ኤርትራ፡ ኵነታት ቍጠባ ኤርትራ፡ ሰላሳ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት

ገንዘብ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ኣብ ግንቦት 1991 መበል 52 ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ምስተወልደት ዜጋታታን ጉዕዞ ናጽነታ ብቐረባ ዝከታተሉ ዝነበሩ መሓዙት ሰውራን፡ "ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ቁጠባዊ ዕቤት ብምምዝጋብ ሞዴል ከባቢኣ ክትከውን እያ" ዝብል ትጽቢትን እምንቶን ነይሩዎም።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ከኣ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ " ንኤርትራ ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና" ክብሉ ንራኢኦም ዘንጸባርቕ መደረታት ይህቡ ነይሮም።

ሕጂ ድሕሪ 30 ዓመት ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ? እቲ ዝነበረ ትጽቢትን ክውንነትን ኣብ ከመይ ይርከብ? ቢቢሲ ትግርኛ ንኪኢላታት ቁጠባ፡ ኣብ ፐንሲልቨንያ ዩኒቨርሲቲ (ሕ.መ.ኣ.) ኣብ ዓውድታት መጽናዕትታት ኣፍሪቃን ፖለቲካዊ ሳይንስን ዝነጥፍ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስትኣብ፡ ከምኡ እውን ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ፕሮፌሰር ጉዳይ ስደትን ምዕባለን ጋይም ክብረኣብ ኣዘራሪቡ ኣሎ - እዚ ዓንቀጽ ክድህስሶ እዩ።

ቁጠባዊ ማክሮ ፖሊሲ ኤርትራ

እቲ ኣብ 1994 ዝጸደቐ ማክሮ ፖሊሲ ቁጠባ ኤርትራ፡ እታ ሃገር፡ ኣብ ሕርሻ ኢንዱስትሪ፡ ዓሳን ዕደና ጨውን፡ ትሕተ ቕርጺ፡ ወደባት፡ ፖስጣን ቴሌኮሚኒኬሽንን፡ ጸዓትን ማይን፡ ትምህርቲ፡ ጥዕናን ካልእ ጽላትን ዝምልከት እትኽተሎ መገዲ ዘነጽር ፖሊሲ ሓንጺጹ ብቅዱስ መንፈስን ሓሳብን'ዩ ንስራሕ ተበጊሱ።

ኣብ መእተዊ እቲ ሰነድ ከኣ፡ "ኤርትራ፡ ካብ ሓሙዅሽቲ ውግእን ጥፍኣትን፡ ግጭትን ዕንወትን፡ መግዛእትን ጭቈናን ተንሲኣ፡ ናብ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ብልጽግናን ፡ ምዕባለን ዲሞክራስን ትኣቱ ኣላ። እዚ ብኸቢድ ዋጋ ዝተረኽበ ነጻነት፡ ሰላምን ርግኣትን፡ ድልዱል ሃገራዊ ሓድነት፡ ቅልጡፍ ዲሞክራስያዊ ለውጥን ግዳማዊ ርክባትን የርሑ ኣሎ። ነቲ ኣብ ኲናት ዝወደቐን ዝተረመሰን ቊጠባ ከኣ ብነብሰ ምርኮሳ ናብ ዝልለ ዘበናዊ ዕቤት ንምቕያር ሓያል ጻዕሪ ይግበር ኣሎ" ዝብል ደራኺ መንፈስ ስራሕ ይርከቦ።

ፕሮፌሰር ኪዳነ መንግስትኣብ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብብሕታዊ-ዋኒን ዝምራሕ፡ ኣብ ወፍርን ሰደድን ርእሰ-ምርኰሳን ዲሞክራስን ዝተመርኰሰ ቍጠባዊ ፖሊሲ ከምዝሓንጸጸ ብምዝካር፡ ቁጠባዊ ዕቤት ብዘይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክረጋገጽ ቀሊል ከምዘይኮነ የረድእ።

"መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ብሰለስተ ግንባር ዝነቐለ ቁጠባዊ ጉዕዞ፡ ቁጠባ ህግደፍ፡ ቁጠባ መንግስቲ፡ ቁጠባዊ ብሕታዊ ጽላት፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ብዘይብሉ መገዲ ኢዱ ከእትወሉ ስለዝጀመረ ከይተበገሰ እዩ ተዓንቂፉ" ይብል።

ብሰንኪ እቲ ዝተሓዋወሰ ኣሰራርሓ፡ ህዝቢ፡ ነቲ ንብረት መንግስቲ ካብ ንብረት ግንባር ፈልዩ ክርእዮ ከምዘይከኣለን ይዛረብ። ንኣብነት ከኣ ይብል ፕሮፈሰር መንግስትኣብ ኪዳነ፡ "ህዝቢ ንዕደና ሃገር መንግስቲ ድዩ ዝውንኖ ወይስ ግንባር ኣፍልጦ የብሉን" ብምባል እቲ ምትሕውዋስ ስርዓተ ቁጠባ ዝርብርቕርቕ ከምዝበለ ይሕብር።

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ እውን ካብቲ ሓሳብ ኣይርሕቅን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብኸቢድ ዋጋ ዝረኸቦ ናጽነቱ ክዕቅብ ካብ ምሕላን፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ምሕደራ ንዝገብሮ ዝነበረ ርኡይ ጌጋታት፡ "ተመኩሮ ክሳብ ዘጥርዩ እዮም - ስለዝስ ግዜ ንሃቦም" ኢሉ ልቢ ብምዕባይ ኣብ እዋኑ ነቲ ኣካይዳ ክእርሞን መስመር ከትሕዞን ስለዘይከኣለ እዩ ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ምዕባለ ንድሕሪት ተጎቲቱ ይብል።

ከምኡ ኮይኑ እውን ከብቅዕ፡ ብዙሓት ኣብ ወፍሪ ክሳተፉን ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ጽልዋ ክፈጥሩን ድላይ ዝነበሮም ዜጋታት ፍልጠትን ገንዘብን ሒዞም ካብ ስደት ናብ ሃገር ኣትዮም እኳ እንተነበሩ፡ እቲ ብሕታዊ ክፋል ቁጠባ፡ ነቲ ግቡእ ሕጋዊ ግብሪ ዘይከፍል ናይ ግንባር ቁጠባ ክወዳደሮ ስለዘይከኣለ በብቑሩብ ከምዝወደቐ የረድእ።

ተስፋን ጽልግልግን፡ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ፡ ቅድሚ ኩናት ዶባት

ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ኪዳነ፡ እቲ ናይ መንግስቲ፡ ናይ ህግደፍን ብሕታዊ ጽላትን ሰለስተ ዝግንባሩ ቅርጺ፡ መን እንታይ ከም ዝውንን ስለዘይፈልጥን ግቡእ ምቁጽጻር ስለዘይግበርን ንብልሽውና ምቹእ ምዃኑ፤ እቲ ቁጠባዊ ትካል ህግደፍ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ህንጻ፡ ኣብ መጓዓዝያ፡ ኣብ መሰረታዊ ሸቐጣ ሸቐጥ፡ ኣብ ምእታውን ሰደድን ሃለኽቲ ኣቑሑ ከይተረፈ ስዝዋሳእ ንመስመራት ቍጠባ ተቖጻጺሩ ንነጋዶ ዕድል ስለዝነፈጎም እቲ ገዚፍ ጾር ቁጠባ እታ ሃገር ክስከም ዝግበኦ ዝነበረ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ከምቲ ዝግበኦ ክስጉም ኣይከኣለን።

"መንግስትን ግንባርን ብሊቸንሳን መቈጻጸሪ መካኒዝምን ተሻሪኾም ንናይ ሸርፊ ወጻእን ለቓሕ ተቖጻጺሮም ንንጥፈት ብሕቲ ኣዳኺሞሞ። ኣብ ረእሲኡ መንእሰይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለ ዝተጸምደ፡ ብሕርሻን ሽቕለትን ዝነባበር ስድራ ቤታት ኤርትራ፡ ዓያይ ጉልበት ስኢኑ ቁጠብኡ ወዲቑ" ክብል ብኣብነት የረድእ።

ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ ግን ኩሉ'ቲ ኣብ ወፍርን ንግድን ዝሳተፍ ዝነበረ በዓል ሃብትን ንዋትን ኤርትራዊ፡ ምስ ኩሉ'ቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ምምሕዳራዊ ጸገማት በብዓቕሙ ፋሕተርተር ይብል ስለዝነበረ፡ ኣብቲ ቀዳሞት ሓሙሽተ ዓመታት ናጽነት፡ ቁጠባ ኤርትራ ናይ ትንሳአ ተስፋ ከምዝነበሮን፡ ኣብ 1996 ቤት ምኽሪ ንግዲ ኤርትራ፡ ክሳብ 6.7 ሚእታዊት ዕቤት ከም ዘመዝገበ ይዝክር ፕሮፌሰር ጋይም።

ኣብ ምኒስትሪ ፋይናንስ ሓላፊ ክፍሊ ዝነበረ ቁጠባዊ ኪኢላ ክብሮም ዳፍላ፡ ምስ ወፍርን ቁጠባን ብዝምልከት ምስ ማዕከናት ሚድያ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ንኣብነት፡ ኣብታ ንሱ ኣብ ሓደ እዋን ዘመሓድራ ዝነበረ "ትካል ሸርፍን ሓዋላን ሂምቦል" ጥራሕ ኣብ ዓመት ክሳብ 80 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ይሽረፍ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ንግድ ዝነጥፋ ካልኦት 29 ናይ ወጻኢ ባጤራ ከሽርፋ ፍቓድ ንግድ ዝተዋህበን ትካላት ነይረን። ኩሉ እቲ ኣብ ግዳም ዝነበረ ዋላ እውን ውሑድ ዓቕሚ ዝነበሮ ህዝቢ፡ " ኣብ ሃገረይ ገለ ነገር ክገብር ይኽእል እየ። ንነብሰይ ተጠቒመ ንሃገረይ ከማዕብል እየ" ዝብል ስምዒትን ድፍኢትን ግን ንቑጠባ እታ ሃገር ኣበራቢሩዎ ምንባሩ ይዛረብ።

ገንዘብ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ኩናት ዶባትን ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ወጥርን

እንተኾነ እቲ ብምምሕዳራዊ ጸቕጥታትን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ንግዲ ህግደፍ ዝወሃብ ዝነበረ ኢፍትሓዊ ሕድገት ግብርን ቀረጽን እናተጸቕጠ ፈንጠርጠር ክብል ዝጸንሐ ብሕታዊ ጽላት ቁጠባ ተደቚሱ። እቲ ክሳብ ሽዑ ብሓለፋ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ፡ እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ቁጠባ ግንባርን መንግስትን ብኩናት ዶባት 1998-2000 ተመጽዩ ተረሚሱ።

እቲ ሽዑ 19ሽሕ መንእሰያት ዝቐዘፈ ዘሕዝን ኵናትን ድሕሪኡ ንኣስታት 18 ዓመታት ዝቐጸለ ወጥሪ ዶባት ንመላእ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር በብዕድመኡ፡ ኣብ መሳርዕ ሰራዊት ስለዝጸመዶ፡ እቲ ኣብ ምብጋሱ ብሓናቒ ፖሊሲ ተቐይዱ ፈንጠርጠር ዝብል ዝነበረ ቁጠባ ብኵናት ተሓኒቑ ደው ከምዝበለ ፕሮፌሰር ጋይም ይዛረብ።

"ኣብ ኤርትራ ንሃገራዊ ባጀት ዝምልከት ኮነ ሃገራዊ ቁጠባዊ ጸብጻብ ስለዘይወሃብ ኣብቲ ኩናት ክንዸይ ዝኣክል ቁጠባዊ ዕንወት ከምዝበጽሐ እኳ እንተዘይተነግረ፡ እቲ ዝርካቡ ተዓቚሩ ዝነበረ ሃብቲ ከምዝባኸነ ርዱእ እዩ" ክብል ኩናትን ወጥርን ዶባትን ነቲ ህዝቢ ኣዝዩ ከምዝሃሰዮ ይገልጽ።

ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ግን " ቅድም ልዑላውነት ሃገር ክዕቀብን ክወሓስን ስለዘዎ፡ ሃገር ከየውሓስና ሰራዊት ከነጣይስ ይኹን ብዛዕባ ውሽጣዊ ጉዳያትና ክንዛረብ ግዜኡ ኣይኮነን" እናበሉ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስትኣብ
መግለጺ ስእሊ, ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስትኣብ

ፕሮፌሰር መንግስተኣብ ብወገኑ፡ እቲ ቅርጺ ቍጠባ መንግስቲ፡ ንብሕታዊ ዋኒናት ጥራሕ ዘይኮነ ንዅሉ ገጻት ዋኒን ብሒቱ፡ ንመስርሕ ዲሞክራስያውነት'ውን ከምዝዓገቶ ይዛረብ።

"እቲ ግንባር ናይ ባዕሉ ሓይሊ ቍጠባ ስለ ዝደለበ ምስ ህዝቢ ዘተኣሳስሮ ገንዘባዊ መትርባት ስለዘይብሉ…. ዛጊት ንጠለብ ህዝቢ ምላሽ ኣይሃበሉን። ህዝቢ ኸኣ ናይ ምድማጽ ዕድል ስለ ዘይብሉ ብድምጹ ተቓውሞኡ ከስምዕ ዕድል የብሉን" ክብል የብርህ።

ኣብ ዲሞክራስያውን ስርዓታት፡ ሰልፍታት ብወፈያ ኣባላተን እየን ዝንቀሳቐሳ። ኣብ ኤርትራ ግን ቅዋማዊ መንግስቲ ስለዘይተተኽለ፡ እቲ ሓደን ብሕታውን ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ህግደፍ እዩ ንንብረት እታ ሃገር ዘመሓድር። ሓደ ካብቲ ቁጠባ ሃገር ዘይሰጎመሉ ምኽንያት ከኣ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ፖለቲካዊ ስለዘይተኣታተወ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ጋይም።

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

ምንጪ ስእሊ, GAIM

መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ

እገዳን ሳዕቤናቱን ኣብ ቁጠባ ኤርትራ

ኤርትራ፡ ኣብ 2009 ምስ ሶማል ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ብቑጽሪ 1907፡ ኣብ 2011 ከኣ ምስ ጂቡቲ ብዝነበራ ምስሕሓብ ብቑጽሪ 2023፡ ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዕድጊ ኣጽዋርን፡ ሕሳብ ባንኪ ውሱናት ሰባትን ዝእግድ ማዕቀብ ተገይሩላ። እቲ እገዳ ኣብ ፈሉይ ነገራት ዘነጻጸረ እኳ እንተነበረ ንሓፈሻዊ ቁጠባዊ ወፍሪ ብተዘዋዋሪ ሃስዩዎ ክኸውን ከምዝኽእል ፕሮፌሰር ጋይም ይገልጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ እገዳ ዝሓለፉ እዋን ' ኣብ ባይታ ዘየሎ ነገር ኣሳዊርካ ንቑጠባ ኤርትራ ምድኻምን … ንምንጻልን ዝተወስደ፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኣሜሪካ፡: ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ግጭት ኣሳዊሮም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ዝፈብረኹዎምን ዝሓለለኹዎን እዩ" ክብል ቅሬትኡ ኣስሚዑ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ጸግዒ ከምዝወሰደ ዝንገረሉ ማዕቀብ፡ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ምኽታሙ ብብ14 ሕዳር 2019 ብምሉእ ድምጺ ተላዒሉ።

ምስቲ ዕርቀ ሰላም እቲ ን20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ ዶባት ምስተኸፍተ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ተበራቢሩ፡ ዝተጋነነ ዋጋ ዝጸንሖ ሃለኽቲ ኣቑሑ ብፍላይ ከአ እኽልን ጥረ ምረን ብዝምልከት ኣዝዩ ስለዝጎደለ ህዝቢ ተስፋ ገይሩ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ዶባት ምኽንያቱ ብወግዒ ብዘይተነግረ ምኽንያት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ተዓጽዩ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ዳርጋ ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ይሕብሩ።

እንዳ ዓለባ

ምድራት ምንቅስቓስ ባጤራ ናቕፋ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2015 ዘይሕጋዊ ናህሪ ሸርፍን ዝቕባበን ንምቁጽጻር፡ ባጤራ ናቕፋ ብምቕያር ንኹሉ ኣብ ኢድ ህዝብን ነጋዶን ዝጸንሐ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ድሕሪ ምኽዛን እቲ ዕብይ ዕብይ ዝበለ ንግዳዊ ልውውጥ ብባንክ ከምዝኸውን ብምእዛዝ ሰባት ካብ 5ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ካብ ባንክ ከየውጽኡ ዝግድብ ሕጊ ኣተኣታትዩ ይሰርሓሉ ስለዘሎ፡ እዚ እውን ነቲ ቑጠባ ኣሲሩ የዳኽሞ ከምዘሎ ፕሮፌሰር ጋይም የረድእ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዕደናን ዳህሳስን ብዙሕ ንጥፈታት የሰላስል እኳ እንተሎ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ለውጢ ከምዘይመጽአ ዝዛረብ ፕሮፌሰር ጋይም፡ " ክሳብ ሕጂ ብታሪኽ ከምዝተራእየ፡ ጽኑዕ መንግስታዊ ቁጽጽር ኣብ ዘለዎ ምሕደራ ቁጠባ ክበራበርን ክዓብን ኣይክእልን እዩ" ይብል።

ዕደና ቢሻ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ትጽቢትን ክውንነትን ዜጋታት ኣብ ቁጠባን ደሞክራስን

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንናጽነት ዝቃለስ ዝነበረ ውድባት ብፍላይ ከኣ ነዚ ናጽነት ኣረጋጊጹ መንግስቲ መስሪቱ ን30 ዓመታት ዝመርሐ ውድብ ብኹሉ ዝኽእሎ ስለዝሓገዞ እዩ ተዓዊቱ ዝብል ፕሮፌሰር መንግስትኣብ ኪዳነ፡ ከም ኣዴታት ዓዲ ጣልያን ዝኣመሰላ ኣብ ፈቐድኡ ተሰዲደን ዝነበራ ኣዴታት ልዑል ቁጠባውን ሞራላውን ደገፍ ከምዝገበራ ይዝክር።

ኣብ ኩናት ዶባት 1998-2000 እውን ብዙሕ ህዝቢ ልዑላውነት ሃገር ንምውሓስ ቦንድ ብምግዛእን ጥረ ገንዘብ ብምኽፋልን ዘዝኽሎ ኣወፍዩ። ብፍላይ ኣዴታት " ሃገረይ ስልማተይ" ብምባል ስልማተን ቀንጢጠን ኣበርኪተን። ካብ ኵናት ግን መኽሰብ ኣይተረኽበን። እቲ ኵናት ድሕሪ ምዝዛሙ ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ኣይተኣታተወን በንጻሩ እኳ ደኣ ነቶም ለውጢ ዝሓተቱ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ጋዜጠኛታት ብሕትን ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ሸላታት ዒላዒሮ ተኣሲሮም ተሰዊሮም ኣለው። እዚ ከኣ ንኹሉ ህይወት እታ ሃገር ብቐንዱ ከኣ ንቑጠባ እዩ ዝርምሶ ይብል ፕሮፌሰር መንግስትኣብ።

"ፖለቲካዊ ምትዕርራይ እንተዘይተገይሩ ከኣ ቁጠባዊ ሕውየት ዘይሕሰብ እዩ" ክብል ይምልእ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ ትጽቢትን ክውንነትን ክጋጠም እንተኾይኑ መትከላት ቁጠባዊ ማክሮ ፖሊሲን ሃገራዊ ቻርተርን ተመሊስካ ምርኣይ ከድሊ እዩ ኸኣ ይብል።