ተባዕ ወለዶ’ ኬንያ፡ ብኸመይ እዩ ንመንግስቲ ሩቶ ዘንቀጥቅጦ ዘሎ?

ፖሊስ ዘንብዕ ትኪ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተኲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓዲሽ ወለዶ መንእሰያት ኬንያ፡ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ንእማመታት ባይቶ ምስ በደሁዎ፡ መንግስቲ ኬንያ ንገለ ካብቶም ንህዝቢ ዘንጸርጽሩ ዓንቀጻት ክስሕቦም ተገዲዱ ኣሎ።

እቲ ብፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘይኮነስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክ ብቁጥዐ ዝጀመረ ምንቅስቓስ መንእሰያት ናብ ሓያል ናዕቢ ተቐይሩ ንመንግስቲ ሩቶ ደቃስ ከሊእዎ ይርከብ።

ብሰንኪ ሓደሽቲ ስጉምቲታት መንግስቲ ዊልያም ሩቶ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ክገብርዎ ዘይከኣሉ፡ ኬንያውያን ንመሰሎም ካብ ብሄርን ፖለቲካዊ ውድብን ወጻኢ ክጥርነፉን ክሓብሩን ክኢሎም ኣለው።

ብሰሉስ፡ ኣማኢት ወደብቲ ተቓውሞ፡ ነቲ ብፖሊስ ዝፍነወሎም ዝነበረ ዘንብዕ ጋዝ ተጻዊሮም፡ ንግዳዊ መነሃርያ ከተማ ናይሮቢ ኣልሚሶምዎ ውዒሎም።

ንሓድሕዶም ብዘመናዊ ስልኪ እናተራኸቡ፡ ነቲ ምስ ፖሊስ ግበግብ ዝመልኦ ዘካየዱዎ ግጥም ብቐጥታ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዘርጊሖምዎ።

እቲ "ጐበጣ ባይቶ" ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ሓያል ወፍሪ ተቓውሞ፡ ብፖለቲከኛታት ኮነ ተቓወምቲ ውድባት ዝተወደብ ዘይኮነስ፡ ብመንእሰያት፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዋደደን ዝተወሃሃደን ጽሩይ ህዝባዊ ተቓውሞ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኣዳለውቲ: እቶም ሰልፈኛታት ጸሊም ክዳን ክኽደኑ ኣተባቢዖም እኳ እንተነበሩ፡ ገሊኦም ግን ብዝተቐደደ ጂንስን ፍሉይ ቅዲ ኣቀማቕማ ጸጉርን ነቲ ሰልፊ ተቓውሞ ዝያዳ ኣድሚቖምዎ ውዒሎም።

እቶም ሰልፈኛታት፡ ብሰፊሑ ‘Gen Zs’ ( ወለዶ 90ን ክልተ ሽሕን) ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ኣብ መወዳእታ 1990ታትን መጀመርታ 2000ታትን ንዝተወልዱ መንእሰያት ንምግላጽ ዝጥቀሙሉ ቃል እዩ።

እቶም ኣብቲ ተቓውሞ ብብዝሒ ዝተረኽቡ፡ ኣብቲ መንግስቲ ዘለዎም ዘይዕግበት ብሃሽታግ ወይ ብሜሜ ከምዘይዛዘም ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

“ንሕና ጀን ዜድ ንበሃል፡ በዚ ስም ንነብስና ክንውድብ ክኢልና ኣለና። ቲክቶክ፡ መንእሰያት ተቓውሞኦም ዘስምዑሉ ጥራይ ዘይኮነስ ስለምንታይ ከምዝቃወሙ እውን ንምምሃር ክንጥቀመሉ ኢና” ክብል ሰልፈኛ ዛሃ ኢንዲሙሊ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ብዙሓት ካብኣቶም ንመጀመርታ ግዜ ናብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝወፅኡን፡ "Do Not Force The Taxes On Us" [ብግብሪ መንግስቲ ኣይትደብድቡና] ዝብሉ መልእኽታት ዝሰፈሮም ፅሑፋት ከምበልብሉ ተራእዮም። ካልኦት ድማ "ሩቶ ውረድ" ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም።

ወዲ 24 ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኬን ማኪልያ፡ "ኣነ ንዝትፈትዋ ሃገረይ ባርያ ኮይነ ከገልግል እየ ኣብዚ ዘለኹ። ነቲ ወለደይ ስለዝኣረጉ ክገብርዎ ዘይከኣሉ ኣነ ንመጀመርታ ግዜ እገብሮ ኣለኹ" ኢሉ።

ንኣባላት ባይቶን ሰልፈኛታትን ጸቕጢ ንምግባር ዝተጠቕሙሎም ሃሽታጋት፡ "#OccupyParliament" [ምጉባጥ ባይቶ]ን "#RejectFinanceBill2024" [እማመ ግብሪ 2024 ንነፅጎ]ን ዝብሉን ይርከብዎም።

“[ናይ ተቓውሞ] ሰልፊ ክውፅእ ንፈለማይ እዩ። [ግን ከኣ] ናይ መወዳእታይ ክኸውን እየ ዝደሊ። ድሕሪ እዚ ነገራት ክቕየሩ ተስፋ እገብር" ይብል ነቲ እማመ ግብሪ ዝተቓወመ ናሴርያን ካሱራ።

እቶም ሰልፈኛታት ንፓርላማ [ሃገራዊ ባይቶ] ንኸዕለቕልቑዎ ዝገብርዎ ፈተነ ብፖሊስ ስለዝተዓግተ ከምዝሓሰቡዎ ኣይሰለጦምን።

"ተኣሲርና ኢና ግን፡ ናባኻትኩም ከይተፀግዑ እንከለዉ፡ በጃኹም ናብ'ቲ ባይቶ እተዉ" ክብል ሓደ ካብቶም ኣዳለውቲ ምዃኑ ዝንገረሉ ሓኒፋ ፋርሳፊ ኣብ ኤክስ፡ ናይ ቀደም ትዊተር ጽሒፉ።

ልዕሊ 200 መንእሰያት ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም እኳ እንተነበሩ፡ ጠበቓታት ናብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ መደበራት ፖሊስ ምስ ከዱ ገሊኦም ተፈቲሖም ኣለው።

ሓንቲ ሰልፈኛ፡ ናብ መኪና ፖሊስ ምድያብ ኣብያ፡ “ኣይከይድን እየ፣ ኣይተሓባበርን፣ ንምንታይ ኢኹም ትኣስሩኒ ዘለኹም?” እናበለት ዝዘርገሐቶ ቪድዮ ኣዘራራቢ ዀይኑ ኣሎ።

እቶም ናብ ጎደናታት ክወጸኡ ዘይከኣሉ ድማ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መልእኽትታት፡ ስእልታትን ቪድዮታትን ብምጥቃዕ እቲ መልእኽቲ ንክስማዕ ሓጊዞም።

እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ዝኾነ ውዱብ መሪሕነት ስለዘይነበሮ፡ ፖሊስ ነቶም ብድሕሪ እቲ ተቓውሞ ዘለዉ ዒላማ ንምግባር ኣጸጊሙዎ ኣሎ።

ዘይከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝካየድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት፡ ብዘመተ፣ ምዕናው ንብረትን ምድርባይ እምኒን ዝተዓጀበ ኣይነበረን።

ኣብቲ ሰልፊ፡ብዘይካ መልእኽትኻ ናይ ምስማዕ ንጹር ቆራጽነት፡ ዝኾነ ፖለቲካዊ ወይ ዓሌታዊ ምትእስሳር ኣይተንጸባረቐን።

ሰልፈኛታት ደቂኣንስትዮ

ንፕረዚደንት ሩቶ ዝበደሀ ተቓውሞ?

እቶም ሰልፈኛታት ካብ ዝእከቡ ሓያሎ ሰዓታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፕረዚደንት ሩቶ በቲ ጸቕጢ ዝተረትዐ ይመስል።

እቲ ኣብ ልዕሊ ባኒ ዝተነብረ 16 ሚኢታዊት ግብርን፡ ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ዝኾኑ ናይ እሴት ግብሪ (ቫት) ድንጋገታት እማመ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣቦ መንበር ኮሚቴ ፋይናንስ ፓርላማ ኩርያ ኪማኒ፡ ፕረዚደንት ሩቶን ካልኦት መራሕቲ እቲ ገዛኢ ጥርናፈ፡ ኣብ ዝተሳተፍፉሉ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ድሌት ኬንያውያን ሰሚዕና ኣለና” ኢላ።

ኣብቲ እማመ ፋይናንስ ዝተገብረ ለውጢ፡ "ንኬንያውያን ካብ ምውሳኽ ዋጋ መነባብሮ ምክልኻል ከምዘድሊ" ብምዝራብ፡ መንግስቲ፡ ቅድም ክብል ነቲ 2.7 ቢልዮን ዶላር ክእክብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ወሰኽ ግብሪ መጒቱ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ምኽንያት፡ ካብ ግዳማዊ ልቓሕ ዘሎ ጽግዕተኝነት ንምንካይ ዝብል እዩ ነይሩ።

ካልኦት ተሰሪዞም ዘለዉ ዓይነታት ግብሪ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ምግቢ ዘይቲ፣ ኣገልግሎት ሞባይል ገንዘብን ኣብ ሞተር ተሽከርከርትን ዝርከብዎም ኮይኖም፡ ነቐፍቲ ንኢንዱስትሪ ኢንሹራንስ ኣዝዩ ምሃሰዮ ነይሩ ይብሉ።

ሕጂ፡ ኣባላት ባይቶ ነቲ ዝተመሓየሸ እማመ ይካትዕሉን ንዝመጽእ ሰሉስ ድምጾም ክህቡሉን ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ሰልፍታት ዘይተሳተፉ ተቓወምቲ፡ ነቲ ድንጋገታት ወሰኽ ግብሪ "መቕጻዕቲ[‘ዩ]" ብምባል፡ እቲ እማመ ምሉእ ብምሉኡ ክእለ ይጠልቡ።

ካልእ እቶም ጎስጓሳት ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ሃሽታግ "#unfollowRuto" ዝብል ኮይኑ፡ ሰባት ነቲ ፕረዚደንት ነቲ እማመ ከቋርጾ ጸቕጢ ንምግባር ኣብ ኤክስ ዘሎ ኣካውንት ምክትታል ደው ከብሉ ዘተባብዕ እዩ።

ኣብ ናይሮቢን ካልኦት ከተማታትን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ክሳብ እቲ እማመ ጠቕሊሉ ዝስረዝ ክቕጽሉ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዴቪድ ንዲ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ቲክቶክ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ‘ስነ-ምግባር’ ዝጐደሎ ክብል ኣናሽዩዎ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ'ቲ ብሰሉስ ዝተራእየ ተቓውሞ ግን ንዓወት እቶም መናእሰይ ኣፍልጦ ክህብ ተገዲዱ ኣሎ።

ሜላታት ጸቕጢ ምፍጣር

ሓደ ካብቲ ኣባላት ባይቶ ኣቓልቦ ክገብሩ ዘገደዶም ሜላ፡ እቲ ኣብ መላእ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ናብ ኣባል ባይቶኻ ኤስኤምኤስ መልእኽቲ ስደድ" ዝብል መልእኽቲ ዘለዎን ዝርዝር ቁጽሪ ተሌፎኖም ዝሓዘን ይርከቦ።

ኣባል ባይቶ፡ ስቲቨን ሙለ፡ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ መንእሰያት ኬንያውያን ነቲ እማመ ክነጽጎ ዝሓቱ ብልዕሊ 30 ሽሕ መልእኽትታት ከምዘዕለቕለቐ ገሊጹ።

ካልኦት ሓገግቲ ኣካላት እውን ብሰንኪ ብዝሒ ዝቕበልዎ ዝነበሩ ጽሑፋት ስልኮም ብተግባር ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከምዝዀነ ኣማርሮም ኣለዉ።

መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ እውን ነቲ ብኢንተርነት ዝግበር ዘሎ ዝርርባት ኣልዒለን፣ ድምጺ ተቓውሞን ብዛዕባ ዋጋ መነባብሮ ዝምልከት ጉዳያትን ትኹረት ሂበንኦ ቀንየን።

ሓደ ሓደ ሰባት፡ ነቲ ንዓመታት ከም መራሕ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ኮይኑ ክረአ ዝጸንሐ ገዲም መራሒ ተቓዋሞ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ካብቲ ናይ ሰሉስ ሰልፊ ክርሕቕ ኣተሓሳሲቦምዎ።

ንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ "ሎሚ ኣዝየ ዝሕበን ኣቦ ዀይነ [ኣለኹ]! ንኹሎም እቶም ንመሰሎም ብትብዓት ደው ዝበሉ ከኣ ኣገንዕ እብል!" ኢሉ።