Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መጥቃዕቲ ቦምባ ኡጋንዳ ሰለስተ ሰባት ቀቲሉ


Kamapla Attacks
Kamapla Attacks

እቲ ነተጉቲ ሎሚ ሰሉስ ንጉሆ ንመሳኹቲ ሰባቢሩ ኣብ ጽርግያታት ካምፓላ ንዝነበራ መኻይን ኣንዲዱ'ሎ።

ክልተ ሬሳታት ኣብ ጥቃ ፓርላማ ኡጋንዳ ሓደ ኸኣ ኣብ ማእኸላይ መደበር ፖሊስ ተራእዩ'ሎ። እቲ ከባቢ ብሓይልታት ጸጥታ ተዓጽዩ'ሎ።

በመሰረት ሓበሬታ ምኽትል ዳይሬክተር ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ሙላጎ : ረዝመሪ ብያንያማ 7- ብጽኑዕ ዝቆሰሉ ዝርከብዎም 27- ቁሱላት ተቀቢሎም ' ለዉ።

እዚ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንነጀው ኣብ ካምፓላ ን'3ይ ግዜ ዝተተኮሰ ነተጉቲ' ዩ። እቲ ናይ መጀመርያ ኣብ ሓደ ቤት ምግቢ ተተኩሱ ሓደ ሰብ ምቅታሉን ካልኦት 5- ሰባት ምቁሳሉን ይዝከር።

ሰበ ስልጣን ዛጊድ በዚ ናይ ሎሚ ነተጉቲ ዝኸሰስዎ ኣካል የለን። ዝሓለፈ መጥቃዕታት ግን ሚሊሻታት ዳዒሽ ንሕና ኢና ፈጺምናዮ ኢሎም ዮም።

XS
SM
MD
LG