ዒድ ኣል ኣድሓ፡ ንምንታይ’ዩ ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት እንስሳ ዝሕረዳ?

ንማሕረድቲ ዝተዳለወት በጊዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ እምነት ምስልማን ኣብ እዋን በዓል ኣል ኣድሓ እቲ ኣብ ክርስትያንን ጁዲዝምን ኣብርሃም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ነብይ ኢብራሂም ንወዱ ከም መስዋእቲ ንዝቐርበሉ መዘከሪ ተባሂሉ ዝኽበር ሃይማኖታዊ በዓል’ዩ።

ነብይ ኢብራሂም ካብ ኣላህ ንእምነቱ ዘለዎ ምእዙዝነት ነከረጋግጽ ንወዱ ኢስማዒል ንመስዋእቲ ከቕርቦ ብሕልሚ ከምዝተነገሮ’ዩ ዝእመን።

ምስ ወዱ ምስ ተዘራረቡ ከኣ ኢስማዒል ወዱ ኣቡኡ ነቲ ዝተውሃቦ ትእዛዝ ከክብሮ ከምዘለዎ ተማሕጸኖ፡ ንወዱ ክስውእ ኣብ ዝተዳለወሉ ግን ኣላህ መጺኡ ደው ኣበሎ’ሞ ኣብ ክንዲ ንኢስማዒል ንበጊዕ ከም ምስዋእቲ ክሓርዳ ከምዝነገሮ ኣብ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ተሰኒዱ ኣሎ።

ተኸተልቲ እምነት እስልምና ዝተፈላያ እንስሳታት ኣብዚ መዓልቲ እዚ ይሓርዱ፡ እቲ መስዋእቲ ምሕራድ ግድነት ኮይኑ፤ እቲ ልዕሊ ዓቐን ሃብቲ ዘለዎ ነተን ዝያዳ እቲ ዘድልየኦ ዝዀና ክሓርድ ግድን ይኸውን።

እዚ ኣብ እስላም ኮይኑ ኣብ ካልኦት ሃይማኖታትከ እቲ ምኽንያት እንታይ’ዩ፡ ኣብ ህንዲዙም፡ ኣይሁድን ክርስትያንከ ከመይ ኢሉ ጀሚሩ?

ኣይሁድ

ንማሕረድቲ ዝዳሎ ዘሎ ጤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ እምነት ኣብዚ መዳይ’ዚ ምስ ክርስትያንን ምስ ኣስላምን ብዙሕ ምምስሳል’ዩ ዘለዎ።

ኣብ ኮሌጅ ልኦ ቤክ ዓባይ ብሪጣንያ መምህር ዝኾነ ራቢ ግረይ፡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እቲ ዝግበር መስዋእቲ ምስ ግዜን ቦታን ተተሓሒዙ ተገሊጹ ከምዘሎ ይጠቅስ።

ራቢ ግረይ “ሕጂ እቲ መስዋእቲ ምኽፋል ከምቲ ቀደም የለን ምኽንያቱ እቲ መስዋእቲ ዝኽፈለሉ ዝነበረ ቦታታት’ውን የለን፡ ኣብ ክንድኡ ነቲ መስዋእቲ ብጾሎት’ዩ ዝሕለፍ” ኢሉ።

ዶክተር ብራድለይ ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካውያን ኣይሁድ ኮይኑ “እቲ ካልኣይ ቤተ እመነት ኣይሁድ ኣብ እዋን ሮማውያን ምስ ዓነወ ንእንስሳታት ከም መስዋእቲ ምሕራድ ኣብ ኣይሁድ ፍቑድ ኣይኮነን፡ ብዙሓት’ውን ጠቅሊሉ ከምዝተኣገደ’ዩ ዝርድኦም፡ ካልኦት ከኣ ድሕሪ ምምጻእ ‘መሲሕ’ [መድሃኔ ኣለን] ዳግማይ ክጅመር ከምዝኾነ ይርድኦም” ይብል።

እቲ ቀደም ኣይሁድ እንስሳታት ንመስዋእቲ ዝሓርድሉ ዝነበሩ ቦታ ኣብታ ጥንታዊ ከተማ ዮሩሳሌም ዝርከብ እምባ ኮይኑ ሕጂ ኣብቲ ቦታ ‘ኣል ኣቕሳ’ ዝተሰመየ መስጊድ’ዩ ተሃኒጽዎ ዘሎ።

ኣይሁድ እቲ ቀደም ዝነበረ ቤተ እምነቶም ክምለስ’ዮም ዝጽልዩ፡ ሓደ መዓልቲ ተመሊሶም ክሃንጽዎ ምዃኖም ከኣ ዓቢ እምነት’ዩ ዘለዎም፡ ብድሕሪ እዚ ዳግማይ እቲ ናይ እንስሳ መስዋእቲ ክጅምርዎ ከምዝኾኑ ብዙሓት ይዛረቡ።

ዋላ ድኣ ብዙሓት ኣይሁዳውያን እቲ ጥንታዊ ቤተ እምነቶም ብምፍራሱ ንመስዋእቲ እንስሳ ኣይሕረዱ፡ ገለ ካብቶም ክፋል እዚ እምነት ዝኾኑ ሳምራውያን ግን ይሓርዱ’ዮም።

እተን ንመስዋእቲ ዝሕረዳ በጊዕ፡ ላም፡ ብዕራይ ወይ ጤል ክኾና ይኽእላ’የን።

እንተኾነ ኣብ ኣይሁድ ብቀጥታ ድኣ መስዋእቲ ኣይብሃል’ምበር ኣብቲ ሕብረተስብ ስጋ ብብዝሒ’ዩ ዝሃልኽ።

ኣብ ኣይሁድ ኣብ ሰለስተ በዓላት’የን እንስሳ ከም መስዋእቲ ዝሕረደለን።ፐሳሕ፡ ሻቮትን ሱኮት ከኣ ይብሃላ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሃሸናህ [ሓዲሽ ዓመት ኣይሁድን] ኪፖርን [መስዋእቲ እየሱስን] ዝብሃላ በዓላት’ውን እንስሳ ከምዝሕረደለን ይሕበር።

ክርስትያን

ንማሕረድቲ ዝዳሎ ዘሎ ጤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክርስትያንን ኣይሁድን ሓደ መሰረት ዘለዎ እምነት’ዩ፤ እቲ ኣይሁድ ዝስዕብዎ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ዝመሳሰል’ዩ።

ዶክተር ፕሮሻቶ ረቢሮኢ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካፍሩል ሰባኺ ኮይኑ “ኣብቲ ብሉይ ኪዳን እንስሳ ከመይ ንመስዋእቲ ከምዝቐርባ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ፡ ኣብ እዋን በዓል ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ወይ ናይ ምሽት ክሕረዳ ከምዘለወን ከኣ ይዝርዝር” ይብል።

እንስሳታት ንመስዋእቲ ክሕረዳ እንከለዋ ንሕድገትን ኣሉታዊ ስምዒታት ንምውጋድን ተባሂሉ ከምዝፍጸም ይጥቀስ።

እንተኾነ እንስሳ ከም መስዋእቲ ምቕራብ፡ ካብቲ እየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ሰዓብቱ ኢሉ መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋሉ እቲ ምሕራድ እንስሳታት ምስ ሃይማኖት ርክብ ከምዘይብሉ ዝገልጹ ብዙሓት’ዮም።

እንተኾነ ኣብ እምነት ክርስትና ስጋ ክብላዕ የብሉን ዝብል ስለዘየለ ስጋ ብብዝሒ’ዩ ዝሃልኽ።

ኣብ እምነት ክርስትና ከኣ ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት እንስሳ ምሕራድ ንቡር’ዩ፡ እንተኾነ ኣብ እምነት ክርስትና እንስሳ ከም መስዋእቲ እምነት ከምዘይውሰድ ፈላጣት ሃይማኖት ይጠቅሱ።

ሂንዱዝም

ዋላ ድኣ ኣብ ሂንዱዝም እንስሳ ከም መስዋእቲ ይቕረብዶ ኣብ ዝብል ክርክር እንተሃለወ፡ ብዙሓት ግን ንእንስሳ ከም መስዋእቲ ከቅርቡ ይርኣዩ’ዮም።

ንኣብነት ኣብ ገለ ክፋላት ህንድን ባንግላድሽን እንስሳ ኣብ ከም ዱርጋ፡ ፑጃን ካሊ ፑጃን ዝብሃል ሃይማኖታዊ በዓላት ከም መስዋእቲ ተሓሲበን ይሕረዳ’የን።

ዶክተር ኩሻል ባራን ቻርኮኢበት ኣብ ባንግላዲሽ ዩኒቨርስቲ ቺታጎንግ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ኮይኑ “ኣብ ከም ራማያና፡ ማሃበሃራታ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጥንታውያን መጻሕፍቲ ህንዱ እንስሳ ከም መስዋእቲ ክቐርብ ከምዝኽእል ተጠቂሱ ኣሎ” ይብል።

ንሱ ብምስዓብ “ኣብ ህንዱዙም ካብ ዘለዉ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ሪገቨዳ ሓደ ኮይኑ፡ ንእንስሳ ከም መስዋእቲ ዘቕረበ ካብ ባርነትን ማእሰርትን ሓራ ይወጽእ ዝብል ኣሎ” ይብል።

ኣብቲ እምነት ካብ 1500 ክሳብ 500 ቅድመ ልደተ ክርስቶት ዘበነ ቨዲክ ተባሂሉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ እዋን እቶም ተረኸተልቲ እቲ እምነት ፡ ስጋ ከም መስዋእቲ ነቶም ዘምልኽዎም ኣምልኽቲ የቕርቡ’ሞ እቲ ስጋ ኣብ እዋን በዓል ተኣኪቡ ብሓባር ኮይኖም ይበልዕዎ።

እዚ ኣገባብ ክሳብ ሕጂ ብብዙሓት ይሰዓብ ከምዘሎ’ውን ዶክተር ኩሻል ባራን ቻርኮኢበት ይሕብር።

እንተኾነ ኣብዚ ዘመናዊ እዋን ብፍላይ ኣብ ህንዲ እዚ እንስሳ ከም መስዋእቲ ምቕራብ እናተረፈ ይኸይድ ከምዘሎ ዶክተር ሮሂኒ ዝተብሃለት ተመራማሪት ሃይማኖት ትጠቅስ።

ኣብ ህንዲ ብዙሓት ብወለንተኦም እንስሳ ከም መስዋእቲ ምቕራብ ይሓድግዎ ኣለዉ፡ ጎኑ ጎኒ’ውን ብዙሓት ተጣበቅቲ እንስሳ ንመስዋእቲ ብሽም ሃይማኖት እንስሳታት ምሕራድ ክግደፍ ከምዘለዎ ይጉስጉሱ’ዮም።

ሲሪላንካን ኔፓልን ተኸተልቲ ሂንዱ እንስሳታት ንመስዋእቲ ከየቕርቡ ብወግዒ ከልኪለን’የን፡ ግን ምሉእ ንምሉእ ተቋሪጹ’ዩ ክብሃል ኣይክኣልን’ዩ።