Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኖርወይ፡ ኣየርላንድን ስጳኛን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ይህባ


ኖርወይ፡ ኣየርላንድን ስጳኝን፡ ታሪኻዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂበን። እቲ ተበግሶ ዝረከቦ ግብረ መልሲ፡ ካብ እስራኤል ኩነኔ፡ ካብ ፍልስጤማዊያን ድማ ታሕጓስ ኮይኑ ኣሎ። ቅጽበታዊ ስጉምቲ ዝወሰደት እስራኤል፣ አብ ኖርወይን ኣየርላንድን ዝመደበቶም ኣምባሳደራት ንኽሳሓቡ ኣዚዛ’ላ።

ኖርወይ፡ ኣየርላንድን ስጳኛን ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ይህባ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:10 0:00

ሰለስቲኤን ሃገራት ነቲ ኣፍልጦ ብወግዒ ዘፍልጣ ድሕሪ ሰሙን ክኾን እዩ። ፍልስጤማዊያን ንንውሕ ዝበለ ዘበናት ዝነበሮም ሕቶ ምስረታ ሃገር ዝተጋሃደን ናብ’ዚ ናይ ሰለስተ ሃገራት ውሳነ ዝሰዓበን፣ እስራኤል ብሰንኪ እቲ ኣብ ቃዛ ዝኸፈተቶ መጥቃዕቲ፣ ዝሰዓበ ሞት ሲቪላውያን ሰባትን ሰብኣዊ ቅልውላውላውን ዓለም ለኻዊ ቁጠዐ ድሕሪ ምስዓቡ እዩ።

ፈለማ ኣፍልጦ ዝሃበት ኖርዌይ ኮይና ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስቲራ ዮናስ ጋህ ስቶር ክዛረቡ ከለው ‘ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከይረኸበት፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም አይወርድን እዩ’ በሉ። ንሶም ወሲኾም ‘ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም አፍልጦ ብምሃብ፣ ኖርወይ ንውጥን ሰላም ዓረብ ከምትድግፍ’ውን ገሊጻ።

ኖርወይ ሎሚ ረቡዕ ዝገለጸቶ ኣፍልጦ ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም፣ ምኽታም ሰነድ ስምምዕነት ኦስሎ ካብ ዝተፈጸመሉ ጊዜ ልዕሊ 30 ዓመታት ኣቢሉ እዩ። ካብ’ቲ ጊዜ’ቲ ኣትሒዙ፣ ‘ፍልስጤማዊያን፣ ናብ ሃገርነት ዘብቀዖም ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት እናወሰዱ ከምዝጸንሑ’ውን ገሊጻ አላ’ ኖርወይ።

ብዘይካዚ፡ ሃገረ ፍልስጤም፣ ቅድሚ 13 ዓመታት፣ ከም ሃገር ክትነጥፍ ንዘኽእላ ቁልፊ መዐቀኒታት ከም ዘማለአት ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ባንኪ ኣብ መግለጺኡ ‘ፍልስጤም፣ ንህዝባ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ንምልጋስ ዘኽእሉዋ ትሕተ ቅርጺ ዘርጊሓ እያ’ ይብል። እንተኾነ፣ ውግእ ቃዛን እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝሃንጸቶም ሰፈራታትን፣ ማዕረ’ቶም ንዘበናት ዝቀጸሉ ብድሆታት ኮይኖም ከምዝቅጽሉ’ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ተመሳሳሊ መግለጺ ዝሃቡ ቀ/ሚ ኣየርላንድ ሲሞን ሃሪስ ብወገኖም ‘እቲ ውሳነ ሓባራዊ ተበግሶ ኣየርላንድ፣ ስጳኝን ኖርወይን ከምዝኾነ፣ እዛ ዕለት’ዚኣ ድማ ንፍልስጤማዊያን ታሪኻዊትን ኣገዳሲትን መዓልቲ ከምዝኾነት’ ጠቂሶም።

ንዝሓለፋ 6 ዓመታት ቀ/ሚ ስጳኝ ኮይኖም ዘለው ሶሻሊስታዊ ፔድሮ ሳንቸስ አብ ዝሃብዎ ርእይቶ ‘ሎሚ ረቡዕ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘እዚ ተበግሶ’ዚ፣ ንሕሉፍን ኣብ ፍልስጤም ዝሓለፉን ኣይክመልሶምን እዩ። እንተኾነ፣ ንፍልስጤማዊያን ክልተ ነገራት ሎምን ጽባሕን ክህቦም እዩ፣ ክብሪን ተስፋን’ ኢሎም ሳንቸዝ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ‘ሚኒስቲር ወጻኢ እስራኤል ካዝ፣ እቶም ኣብ ኣየርላንድን ኖርወይን ተመዲቦም ይሰርሑ ዝነበሩ ኣምባሳደራት እስራኤል፣ ንዓዶም ንኽምለሱ ኣዚዞም ኣለዉ። ካዝ ኣብ መግለጺኦም ‘ኣየርላንድን ኖርዌይን ናብ ዓለም ከሕልፈኦ ዝደለያ መልእኽቲ፣ ግብረ ሽበራ መኽሰብ ኣለዎ ዝብል እዩ’ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ‘ተበግሶ’ተን ሃገራት፣ ኣብ ቃዛ ተታሒዞም ግዳያት ንከይምለሱ፣ ነቶም ደገፍ ኢራን ዝረኽቡ ጂሃዳዊያን ሸሊሞም፣ ምቁራጽ ተጻብኦ ንከይትግበር ዓንቃፊ ክኾን እዩ’ በሉ። ስጳኝ ተመሳሳሊ ስጉምቲ እንተወሲዳ፣ ኣምባሳደራ ክትስሕብ ምኻና’ውን ገሊጾም።

ዛጊድ ኣስታት 140 ሃገራት ንፍልስጤም ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። እዚ ድማ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ምኻኑ እዩ። ዓበይቲን ምዕራባዊያን ሃገራት ካብ ሞንጎ ዝባሃላ ግና ዋላ ሓንቲ’ውን እንተኾነ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ኣይሃባን ዘለዋ። ሰለስቲኤን ሃገራት ዝወሰደኦ ስጉምቲ፣ ኣብ ልዕሊ’ተን ናይ ኣውሮጳ ጸለውቲ ዝባሃላ ፈረንሳን ጀርመንን ጸቕጢ ክፈጥረለን ከምዝኽእል እቲ ዜና ይሕብር።

ኣሜሪካን እንግሊዝን፣ ምቋም ሃገረ ፍልስጤም ብደረጃ ሓሳብ ይድግፋ። እንተኾነ ይብላ ክልቲኤን ሃገራት፣ እንተኾነ፣ ናጻ ሃገረ ፍልስጤም ብልዝብ እዩ ክትምስረት ዝግባእ ባሃልቲ እየን።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ መራሒ ሊግ ዓረብ ነቲ ሰለስተ ሃገራት ዝወሰደኦ ተበግሶ ‘ተባዕ ስጉምቲ’ ክብል ንኢድዎ ኣሎ። ዋና ጸሓፊ ሊግ ዓረብ ኣሕመድ ኣቡል ገይት ‘ፍልስጤማዊያን፣ ዝተመንዝዕዎ መሰሎም ኣብ ምምላስ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ ውሳነ’ ክብል’ውን ገሊጹዎ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG