Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ፑቲን ዩክሬን ንዘቐመጥዎ ቕድመ-ኩነት እንተተግቢራ ኲናት ደው ከምዘብሉ ቃል ኣትዮም


ፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኪየቭ ካብ ዝተቖፃፀረቶም ከባቢታት እንተድኣ ስሒባን ኣባል ኔቶ ንምዃን ዘቕረበቶ ሕቶ እንተኣቋሪፃን ኣብ ዩክሬን ዘካይድዎ ውግእ ከምዘቋርፆም ተመባጺዖም።

ኪየቭ ነዚ እንተፈፂማ ነቲ ውግእ ሽዑ ንሽዑ ደው ከም ዘብሉዎን ልዝብ ክጅምሩን ቃል ኣትዮም ኣለው።

እዚ ነታ ኣባል ኔቶ ክትኸውን እትደሊ ከምኡ እውን ሩሲያ ካብ ኩሉ ዝሓዘቶ ግዝኣታ ወታሃደራታ ከተውፅእ ክትሓትት ዝፀንሐት ኪየቭ ዘይኸውን እዩ ዝመስል።

ፑቲን ነዚ ዝገለፁ መራሕቲ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተአከብሉን ስዊዘርላንድ ኣብ ዩክሬን ሰላም ንምምፃእ ዝግበር ናይ መጀመርታ ስጉምትታት ንምውሳድ ኣብዚ ቐዳመ ሰንበት ብዘይካ ናይ ሩሲያ ንብዙሓት መራሕቲ ዓለም ንምቕባል ትዳለውሉ ኣብ ዘላን እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG