Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊያን ኣትሌት ኣብ ውድድራት ኦል ኣፍሪካ ጋና ዓወት ይጎናጸፉ


ትማሊ ሰሉስ 12 መጋቢት 2024 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ብሽክለታ ትሕቲ 23ን ኤሊትን ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራዊያን ኣትሌት ናሆም ዘርኣይን መርሃዊ ቅዱስን ቐዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ክዕወቱ ከለው ኦረሊየን ደ ሞማራንዶ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ረኺቡ። ሚልክያስ ማእከለን ዳዊት የማነን እውን ኣብዚ ውድድር ሓሙሻይን ሻውዓይን ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኤርትራዊያን ኣትሌት ኣድያም ዳዊት መንግስን ቅሳነት ወልደሚካኤል ተዓገስን ቐዳመይቲን ሳልሳይቲን ኬንያዊት ኣኒካ ቪሰር ካልኣይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን ኣለዋ። ኢትዮጵያዊት ሰርካለም ታየ'ውን ኣብዚ ውድድር ራብዓይ ደረጃ ረኺባ'ላ።

በዚ መሰረት ኤርትራዊያን ኣትሌት ኣብ ጋና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ኦል ኣፍሪካን 2024 ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ወርቂ፡ ሓደ ብሩርን ሰለስተ ነሓስን ተዓዊቶም ኣለው።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ምሕንባስ 100 ሜትሮ ፍሪስታይል ድማ ኤርትራዊት ክሪስትና ቶማስ ቐዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ'ላ።

መበል 13 ውድድራት ኦል ኣፍሪካን 2024 ካብ መጋቢት 8 ክሳብ 13 ኣብ ዋና ከተማ ጋና ኣክራ ዝካየድ ዘሎ ውድድር'ዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ብብሽክለታ፡ ባዲሚንተን: ኣትሌቲክስን ምሕንባስን ትሳተፍ አላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG