Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ማጎ ስጳኛዊ ዝርከቦም 4 ሲቪላውያን ዜጋታት ተቐቲሎም


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ማጎ ኣብ መንጎ ክልተ ዕጡቓት ወገናት ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ፡ ሓደ ዜጋ ስጳኛ ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ምማቶም ከባቢያውያን ምምሕዳርን ፈደራል መንግስቲን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ብሰኑይ ኣብ ደቡብ ኦሞ ዘጋጠመ ክስተት፡ እቶም ተጓዓዝቲ ኣብ መንጎ ምልውዋጥ ተዅሲ ብሄራት ኣርሲን ሙርሲን ድሕሪ ምቕራቃሮም’ዩ ኣጋጢሙ። ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ን11 ዓመታት ዝተቐመጠን ኣብቲ ከባቢ ናይ በጻሕቲ ኣገልግሎት ጕዕዞ ዘካይድን ቶንይ ኤስፓዳስ ዝተባህለ ዜጋ ስጳኛ ተቐቲሉ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ምልውዋጥ ተዅሲ፡ እቲ ዝተቐትለ ኣካያዲ ጕዕዞ፡ ኣብቲ ቦታ ፊልም ንምስኣል 10 ዜጋታት ወጽኢ ሒዙ ምንባሩ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኢትዮጵያ የፍልጥ።

ሚኒስትሪ ቱሪዝም ወሲኹ፡ እቲ ተዅሲ ነቶም በጻሕቲ ዝዓለመ ዘይኰነስ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ድሕሪ ዝተኻየደ ረጽሚ ዘጋጠመ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG