Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ መዓልቲ ርክብ  ሃገራት ጕጅለ-7 ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት የተኵር


ፑሊያ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ደቡባዊት ኢጣልያ ተረኺቦም ዘለዉ መራሕቲ ብቝጠባ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት፡ ትማሊ ንዩክሬን ዝውዕል ሓገዝ ድሕሪ ምስምማዖም፡ ናይ ሎሚ ዓርቢ ኣተኵሮኦም ግን ኣብ ምዕጋት ስደተኛታት ዘተኰረ’ዩ።

ኣብ ኢጣልያ ተራኺቦም ዋዕላ ዘካይዱ ዘለዉ መራሕቲ ሸውዓተ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ርክቦም ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ምስኡ ዝተኣሳሰርን ዛዕባታትን ይመያየጡ ኣለዉ።

ኢጣልያ እተእንግዶ ዋዕላ፡ ብጉዳይ ስደተኛታት ቀንዲ ተተንካፊት ከም ምዃና መጠን፡ ስክፍታኣ ዘይሕጋውያን ዝብሃሉ ስደተኛታት ንምዕጋት’ዩ። ተሪር የማናዊ ፖለቲካዊ መስመር ዝኽተል መሪሕነት ጆርጂያ መሎኒ ናይ ኢጣልያ ድማ ካብ ኣፍሪቃ ንዝመጽእ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብተን ኣፍለስቲ ሃገራት ወፍሪ ንምዕባይ ፈቲኑ’ዩ።

ኣብ ናይ ትማሊ ሓሙስ ቃላ፡ ጆርጂያ መሎኒ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ወፍሪ ንምግባር ዘለዋ ድሉውነት ኣእንፊታ ነይራ። እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ከም እትገልጾ፡ እቲ ንምዕጋት ስደተኛታት ዝዓለመ ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰረቱ ኰይኑ እንኮላይ ንኻልኦት ኣካላት ዘርብሕ ክኸውን’ዩ ትብል።

እንተዀነ እታ ሃገር ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ኣልባኒያ ንምግዓዝ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ብሓያሎ ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

ከም ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ጥራይ ኣስታት 22-ሽሕ ስደተኛታት ንመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ንኢጣልያ ሰጊሮም ኣለዉ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝርከብ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን’ውን ብተመሳሳሊ ሃገሩ ካብ ደቡብ ወገን ዝውሕዙዋ ስደተኛታት ካብቲ ቀንዲ ሻቕሎት ምምሕዳሩ ምዃኑ ጠቒሱ። ፕረዚደንት ባይደን ንምዕጋት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ፖሊሲ ንምሕንጻጽ ናብ ባይቶ ሃገሩ ሕቶ ኣቕሪቡ ደኣ ይንበር እምበር ተቐባልነት ግን ኣይረኸበን።

ኣብ ዋዕላ ጕጅለ ሸውዓተ ተረኺቦም ዘለዉ መራሕቲ ቱኒዝያ፡ ኣልጀሪያን ኬንያን ካብ መንጎ’ቲ ቀንዲ መዓደሚኦም ንጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ትማሊ ኣብ ዝተኸፍተ ዋዕላ ጉጅለ ሸውዓተ፡ ካብቲ ተጠቃሲ ምዕባለታቱ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ንዝቐረበ ንድፊ ሓገዝ ዩክሬን ምጽዳቕ’ዩ። ንብረት ሩስያ ኰይኑ ኣብ በበይኑ ወገናት ናይ ዝደስከለ መጠን 50- ቢልዮን ዶላር ንሓገዝ ዩክሬን ክ ውዕል እቶም መራሕቲ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቭሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነቲ ሓገዝ “ህይወት ሰባት ንምድሓን ዝዓለመ” ክብል ገሊጹዎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ’ውን ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪን ናይ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ወታሃደራዊ ሽርክነት ዘተኰረ ስምምዕ ፈሪሞም። እቲ ስምምዕ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ ምርጫ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እንተተዓዊቱ’ውን ክጸንዕ ዝኽእል ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG