Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደርቂን ሕፅረት መግቢን ኣብ ኢትዮጵያ

ደርቅን ጥምየትን ኣብ ኣፍሪቃ

ብሰንኪ ደርቅን ግጭትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላለዎም

ኣብ ኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሕጽረት መግቢ አጋጢምዎም ኣሎ። ሶማል ብጥምየት ተጠቒዓ’ላ። ኣብ ኬንያ ዘጋጠመ ደርቂ እታ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክትእውጅ ገዲድዋ’ሎ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ብዙሓት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግብ ይሳቐዩ፡ ገለ ክፋላት ደቡብ ሱዳን ብጥምየት ምጥቕዖም ገሊጾም ኣለው።ዝበዝሑ ህጻናት ዝኾኑ ብኣሰርተታ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ብሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ።ድምጺ ኣሜሪካ ብዛዕባ’ዚ ዘጋጠመ ደርቅን ጥምየትን እዋናዊ ጸብጻብ ኣብዚ የስፍር። ብተወሳኺ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዘጋጠመ ደርቅን ጥምየትን ብዝምልከት ዘዳለዎ ጸብጻብን ሓበሬታን ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG