ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ንግደት ሓጅ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 1300 በጺሖም

ተጓዓዝቲ ሓጅ ኣብ መካ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብዚ ዓመት ስነስርዓት ሓጅ ንምፍጻም ናብ መካ ስዑድ ዓረብ ካብ ዝገሹ ኣመንቲ ምስልምና፡ ብውሑዱ 1301 ከምዝሞቱ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።

ጠንቂ ሞት መብዛሕትኦም ድማ ኣብቲ ብርቱዕ ዋዒ ዝተመዝገቦ ስርዓተ-ሓጅ እዚ ዓመት፡ ነዊሕ ርሕቀት ብእግሮም ምጕዓዝ ኰይኑ፡ ዝበዝሑ ፍቓድ ዘይነበሮምን ምዃኖም'ውን ወሲኻ ሓቢራ።

ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ኣብ እዋን ከቢድ ሙቐት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ሓድሓደ ግዜ ልዕሊ 50C (122F) ይበፅሕ ነይሩ።

ገለ ካብቶም ዝሞቱ ኣረጋውያን ወይ ሕዱር ሕማም ከምዝነበሮም ትካል ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጥዕና ፋህድ ኣልጀላጀል፡ ገያሾ፡ ብዛዕባ ሓደጋታት ጸቕጢ ሙቐትን ነዚ ብኸመይ ክፃወርዎ ከምዝኽእሉን ንቕሓት ንምዕባይ ጻዕርታት ከምዝተገብረ ገሊጹ።

ትካላት ጥዕና፡ ልዕሊ 140 ሽሕ ፍቓድ ዘይነበሮም ሓዊሱ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን በጻሕቲ ከምዝሓከማን፡ ገሊኦም ድማ ገና ብሰንኪ ድኻም ሙቐት ኣብ ሆስፒታል ከምዘለዉ ሓቢሩ።

መብዛሕትኦም፡ ብሰንኪ ዋዒ ከምዝሞቱ ማዕከን ዜና ኤጀንስ ፍራንስ ፕረስ (AFP) ንዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ብዙሓት ካብቶም ዝሞቱ ኣፍሪቃውያን ኰይኖም፡ ብውሕዱ 323 ግብጻውያን ምዃኖም ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ዓረብ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም ነይሮም።

ብዙሓት እስልምና ሰዓብቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ንግደት ሓጂ ዝገሹ ዀይኖም፡ ዛጊድ ካብቶም ዝሞቱ ሓሙሽተ ከምዝርከብዎም ፀብፃባት ይሕብሩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ’ቲ ዝሞቱ ሰባት መብርሂ ንምርካብ ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ከዘራርብ ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ ዛጊት መልሲ ኣይረኸበን።

ብድምር ኣብዚ ዓመት 1.6 ሚልዮን ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሃይማኖታዊ ገያሾ ከምዝተሳተፉ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ይሕብሩ።

2700 ሰባት ምስ ሙቐት ዝተሓሓዝ ድኻም ኣጋጢምዎም ከምዝተመዝገቡ ተገሊፁ ነይሩ።

ኣብ መካ ኣብ ዝርከብ ዓቢ መስጊድ ዝተመዝገበ ሙቐት ክሳብ 51.8 ዲግሪ ሰሊሽየስ ከም ዝበጽሐ ጸብጻብ ቴሌቪዥን ስዑዲ ዓረብ የመልክት።

እዚ ኣብ ህይወት ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ስርዓት ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ኣዕኑድ እስልምና እዩ።

ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ተኸታሊ እቲ እምነት እንተወሓደ ኣብ ዕድሚኡ ሓደ ግዜ ነዚ ጉዕዞ ክገብሮ ኣለዎ።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኸዱ ሃይማኖታዊ ተጓዓዝቲ

ቆንስል ጅዳ ዓብደላ ዳዳስ ሞት ሓሙሽተ ሞሮካውያን ሃይማኖታውያን ገያሾ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቶም ዝሞቱ እውን "ከም ሕማም ሽኮርን ልዑል ጸቕጢ ደምን ዝበሉ ሕዱር ሕማማት" ከምዝነበሮም ብምግላጽ ሰለስተ ሰባት ኣብ ክፍሊ ሆቴሎም ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

ኣስታት 34 ሽሕ ዜጋታቶም ነዚ ቅዱስ ጉዕዞ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኸዱ ሰብመዚ ሞሮኮ ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ዋና ቆንስል ሪፓብሊክ ቱኒዝያ፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ሓጅ ዝሞቱ 23 ቱኒዝያውያን ገያሾ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣውጺኡ።

ብዘይካ’ዚ ዋና ኣተሓባባሪ ልኡኽ ጥዕና ቱኒዝያውያን ተጓዓዝቲ፡ ደሃይ ናይ ገሊኦም ካብ ዜጋታት ሃገሩ ክረክብ ከምዝተጸገመን ኣብ ሆስፒታላት እንተሃልዮም ንምርግጋጽ ይጽዕር ከምዘሎን ኣፍሊጡ’ሎ።

ብቀዳም እውን ፕረዚደንት ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ቱኒዝያ ኣቶ ሙስጠፋ ዓብደል ከቢር፡ ካብ ከባቢ ቤን ጉርዳነ ዝመጹ ሓሙሽተ ሰባት ኣብቲ ቅዱሳት ቦታ ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ዓመት ኣስታት 11 ሽሕን 227 ቱኒዝያውያን ናብ መካ ተጓዒዞም።

ካብ ግዳያት ሙቐት ኣብ ስዑዲ ዓረብ

ሚኒስትሪ ውህደት ኣፍሪቃን ጉዳያት ወጻእን ሰኔጋል ብወገኑ ሰለስተ ዜጋታት ሃገሩ ከምዝሞቱ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።

መንግስቲ ሰኔጋል፡ እቶም ዝሞቱ ሃይማኖታዊ ተጓዓዝቲ "ብመሰረት ልምዲ ኣስላም" ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብምርድዳእ ኣብቲ ቦታ ንኽቕበሩ ኩሉ ምድላዋት ክገብር ንኣብ ጅዳ ዝርከብ ዋና ቆንስላ ሃገሩ መምርሒ ምሃቡ ተፈሊጡ።

እቶም ሞይቶም ዘለዉ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓጅ ካብ ዝተሳተፉ 12,860 ሰኔጋላውያን እዮም ነይሮም።

ክልተ ናይጀርያውያን ገያሾ እውን ከምዝሞቱ ይግመት።

ማዕበል ሙቐት

ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ ዝሞቱ ሰባት ቁጽሪ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሓጅ ዝተመዝገበ 240 ሞት ዝወሰኸ’ዩ።

ሚኒስተር ጥዕና ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ኣጋይሽ ግድን እንተዘይኮይኑ ኣብ ኣዝዩ ዋዒ ዘለዎ ሰዓታት ክወጹ ከምዘይብሎም ወይ ጽላል ክጥቀሙ ከምዘለዎም" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

"ንዝቕጽሉ መዓልታት እንህቦ መምርሒታት ጥዕና ንጹርን ቀሊልን'ዩ። ጽላል ሒዝካ ምኻድ፤ ማይ ብቐጻሊ ምስታይን ንጸሓይ ካብ ምቅላዕ ምውጋድን'ዩ" ይብል።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጓዓዝቲ ብሰንኪ ዋጋ ወግዓዊ ቪዛታት፡ ብዘይስሩዕ መንገዲ ከይዶም ሓጅ ክፍጽሙ ይፍትኑ።

እዞም ብዘይስሩዕ መገዲ ዝኸዱ ሰባት ከኣ ናብቲ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዘዳለዎ መዝሓሊ ኣየር ዘለዎ ቦታታት ክኣትዉ ስለዘይክእሉ ንሓደጋ ብርቱዕ ሙቐት ብዝያዳ ተቓላዕቲ ኮይኖም ይርከቡ።

ኣብዚ ዓመት ብዙሓት ብስሩዕ መገዲ ዘይተመዝገቡ ግብጻውያን መግቢን ማይን ብዘይምሓዞም ወይ መዝሓሊ ኣየር ዝረኽቡሉ ኩነታት ብዘይምህላዉ ቁጽሪ ሞት ብዓቢኡ ከምዝወሰኸ ይግለጽ።

"ኣብ ቅድስቲ ምድሪ ምሟት ፍሉይ ዕድል እዩ። ኣዝማድ መወትቲ እውን እንተኾኑ ድሕሪ ሞት ዝፈትውዎ ሰብ ሓዘን እኳ እንተተሰምዖም ነቲ ቃንዛ ‘በረኸት ኣላህ እዩ’ ብዝብል እምነት ይቕበልዎ" ክብል ምሁር ኢስላም ዑመር ሃሩና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ገለ ስድራቤታት ሬሳታት ዝፈትውዎም ሰባት ናብ ሃገሮም ክመልስዎ እኳ እንተመረጹ፡ መብዛሕትኦን ግን ኣብ ጥቓ እቶም ቅዱሳት ቦታታት ኣብ ዝርከብ መቓብር ክቐብርዎም ይመርጹ።