዝዓግቱ ንጥረ ነገራት ኣለዎም።

ኣብ እንስሳታትን ኣብ ቤተ ፈተነን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት፡ ሞሪንጋ ውጽኢት ከምዘለዎ የመልክቱ።

ይኹን’ምበር ኣብ ደቂ ሰባት’ውን እዚ ውጽኢት ዘረጋግጹ መጽናዕትታት ብተዛማዲ ውሑዳት እዮም።

4. ምክልኻል ጸላም ከብዲ

ጸላም ከብዲ ጥዕናና ኣብ ምሕላውን ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ካብ ኣመጋግባና ዝመጹ መኣዛታት ልዑል ተራ ኣላዋ።

ሞሪንጋ ድማ ልዑል መጠን ፖሊፊኖል ዝበሃሉ መከላኸሊ ውህደታት ኣለዎ።

ኣብ እንስሳታት ዝተኻየዱ መጽናዕቲ ከምዘመልክትዎ፡ እዞም ውሕደታት ንጸላም ከብዲ ንምክልኻልን ንዝተበላሸወ ኣካል ንምሕዋይን ይሕግዙ እዮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሰብ ዝተገብሩ ፈተነታት፡ ሞሪንጋ ከም ጸረ-መንሽሮ መድሃኒት ኣብ ሕክምና መንሽሮ ጸላም ከብዲ ተራ ክህልዎ ከምዝኽእል ይሕብሩ።

5. ተገንዝቦኣዊ ዕማም ይድግፍ

እቲ ሃብታም ኣንቲኦክሲዳንት ትሕዝቶ ሞሪንጋ፡ ተገንዝቦኣዊ ዕማም ክድግፍ ተኽእሎ ኣሎ።

ተገንዝቦኣዊ ዓቕሚ ሰባት ከይንክይ ይሕግዝ፤ ከም ሕማም ረሲዕ ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምምካት’ውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።

ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ተኽሊ ንሚዛን ስሚዒት፡ ዝኽርን ኒውሮትራንስሚተርን ኣብ ምድጋፍን ከምኡ’ውን ቅዛነት ኣብ ምምካትን ሓጋዚ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ እንስሳታት ዝተገብሩ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ብሓፈሻ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኩሉ’ዚ መዳያት ሞሪንጋ ዝተገብሩ መጽናዕቲ ተስፋ ዘመልክቱ እዮም። እንተዀነ ግን ብዛዕባ’ዚ ተኽሊን ብዛዕባ ዝንገሩ ብዙሓት ረብሓታቱን ገና ክንፈልጦም ዘድልዩ ነገራት ኣለዉ።

ሞሪንጋ ንዅሉ ሰብ ውሑስ ድዩ?

ብሓፈሻ ቆጽልን ፍረን መሪንጋ ምብላዕ ውሑስ ከምዝዀነ’ዩ ዝውሰድ።

ይኹን’ምበር ቆርበትን ጉንዱን ብዝምልከት ጥንቃቐ ምግባር የድሊ።

እዚ ጥንቃቐ ብፍላይ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ቆርበት ንውጥረት ማህጸን ከስፋሕፍሑ ዝኽእሉን ሓደጋ ምንጻል ጥንሲ ከበርኺ ዝኽእሉን ኬሚካላት ኣለዎ።

ከም ከኒና ጸቕጢ ደም፡ መድሃኒት ሕማም ሽኮርን ሌቮታይሮክሲንን ዝኣመሰሉ ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒት ዝውሰዱ ሰባት፡ ሞሪንጋ ዝወስዱሉ ኣገባብ ቅኑዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምስ ሓኪሞ ወይ ፋርማሲስት እንተተማኸሩ ዝሓሸ ይኸውን።

ሞሪንጋ ናብ ኣመጋግባና ነተኣታትወሉ ኣገባባት

ኣመጋግባና ሞሪንጋ ዘጠቓለለ ንምግባር ኣዝዩ ቀሊል እዩ።

እቲ ቆጽሊ’ዚ ዝተፈላለዩ ናይ ስጋ ትሕዝቶ ዘለዎም መግብታት ንምስራሕ’ውን የገልግል’ዩ።

ፍሪኡ'ውን ኣብ ምስራሕ መረቕ ምስ እንጥቀመሉ፡ ንጥዕናና ዘድሊ ኮሌስትሮል ኣብ ኣካላትና ክፍጠር ይገብር።

ብሓፈሻ ግን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ሞሪንጋ ምጥቃም ይካኣል’ዩ።

ሞሪንጋ ቆጽሉ ቀልጢፉ ስለ ዝበርስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝነቐጸ ሓርጭ ይሽየጥ

ምንጪ ስእሊ, Westend61/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞሪንጋ ቆጽሉ ቀልጢፉ ስለ ዝበርስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝነቐጸ ሓርጭ ይሽየጥ

ዝነቐጸ ቆጽሊ ሞሪንጋ ተጣሒኑ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናብ ኣመጋግባና ምትእትታው ይካኣል’ዩ።

ካብ 1-2 ማንካ ሻሂ (ጀመርቲ እንተዀይንኩም ፍርቂ ማንካ) ዝተጠሓነ ቆጽሊ ሞሪንጋ ከም ሻሂ ምስታይ ይከኣል።

ንበይኑ ወይ ድማ ምስ ከም ቱፋሕ ዝኣመሰሉ ፍረታት ብጽሟቕ መልክዕ ክዳለው ይኽእል።

ኣብ ዝዀነ ጸብሒ፡ መረቕ፡ ሰላጣ፡ ፓስታ፡ ሩዝ፡ እንቋቑሖ ቁሩብ ዝተጠሓነ ቆጽሊ ሞሪንጋ ምንስናስ’ውን ሓደ ኣማራጺ እዩ።

ቆጽሊ ሞሪንጋ ተሓጺቡ፡ ተኸቲፉ ናብ ብሒቕ ክሕወስን ከም ባኒ፡ ሓምባሻ፡ ብሽኩቲ ዝኣመሰሉ ነገራት ንምድላው ክውዕል ይኽእል።

ዝተጠሓነ ቆጽሊ ሞሪንጋ ብማይ ተበጽቢጹ ክስተ’ውን ይኽእል፤ ለሚን ወይ መዓር እንተተወሰዀ ጣዕሙ ዝሓሸ ይኸውን።

ቆጽሊ ሞሪንጋ ኣብ መግብኹም ምእታው በዳሂ እንተዀይንኩም ድማ፡ ምስ በዓል ሞያ ጥዕና ብምምኽኻር ከም መመላእታ ክትወስድዎም ትኽእሉ ከኒናታት ሞሪንጋ ኣለዉ።