ብዛዕባ ድዱዕ ዘይትፈልጥዎም ረብሓታት ክንነግረኩም

ብዙሓት ሰባት ምስ ዝርእዩ ጎይዮም’ዮም ዝጭፍልቕዋ

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሰባት ምስ ዝርእዩ ጎይዮም’ዮም ዝጭፍልቕዋ

ብዙሓት ሰባት ድዱዕ ምስ ዘይጽሩይ ክሽነታትን ሽቓቕን እዮም ዘተኣሳሰርዋ። ሃንደበት ኣብ ሰብነቶም ድዱዕ ክትከይድ ከላ ዘስካሕክሖም እውን ቁሩብ ኣይኰኑን።

ካብ ተራ ውልቀሰብ ክሳብ ተቖጻጸርቲ ባልዕን ነፍሳትን ብዛዕባ ድዱዕ ይግደሱ እዮም።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ድዱዕ ኣብ ጸረ-ነፍሳት፡ ሮቦታትን መካኒካዊ ኣካላትን ዝካየዱ ምርምራት ከም ዘነቓቕሐት መጽናዕትታት የመልክቱ።

መበቆላ ኣብ ኩባ ዝዀነት ደማቕ ቀጠልያ ድዱዕ ኣብ ሃቫና መብዛሕትኡ ግዜ ከም እንስሳ ዘቤት ትዕቀብ፤ ኣብ ዝጸንሑ ጽውጽዋያት ከይተረፈ ትለዓል’ያ።

ይኹን’ምበር ድዱዕ ብዙሕ ግዜ ድማ ከም ለባምን ጽብቕትን ፍጥረት ኣይትለዓልን፤ ምኽኑይ ዘይኰነ ሕማቕ ስም እውን ኣትሪፋ እያ።

ኣብ ዓለም ዝፍለጡ 4500 ዓይነታት ድዱዕ’ኳ እንተሃለዋ፡ ከም ባልዕ ዝቑጸራ ወይ ሕማም ዘላግባ ግን እተን ኣርባዕተ ጥራይ እየን።

መብዛሕትአን ዓይነታት ድዱዕ ኣብ ጥቓ ገዛውቲ ደቂ ሰባት ኣይነብራን፤ ዝሞተን ዝበስበሰን ነገራት ብምምጋብ ድማ ኣገዳሲ ስነ-ህይወታዊ ተራ ይፍጽማ።

ብዙሓት ሰባት ድዱዕ ምስ ዘይጽሩይ ክሽነታትን ሽቓቕን እዮም ዘተኣሳሰርዋ

ምንጪ ስእሊ, ALAMY

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሰባት ድዱዕ ምስ ዘይጽሩይ ክሽነታትን ሽቓቕን እዮም ዘተኣሳሰርዋ

ገለ ዓይነታት ድዱዕ ድሙቕ ሕብርታትን ቅርጽታትን ኣለወን።

ገሊአን ማሕበራዊ ኰይነን ሓባራዊ ውሳነታት ይወስዳ፤ ብዛዕባ መግብን መጽለልን እውን ሓበሬታ የመሓላልፉ።

ንበይነን ዝነብሩ ኣለዋ፡ ብጽምዲ ደቀን ብሓባር ዘዕብያ’ውን ኣለዋ።

ልዕሊ ዅሉ ድዱዕ ተጻዋርነት ኣለዋ፡ ንኣዋርሕ ብኣዝዩ ቁሩብ መግቢ ክትነብር ተኽእሎ ትኽእል እያ።

ዩብላቤረስ ፖስቲከስ ዝተበሃለት ድዱዕ፡ ኣብ ማይ ጥራይ ንሓደ ዓመት ክትነብር ትኽእል።

እታ ዓባይ ዓይነት ኣብ ኣውስትራልያ ትርከብ ሓሪሽ ድዱዕ እትበሃል እያ፤ ክብደታ 35 ግራም ኰይኑ፡ ንውሓት ድማ 8 ሴንቲ ሜተር ይበጽሕ።

ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ልሙድ ዝዀነት ድዱዕ ጀርመን እታ ዝነኣሰት እያ፤ ንውሓታ ኣስታት 1 ሴንቲ ሜተር ጥራይ እዩ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ኣብ ክንዲ ዝፍንፍንዋ፡ ከም ምንጪ ምትብባዕ እዮም ዝርእይዋ።

ኣብ ማዳጋስካር ጽማናምፐጾጻ ኣብ ዝተበሃለ ሃገራዊ ፓርክ እትርከብ ሓጻር ድዱዕ

ምንጪ ስእሊ, SCIENCE PHOTO LIBRARY

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማዳጋስካር ጽማናምፐጾጻ ኣብ ዝተበሃለ ሃገራዊ ፓርክ እትርከብ ሓጻር ድዱዕ

ኣብ 1999፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ በርክሊ ዝሰርሕ ፕሮፌሰር ሮበርት ፉል፡ ድዱዓት ዝንቀሳቐሳሉ ዝነበረ ኣገባብ፡ ካብ ዝዀነ ካልእ ብዝቐልጠፈን ብቐሊሉን ዝንቀሳቐስ ሽዱሽተ እግሪ ዘለዎ ሮቦት ንኽምህዝ ኣነቓቒሕዎ እዩ።

ንሱ፡ እተን ድዱዓት ዝነጥር ዝመስል ኣእጋረን ከምኡ’ውን ክቢ ቅርጺዘለዎ፡ ተዓጻጻፊን ብዝተኣሳሰሩ ቱቦታትን ጽላትን ዝቖመን ኣካላት ብኸመይ ኣብ ዝተሓላለኸ መሬት ክኸዳ ከም ዘኽእለን ይገልጽ።

ንቐጻሊ ወለዶ ደቂ ሰባት ዝኸውን ኣካላዊ እግሪ ዝነድፉ ተመራመርቲ'ውን ካብ ኣእጋር ድዱዓት ሓሳባት ይረኽቡ ኣለዉ።

መካኒካዊ ባህሪ ኣእጋረን፡ ሓድሽ መካኒካዊ ኢድ ሰብ ንምምሓዝ መሰረት ኰይኑ እዩ።

ናይዚ ዕላማ፡ ልክዕ ከም ኢድ ሰብ ድሌቱ ኣቕሓ ዘልዕል መካኒካዊ ኢድ ምፍራይ ምዃኑ ሓላፊ ላቦራቶሪ ባዮሮቦቲክስ ሃርቫርድ ሮበርት ዲ ሆው ይጠቅስ።

ድዱዕ ብዙሕ መጽናእትታት ንኽካየድ ኣነቓቒሓ’ያ

ምንጪ ስእሊ, CARLOS SANCHEZ TEXAS A&M UNIVERSITY

መግለጺ ስእሊ, ድዱዕ ብዙሕ መጽናእትታት ንኽካየድ ኣነቓቒሓ’ያ

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሮቦታዊ ድዱዕ ኣላ፤ እዚኣ ህያው ድዱዕን ኰይና ብመጥባሕቲ ኣብ ሕቖኣ ዝተቐመጠ ንእሽቶ ኮምፕዩተር እውን ኣለዋ።

እዛ ድዱዕ ናብ ከም ዝፈረሰ ህንጻታት ዝኣመሰሉ ንደቂ ሰባት ዘጸግሙ ቦታታት ብምብጻሕን ኣብኡ ድማ መረዳእታታት ብምእካብን ናብ ኮምፒተር መልእኽቲ ትልእኽ።

ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ሻንጋይ ጂያኦ ቶንግ፡ ብኣእምሮኦም ንድዱዕ ክቆጻጸርዎ ከምዝኽእሉ ኣርእዮም እዮም።

ንማዕበል ሓንጎል ደቂ ሰባት ናብ ኤሌክትሪካዊ ድርኺት ብምትርጓም፡ ናይ መቐበሊ ዝተገጠመላ ድዱዕ ናብ ዝደለይዎ ቦታታት ንኽትከይድ ክእዝዙ ክኢሎም።

ኣብ ሕክምና እውን ምስ ድዱዕ ዝተኣሳሰሩ መጽናዕትታት ኣለዉ።

ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ድዱዓት ከመይ ገይረን ኣብ ረሳሕ ከባቢታት ብዘይ ዝዀነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ህይወተን ክመርሓ ከም ዝኽእላ ክሓስቡ ጸኒሖም እዮም።

ብድሕሪኡ ድማ ድዱዓት ናይ ገዛእ ርእሰን ሓያል ጸረ-ነፍሳት ከም ዘፍርያ ኣረጋጊጾም።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሕማም ዘስዕቡ ኣዝዮም መርዛም ባክተርያታት ዝጸንሑ ጸረ-ባልዕ ዝጻወሩ ነፍሳትን ንምክልኻል ዘኽእሉ መድሃኒታት ኣብ ምምዕባል ዝሕግዝ እዩ።

ድዱዓት ናይ ገዛእ ርእሰን ሓያል ጸረ-ነፍሳት የፍርያ’የን

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ድዱዓት ናይ ገዛእ ርእሰን ሓያል ጸረ-ነፍሳት የፍርያ’የን

ካብ ድዱዕ ዝርከብ መድሃኒት ግን ሓድሽ ነገር ኣይኰነን።

ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ላፍካድዮ ሄርን ዝተባህለ ናብ ደቡባዊ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተጓዕዘ ጋዜጠኛን ጸሓፍን "ንቴታነስ ብድዱዕ ዝፈልሐ ሻሂ ይወሃብ። ክንደይ ድዱዓት ነቲ ሻሂ ከም ዘድልያ ኣይፈልጥን፤ እዚ መድሃኒት ግን ንብዙሓት ኣመሪካውያን ህዝቢ ኒው ኦርሊንስ ሓያል ከም ዝዀነ ክኣምን ክኢለ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

ሎሚ ኣብ ገለ ክፋል ቻይና ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ንቃጸሎ ንምፍዋስ ካብ ሓሩጭ ድዱዕ ዝተዳለወ ክሬም ይጥቀማ።

ሓሓሊፉ ድማ፡ ምልክታት ሕማም ከስዐ ንምቅላል ንሕሙማት ካብ ድዱዕ ዝተሰርሐ ሽሮፕ ይወሃብ።

ኣብ ቻይና ካብ ዝተጠበሰት ድዱዕ ዝዳለው ተፈታዊ መግቢ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, THINKSTOCK

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቻይና ካብ ዝተጠበሰት ድዱዕ ዝዳለው ተፈታዊ መግቢ ኣሎ

ጠለብ ናይተን ድዱዓት ይውስኽ ከም ዘሎ ዝተረድአ ዋንግ ፉሚንግ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ኣብ ኣውራጃ ሻንዶንግ ሕርሻ ድዱዕ ኣጣይሹ እዩ።

ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዘዳለዎ ቦታ ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 22 ሚልዮን ዝበጽሓ ድዱዓት የዕቅብ።

ካብ 2010 ጀሚሩ ዋጋ ዝነቐጸት ድዱዕ ብዓሰርተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ድማ ይዛረብ።

ድዱዕ ኣብ ቻይና እውን ከም መግቢ ትብላዕ እያ።

ኣብ ዘይቲ ተጠቢሳ፡ ደጋዊ ኣካላ ቅጥን እቲ ውሽጣዊ ድማ ልስሉስ ኰይኑ ምስ ፎርማጆን ቁሩብ በርበረን ክትቀርብ እንከላ ተፈታዊ መግቢ’ያ።

ብዝሒ ህዝቢ ደቂ ሰባትን ጠለብ ፕሮቲን እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ እታ ሕዚ ፍንፍንቲ ዝዀነት ድዱዕ ንዓለም ክትምግብ ትኽእል ትኸውን።