ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንላዕለዋይ ልኡኽ ግብጺ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር በድርን

ምንጪ ስእሊ, @shabait

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር በድር ዓብዱልዓጢ ንዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ሪፓብሊክ ግብጺ፡ ሎሚ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣስመራ ተቐቢሉ ከምዘዘራረቦ ኣገልግሎት ዜና ሻባይት ኣቃሊሑ።

እቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ዝግበር፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያት፡ ጉዳይ ሱዳን፡ ሶማልያን ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ዝግበር ርክባት ምምኽኻር ከምዝዀነን ክልቲኦም ሰበስልጣን ኣብዚ ጉዳያት “ብዕምቈት ዘትዮም” ክብል ሻባይት ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሱዳን ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን ብዘካይድዎ ዘለዉ ከቢድ ኲናት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊን ፖለቲካውን ቅልውላው ሰጢማ ከምዘላ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ክውሰዱ ዝጸንሑ ተበግሶታት ዛጊት ዝዀነ ፍታሕ ከምጽዑ ኣይከኣሉን።

ሶማልያ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊ-ላንድን ዝኣተዋኦ ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣጥ ትርከብ ዘላ ኰይና፡ ግብጺ ኣብ ዝዀነ ይዅን ጉዳይ ልኡላውነት ሶማልያ ኣብ ጐድና ደው ከምእትብል ገሊጻ እያ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ምስ ምውፋር ወተሃደራዊ ሓይሊ ግብጺ ናብ ሶማልያ እውን እቲ ኵነታት ዝያዳ ዓሪጕ ናበይ ክመርሕ እዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር በድር ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ እቲ ሚኒስተር፡ ግብጺ ኣብዚ ዞባ ዝዀነ ናይ ምትእትታው ኰነ ጸጥታ ናይ ምዝራግ ኣጀንዳ ከምዘይብላ ብምግላጽ፡ “ብገለ ወገናት ዝወሃብ መግለጺታትን ዝቐርብ ክስታትን” ነጺጕ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ የመልክት።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኣየነይቲ ሃገር ምዃኑ ከየነጸረ፡ ኣብ ኣጋጣሚ እቲ” ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸብረ በዓል ልኡላውነት እታ ሃገር፡ “ክወረና ዝሓስብ ኣቐዲሙ 10 ግዜ ክሓስብ ኣለዎ” ክብል ነቲ ህሉው ኣዋጣሪ ኵነታት ኣመልኪቱ መዲሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኢትዮጵያን ግብጺን፡ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ምስ ጉዳይ ማይ ኣባይ ዝተኣሳሰር ቅሩቅስ ከምዘለወን ይፍለጥ።

ኤርትራ ምስ ሶማልያ ዘለዋ ነዊሕ ዝምድና ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስልጠናን ምሕያል ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣብ ትተሓጋገዝ ኣብ ርእሲ ምህልዋ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ብፍላይ ድሕሪቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ብተደጋጋሚ ክራኸቡ ተራእዮም እዮም።

ማያት ዞባ ቀይሕ ባሕሪን መጻብቦ ባብ-ኤል መንደብን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ናይ እስራኤልን ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ንግዲ ብዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕቲታት ኣብ ጸጥታዊ ሓደጋ ወዲቝ ከምዘሎ ይፍለጥ።