Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

Accessibility links

Breaking News

ርእሰ ዓንቀጽ፡ ምትሕብባር ንዝሓሸን ዝበልጸገን ዓለም


ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶይ ብሊንከን ኣብቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ዘተ ከምዝበልዎ ዓለም ኣብዚ እዋን ዝግበሩ ውሳነታት ቅርፂ መፃኢ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝሰርዕሉ “መቐይሮ ነጥቢ” ትርከብ ኢሎም።

ከምኡ'ውን ንምዝዛም ዝሑል ኲናት ስዒቡ ንዝመፀ ተዛማዲ ደሕንነትን ምዕባለን ስዒቦም ዓበይቲ ዕንቅፋታት ምጉናፎም ገሊፆም።

“ርግፅ እዩ ነቲ ሐዚ ንነብረሉ ዘለና ስርዓት ንምቕያር ሓይሊን ድልየትን ዘለዎ ምልዕዓል ቻይና ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ መፂኡ እዩ። ወሰን ከምልስ ብዝገብሮ ፃዕሪ መዓልታዊ ስራሕና ኮይኑ ዝርከብ ሩስያ። ሕድሕዶም ዝተአሳሰሩን እቲ ዘሕዝን ድማ ነንሕድሕዶም ዝደጋገፉ ምእኹል ዓለም ለኸ ብድሆታት ዝሓዘ፣ ኮይኑ ነዚ ብኣድማዒ ክንገጥሞ ዘኽእለና መገዲ ከነናዲ ኣለና”

እቶም ብድሆታት ድማ ምብዛሕ ዘይተሓስበ ሳዕቤናት ዘለዎ ስርዓት ሓበሬታ፣ ስደት፣ ውሕስና መግቢ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ስግኣት ሓደጋ ዓለም ለኸ ጥዕና፣ ቅልውላው ዴሞክራሲን ጂኦፖለቲካ ንሕንሕ ዝሓወሰ እዩ።

“ ዓለም ክትኮኖ እንደልዮ ንፁርን ዘየማትእን ራእይ ኣለና እዚ ኸኣ ናፃ፣ ቅሳነት ዝዓሰላን ዝማዕበለትን ዓለም። እዚ ማለት ከኣ ሃገራት መፃምድተን ንምምራፅን መገደን ንምውሳን

ነፃነት ናተን ይኸውን። ኣብ ሕጋዊነት፣ ፍትሓውነትን ካብ ኣቁሑ ስጋብ ሓበሬታን ሰባት ብሕጋውን ናፃ ኮይኖምን ዝውሕዝሉ ዓለም ለኻዊ ስርዓት ማለት እዩ።”

ብኻልእ መዳይ ብሊንከን ከምዝበልዎ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ንምዕባለ ዝመርሐ ዝኮነ ደንብን መዐቀንን ንምስራዝ ድልየት ዘለወን ሃገራት ንምክተን። ፅልዋ ብምፍጣር ሃዳናይ ልምድታት ተጠቂመን ቁጠባዊ ልዕልና ክረኽባ ንዝደልያ ሃገራት ዝኾነ ኣፅዋራዊ ሓበሬታ ኾነ ዓለም ሰብኣዊ መሰላት ንውሽጣዊ ጉዳያት ጥራሕ ዝምልከይ ይኸውን።

ኣሜሪካ ከምዚኦም ዝበሉ ዓለም ለኻዊ ኣረኣእያታት ንምቅዋም ፈለማ ኣብ ውሽጣዊ ንሕንሓታ እያ ተውፍር። ካልኣይ ከም ብዓል ኔቶንኣብ ምብራቕ ኤስያ ዝርከባ መሓዙትን መሻርኽትን ሃገራት ንምትርናዕ ትሰርሕ ኣላ።

“እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ዘሰማማዕ ኩነታት ኢና ክንሃንፅ ፀኒሕና፣ ንሕና ዉሁድ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢና። ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ግዱሳት ኣካላት፣ ካልኦት ተዋሳእቲ፣ ካብ ውልቀ ትካላት ፣ ካብ ዘይመንግስታዊ ዓለም ተኣኪቦም ነቲ ዝተፈለየ ፀገም ዝምክትሉ።”

ብዛዕባ ሰረት እምነት (ዶክትሪን) ባይደን ዝተሓቲቱ ብሊንከን ብሓፈሻ ኣብቲ ዶክትሪን ተቓውሞ ከምዘለዎም ብምግላፅ “ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ቤትና ዘሎ ብርተዐ በቲ ኣብ ንሕንሓት ብእነውፍሮ እዩ። ብምቕፃል ከከም ኣድላይነቱ ሓደስቲ መሓዙትን መሻርኽትን ብምፍጣር ነደልድሎ። ምኽንያቱንበይንና ክንዓቢ ኣይንኽእልን።”

XS
SM
MD
LG