Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ -- ተጨውዮም ዝቐነዩ ስራሕተኛታት ክወጽኡ እናተጸብዩ ናብ ካልእ ሰጊሮም


ናብ ሓጽቢ ሕዳሴ ዝመርሕ ዱር ንምጽራግ ተዋፊሮም እንከለዉ ብሓይልታት ፋኖ ብ26 ለካቲት ከም ዝተጨውዩ ዝተገልጹ 272 ናይ ዕለታውያን ሰራሕተኛታት፡ ኣብቲ ተስፋ ተነቢሩሎም ዝነበረ ናይ 100 ሰዓታት ናጻ ምልቃቕ ከም ዘይተፈትሑ ስድራቤቶም ገሊጾም።

ንድምጺ ኣመሪካ ብዓርቢ ቃለ-መሕትት ዝሃብ ሓላፍነት እቶም ጭዉያት ዝወሰደ ጉጅለ ካብ 72 ክሳብ 100 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ክፍትሑ ምዃኖም’ዩ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ነቶም ዝተጨውዩ ሸቃሎ ዝቖጸረ ትካል ኒኮቲካ ትሬዲንግ፡ ምፍትሖም ኣርባዕተ ሚልዮን ብር ነቶም ዕጡቓት ጉጅለ ከም ዝኸፈለ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። እንተዀነ ካብቲ ሒዙዎም ዝነበረ ጉጅለ ወጺኦም እናኸዱ ብኻልእ ዕጡቕ ጉጅለ ተጨውዮም ተወሳኺ 6 ሚልዮን ብር ይሕተቱ ከም ዘለዉ ሓላፊ ፕሮጀክት እቲ ትካል ኣቶ ሙሉጌታ ኣለነ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እንተዀነ እቲ መጠን ክፍሊት ልዕሊ ዓቕሙ ስለ ዝዀነ ክኸፍሎ ከም ዘይክእል እቲ ትካል ይገልጽ።

እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ዝጭወዩ 23 መዓልታት እንተቑጸሩ'ኳ ናብቲ ስራሕ ክኸዱ ዝኣዘዘ መንግስቲ ክልል ደቡብ ኮነ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳያትን መሰሎም ንምሕላው ዝገበሩዎ ጻዕሪ የለን ክብሉ ስድራ'ቶም ዝተጨውዩ ይነቕፉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG