Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ገለ ክፋል ትግራይን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ተቋሪፁ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ልዕሊ መስመራት ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ አጋጢሙ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ገለ ክፋል ትግራይን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምቁራፁ ብዓል መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝኣመሰላ ምብራቃዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ከተማታት ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ዝተቋረፀ ምዃኑ ንከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እቲ ክልል ድማ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ምቁራፁ ዳይሬክተር ርክባት ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ጠንቂ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንታይ እዩ ዝብል ካብ ድምፂ ኣመሪካ ዝቀረበሎም ሕቶ ኣቶ ሞገስ ካብ ባህርዳር ብደብረታቦር ኣቢሉ ናብ ንፋስ መውጫ፣ ጋሸና፣ ኣላማጣ፣ መኾኒን ኣቢሉ ናብ መቐለ ዝተዘርገሐ ናይ 230 ኪሎ ቦልት መተሓላለፊ መስመር ተወቂዑ ብምውዳቁ ንከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምቁራፁ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምስዓቡ ተዛሪቦም።

ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ምኽንያት ምቁራፅ እቲ ኣገልግሎት ዝበሎም ዕጡቃት ፋኖ ተሓተቲ ይገብር።

ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብዘይካ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ኣብቲ ካልእ ቦታታት ዝነበረ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌትሪክ ትማሊ ምሸት ምምላሱ ከረጋግፅ ምኽኣሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ሸዋሮቢትን ከባቢኣን ኣብ ዝሓለፈ 24 ለካቲት 2016 ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቃት ፋኖን ንሰዓታት ዝፀንሐ ብርቱዕ ውግእ ምንባሩ ምጽብጻብና ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG