Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ - ኣብ ወረዳታት ሰሜን ሸዋ ግጭት ምልዓሉ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ወረዳታት መዳወብቲ ሰሜን ሸዋ ብዝተላዕለ ግጭት ሕይወት ሰባት ምጥፍኡን ንብረት ምዕናውን ተገሊጹ።

ብወገን ክልል ኣምሓራ ካብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጅሌ ወረዳ ጥሙጋ ዝመፁ እዮም ዝበልዎም ዕጡቃት ኣብ ሰሜን ሸዋ ዞባ ኤፍራታ ወረዳታት ግድምን ቀወትን ዝርከባ ቁሸታት ገጠር ብምእታው ሰባት ቀቲሎም ንብረት ኣዕንድዮምን ዘሪፎም ክብሉ ግዳያት እቲ ግጭት ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ክዛረቡ ከለው ብወገን ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳታት ጅሌ ጥሙጋን ኣርጡማ ፋርሲ ዝርከቡ ወሃብቲ ርእይቶ ድማ ብኣንፃሩ መበገሲ እቲ ጎንፂ “ዕጡቃት ፋኖ" ዝበልዎም ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ብሄረሰብ ኦሮሞ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ስዒቡ ዝተላዕለ ምዃኑ ይሕብሩ። ኣብተን ወረዳታት ዝርከባ ብርክት ዝበላ ቁሸታት ትማልን ቅድሚ ትማልን ተፈፂሙ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ሲቪላዊያን ሰባት ምሟቶምን መንበሪ ኣባይቲን ዝበፅሑ ዘራእቲ ብሓዊ ምንዳዶምን ነበርቲ ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ኤፍራት ወረዳ ግድም ኣልብስ ኣደፍራሽ እቲ ግጭት ምፍጣሩን መበገሲ እቲ ዝወረደ ጉድኣት ንምልላይ ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ኣፍሊጦም። ንሶም ፅኑዕ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ እተዘይተሰሪሑን ተሓታትነት እንተዘየሎን ካብዚ ዝገደደ ኩነታት ከጋጥም ከምዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም። ካብ ወገን ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝርከባ ወረዳታት ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ንግዚኡ ኣይሰመረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG