Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለማዊ መጋባእያ ገበናት፡ መራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ተኣሲሮም ክቐርብሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ


ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝሃበ ኻሪም ኻን
ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ዝሃበ ኻሪም ኻን

ኣብ ሰነት ኣመሪካ መራሒ ኣብዝሓ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ሻክ ሹመር እቲ ውሳነ ዘሕፍር`ዩ ክብሎ ከሎ፡ መራሒ ርፓብሊካዊ ሚች ሚኮነል ድማ ዋጋ ዘይብሉ ስማዊ ቤት ፍርዲ ክብል ኮኒኑዎ። ዘይሻራዊ ሰልፊ ዝኽተል ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ግን፡ እቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ስርዓት ሕጊ ከኽብር ግቡኡ `ዩ ክብል ደጊፍዎ። "ኣይ -ሲ-ሲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕ ስጉምቲ`ዩ" ኢሉ ሰነተር በርኒ ሳንደርስ።

ኣህጉራዊ መጋብኣያ ገበን ንመራሕቲ እስራኤል ሓማስን ንኽእሰሩ ትእዛዝ የሕልፍ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:28 0:00

እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ዘ-ሀግ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነተንያሁን ሚንስተር ምክልኻሉን ከምኡ ድማ መራሕቲ ሓማስ ብዝፈጸምዎ ዝበሎ ገበናት ኲናት ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕላፉ`ዩ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣይ- ሲ-ሲ ካሪም ኻን፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኲናት ቓዛ፡ እቶም መራሕቲ ሓማስን እስራኤልን፡ ብገበናት ኲናትን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነትን ተሓትተቲ ምዃኖም ዘረጋግጽ እኹል መርትዖ ኣለና ኢሉ።

ካሪም ኻን ከሲስዎም ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነተንያሁ፡ ሚንስተር ምክልኻል ዮዎቭ ጋላንት ከምኡ ድማ 3ተ መራሕቲ ሓማስ ማለት ያሕያ ሲንዋር፡ መሓመድ ደይፍ፡ ከምኡ ድማ እስማዔል ሓኒየ እዮም- ኣብ ቓዛን እስራኤልን ብዝተፈጸመ ገበናት ኩናትን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነትን ተሓተቲ`ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ብይን ኣይ-ሲ-ሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ውሳነ ዘቖጥዕ `ዩ ድሕሪ ምባል ንኣሸባሪ ጉጅለ ሓማስ ምስ እስራኤል ምስራዕ ርትዓዊ ኣይኮነን፡ ንዓመታት `ውን ኣይ- ሲ-ሲ ኣንጻር እስራኤል ዝወገነ ኮይኑ`ዩ ጸኒሑ ኢሉ- ኣብ ዋይት ሃውስ ንመዓልቲ ኣይሁድ ኣብ ዘኽብረሉ ዝነበረ እዋን።

"ከምቲ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት (ኣይ-ሲ-ሲ) ዝብሎ ዘሎ ኣይኮነን፡ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ምጽናት ዘርኢ ኣይኮነን፡ እዚ ኣይንቕበሎን ኢና" ኢሉ ባይደን።

ሚንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ከኣ፡ እቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ዝርርብ ምፍታሕ ጅሆን ምቁራጽ ተጻብኦታትን ዘተዓናቕፍ `ዩ ዝብል ርእይቶ ሂብሉ።

ፕረሲደንት ባይደን ብዛዕባ ኣብ ቓዛ ዘለዉ ህዝቢ ሓለዋ ክግበረሎም ዝጸውዐ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ-ሴማውነት ድማ ዘሕዝን `ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ካብ ኤውሮጳ፡ ፈረንሳይን በልጅምን ነቲ ውሳነ ቤት ፍርዲ ደጊፈንኦ ኣለዋ።

ሚንስትሪ ወጻኢ ፈረንሳ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ፈረንሳ ንዘይሻራውነት`ቲ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናትን፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት ኣንጻር ተሓተቲ ዘሕልፎ ውሳነን ንድግፍ ኢና፡” ኢሉ።

ሚንስተር ወጻኢ በልጅም ሃድጃ ላህቢብ ብወገና፡ “ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ገበናት ብዝለዓለ ደረጃ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ- ገበርቱ ብዘየገድስ፡" ኢላ።

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነተንያሁን ሚንስተር ምክልኻሉ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተበየነ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ፡ ክብሪ ዝጎደሎን ጸረ-ሴማውነትን ክብሉ ኮኒኖሞ ኣለዉ።

ሚኒስተር ወጻኢ እስራኤል ዮዎቭ ጋላንት ኣብቲ ዘሕለፎ ኩነኔ፡ ላዕላዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ኲናት፡ ንእስራኤል ምስ ሓማስ ምስርዑ፡ ዘሕፍርን ዘጸይፍን`ዩ፡” ኢሉ። ኣተሓሒዙ “እስራኤል ኣካል ኣይ-ሲ-ሲ- ኣይኮነትን- ስልጣኑ `ውን ኣይትፈልጠሉን እያ -ንሕና ግን ርእስና ናይ ምክልኻል መሰል ኣለና፡” ኢሉ።

ናታንያሁን ጋላንትን በቲ ትማሊ ዝተዋህበ ብይን ማእሰርቲ ዘስግኦም `ኳ እንተዘይኮነ፡ ነቲ እስራኤል ብሰንኪ ኣብ ቓዛ ተካይዶ ዘላ ኲናት ኣጋጢምዋ ዘሎ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ግን ዘዕሙቕን መልእኽቲ ዘሕልፍን ተገይሩ ተራእዩ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG