Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ራያ-ዓዘቦ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም” ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት ክልል ትግራይ


ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት ክልል ትግራይ ሎሚ ከም ዘዘርግሖ መግለጺ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ወረዳ ራያ-ዓዘቦ ኣብ መጓሰ ከብቲ ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ምቕታሎም ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ፡ ፈጸምቲ ቅትለት ካብ ክልል ዓፋር ዝመጽኡ ምዃኖም ኣመልኪቱ ኣሎ። ዝርዝር መንነት ናይ ቀተልቲ ኰነ ተቐትልቲ ግን ኣይሃበን። መግለጺ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንክልላዊ መንግስቲ ክልል ዓፋርን ፈደራላዊ መንግስቲን ንፈጸምቲ በደል ዝገብኦም ፍርዲ ኣብ ምርካብ ክሰርሑ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣመሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ተዘራ ጌታሁን ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ ኣብ መቐለ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ እቲ ቅትለት ዶብ ሰጊሮም ብዝኣተዉ ወገናት ከም ዝተፈጸመ ገሊጾም።

ኣብዚ ጉዳይ ዝሰፍሐ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ከነስዕቦ ኢና።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG