Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዛዕባ- ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ

ድምጺ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ዜና ኮይኑ፡ ፈነውኡ ነቶም ውሱን ወይ’ውን ፍጹም ነጻ ፕረስ ዘይብሎም ከባቢታት ብ45 ቋንቋታት የመሓላልፍ። ኣብ 1942 ዓ.ም ዝተመስረተ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ሰፊሕን ነጻን ሸፈነ ይህብ፡ ንሰማዕቲ ድማ ነታ ዘላ ሓቂ ይነግር።ድምጺ ኣሜሪካ አካል ናይ ኣሜሪካ ኤጄንሲ ዓለምለኻዊ ሜድያ ኮይኑ፡ ምሉእ ብምሉእ ብኣሜሪካውያን ከፈልቲ ግብሪ ዝምወል’ዩ።

ተልእኾን ዘይሻራዊነትን ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንጋዜጠኛታት ካብ ጽልዋ፡ ጸቕጢ፡ ሕነ ምፍዳይ መንግስታትን ፖለቲከኛታትን ዝከላከል ፡ውሕስነት ዝህቦ ሕጊ ኣለዎ።

ኣብ 1976 ፕረዚደንት ጀራልድ ፎርድ ክታሙ ዘንበረሉ ቻርተር ድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡-

1.ድምጺ ኣሜሪካ ቀጻልነት ዘለዎ ተኣማንነትን ኣብ ጭብጢ ዝሰረተን ምንጪ ዜና ኮይኑ ከገልግል’ዩ። ዜና ድምጺ ኣሜሪካ ቅኑዕ፡ ውድዓዊን ምሉእነት ዝሓዘን ይኸውን።

2. ድምጺ ኣሜሪካ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ዘይኮነ ንመላእ ኣሜሪካ ይውክል፡ ስለዝኾነ ድማ ንኣገዳስነት ኣሜሪካዊ ስነ ሓሳብን ትካላትን ዘበራትዕ ሚዛናዊነቱ ዝሓለወ ኩሉ ሓቆፍ ሓበሬታ የቕርብ።

3.ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንፖሊሲታት ኣሜሪካ ብንጹርን ብየቕርብ፡ ብተወሳኺ ነዚ ፖሊሲ ዝምልከት ዘተን ርእይቶታትን ብሓላፍነት የተአናግድ።

ኣብ 1994 ኮንግረስ ኣሜሪካ ፡ ዓንቀጽ ሕጊ ዓለምለኻዊ ፈነወ ኣሜሪካ ኣጽዲቑ። እዚ ሕጊ`ዚ፡ ስራሓት ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ፡ ንባህልን ማሕበራዊ ብዙሕነትን ኣሜሪካ ዘንጸባርቕ፡ ሓቀኛ፡ቅኑዕ፡ ውድዓዊ፡ ኩሉ ሓቆፍ ሚዛናዊነት ዝሓለወን ኮይኑ ክቐርብ ይሓትት።

ኣብ 2016፡ ባይቶ ኣሜሪካ፡ እንደገና ኣብ ዓንቀጽ-ሕጊ ሃገራዊ ምክልኻል`ውን ብምርግጋጽ፡ ምጽብጻብን ምዝርጋሕን ዜና ነጻን ውድዓዊን ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ ይብል ።

ጋዜጠኛታት ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ መትከላት ነጻ ፕረስ ንዓለም ኣብነት ኮይኖም ክቐርቡ ብዕቱብ ይሰርሑ።

ድምጺ ኣሜሪካ

ናጻ ፕረስ የግድስ’ዩ

XS
SM
MD
LG