Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘሎ ግጭት ሃዲሞም ኣብ ኣል ፍሽቃ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ህጻናት ፡ ኣል ፍሽቃ ኣብ ምብራቓዊ ከሰላ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትርከብ ከተማ እያ
ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዘሎ ግጭት ሃዲሞም ኣብ ኣል ፍሽቃ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ህጻናት ፡ ኣል ፍሽቃ ኣብ ምብራቓዊ ከሰላ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትርከብ ከተማ እያ

ሓፈሻዊ መግለጺ ቅልውላው ክልል ትግራይ

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ቃልሲ ስልጣን ናብ ንቀርኒ ኣፍሪቃዘየረጋግእ ወታሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቀውስን ማዕቢሉ’ሎ

ሕዳር 4,2020: ህውሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ" ዝበሎ ስርሒት ኣንጻር መራሕቲ'ቲ ክልል ዝኾነ መሪሕነት ህውሓት ጀሚሩ። መራሕቲ ህውሓት ንግብረ መልሲ ፈደራል መንግስቲ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝዓለመ ኹናት'ዩ ክብሉ ይገልጹ ።

ይኹን ደአ እምበር ወጥሪ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህውሓት ካብ ሚያዝያ 2018, ምምዛዝ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ጀሚሩ ፈኸም ክብል ዝጸንሓ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኡ ምስ ጎረቤት ኤርትራ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሙ: ከም ምፍታሕ እሱራት: ምኽፋት ቁጠባን ከምኡ’ውን ንዝተፈላለየ ብሄራት’ታ ሃገር ዝሓቑፍ ሓደ ፓርቲ -ብልጽግና ፓርቲ መስሪቱ። እዚ ነቲ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ ዝጸንሕ ዓብላልነት መዝነት ህውሓት ዘዳኽም’ዩ ኔሩ።

ንፖለቲካዊ ናጽነት ማዕጾ ዝኸፈተ ለውጢ ንዓሌት መሰረት ዝገበረ ግጭት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት’ታ ሃገር ክጉሃሃር’ ውን ጌሩ’ዩ። ሪፖርት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ 2020 ግጭት ኣብ ክልል ትግራይ ቕድሚ ምጅማሩ ኣስታት 1.2 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ይሕብር።

ግጭት ክልል ትግራይ ኣብ ቐዳማይ ወርሑ ጥራይ ህይወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምጥፍኡን ልዕሊ 1 ሚልዮን ድማ ካብ መነባብርኦም ምምዝባሉ ይግለጽ ኣሎ።

ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ንቀውሲ ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ መድረኻት ማለት ሬድዮ: ቴሌቭዥንን መርበብ ሓበሬታን የመሓላልፍዎ ኣለው።ንዋሕዚ ስደተኛታትን ምዝንባል ዜጋታትን ሸፈነ ምሃብ ድምጺኣሜሪካ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ: ንምዝርራብ: ንናጽነትን ዲሞክራሲን ብምድጋፍ ሰባት ምርኻብ ምስ ዝብል ተልእኾኡ ቀዳምነት ሂቡ ካብ ዝሰርሓሎም ጉዳያት እዮም።

ኢትዮጵያ-ክልል ትግራይ: ካብ ግጭት ናብ ሰብኣዊ ቅልውላው
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:39 0:00

ሓፈሻዊ መግለጺ ቅልውላው ክልል ትግራይ

ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ዝጸንሐ ቃልሲ ስልጣን ናብ ንቀርኒ ኣፍሪቃዘየረጋግእ ወታሃደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ቀውስን ማዕቢሉ’ሎ

መንገዲ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሱዳን

ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብደረጃ ብሄር ፡ ኣብ 2007 ዝተኻየደ ቆጸራ ዝተወስደ

ዝያዳ ሓበሬታ ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብዚ ምርካብ ይክኣል

ብዛዕባ ቅልውላው ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣብዚ ምርካብ ይክኣል

VOA News: ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ እንግሊዝ
VOA Amharic: ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣምሓርኛ
VOA Afaan-Oromoo: ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ

ዓምዲ አሳእል

XS
SM
MD
LG