Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሓለቕቲ ትካላት ንግዱድ ምግዓዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ይቃወሙ


ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ማይ ዓይኒ መዓስከር ስደተኛታት- ፋይል
ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ማይ ዓይኒ መዓስከር ስደተኛታት- ፋይል

ኣብ ኣዲስ-ኣበባን ከባቢታትን ዝነበሩ ልዕሊ 100 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጃምላ ተገፊፎምን ብዘይ ድሌቶም ናብ ርሑቕ መዓስከራት ክልል ኣምሓራ ምግዓዞም ኣዝዩ ኣሻቓሊ’ዩ ክብል ዓለምለኸ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል (Refugees International) ገሊጹ። እቲ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቕ ዓለምለኸ ትካል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓለማዊ ስምምዓት ከተግብርን ነቲ ስራሕ ደው ከብሎን ጸዊዑ ኣሎ።

ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ብምጥሓስ ይኽሰሱ። ዓብዱላሂ ሃላከ ኣብ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ላዕለዋይ ተጣባቒ ኣብ ዞባ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ’ዩ። ንሱ ከም ዝብሎ፤ “ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ፡ ኣብዛ ሃገር ክነብሩ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገፊፉን ብኣውቶቡሳት ገይሩን ናብ ክልል ኣምሓራ ኣግዒዙዎም ኣሎ። እቲ ግዒዞምሉ ዘለዉ ከባቢ ድማ ውሑስ ቦታ ኣይኰነን።”

ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ክልል ትግራይን ምፍራስ መዕቆቢ መዓስከራት ስደተኛታትን እቶም ኣስታት 20-ሽሕ ኣብቲ መዓስከራት ተሓቚፎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ቀንዲ ግዳያት ዝዀኑ’ዮም።

ካብ ክልል ትግራይ ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ብተናጸልን ዘይውሑስ መገዲን ንድሕነቶም ክብሉ ናብ ኣዲስ-ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ክመጹ ጸኒሖምን ኣለዉን። ከም ሓበሬታ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል፡ እቶም ስደተኛታት ካብ ትግራይ ምስ ወጽኡ’ውን ተጣባቒ ኣካል የብሎምን።

ካብ ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ሃላከ ምኽንያት ናይቲ ዝውስደ ዘሎ ስጕምቲ ክገልጽ እንከሎ፤ “እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም፡ ንሃገሮም ዘይጽቡቕ ምስሊ ስለ ዝህቡ፡ ብመንግስቶም ይህደኑ ኣለዉ። ብወገን ኢትዮጵያ ዘለዉ በበይኖም ሓይልታት ድማ ግዳያት’ዮም። ብስንኪ’ዚ ድማ ኣደዳ ምጕስቓል፡ መቕተልቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ኰይኖም ኣለዉ።”

ዝሓለፈ ዓመት ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች እዞም ስደተኛታት ብበብይኖም ኣካላት ከቢድ ጥሕሰት ከም ዘጓነፎም ጸብጺቡ ነይሩ።

ትካል ረፉጂስ ኢንተርናሽናል ድማ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ስደተኛታት ዝግበኦም ዋሕስ ክህቦምን ድሕነቶም ክሕሉን ይጽውዕ።

XS
SM
MD
LG