Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ -- ተኽእሎታት ግጭት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከመይ ይመስል?


ትንታነ -- ተኽእሎታት ግጭት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከመይ ይመስል?
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:35 0:00

ትንታነ -- ተኽእሎታት ግጭት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከመይ ይመስል?

ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ብሓደ ጥሪ 2024 ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር፡ ነቲ ቅልውላው ዘይፍለዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሓደሰ ጎንጺን ዳግመ-ስርርዕ ዓበይቲ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ሓይልታት ከየስዕብ ክኢላታት ስግኣቶም የካፍሉ። ኣብ የመን ዝተራእየ ብኢደ-ዙር ጎንጺ ምልባዕን ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ዝርአ ዘሎ ተመሳሳሊ ግጭት ብሳልሳይ ኣካል ዝግበር ምጥምዛዝን ካብቲ ድሕሪ’ዚ ስምምዕ መዘከር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይደግስ ዝስጋእ ጎንጺ’ዩ።

ነቲ ስምምዕ መዘከር ዝደረኸ በበይኑ ምኽንያታት ምዃኑ ዝገልጽ መምህር ህዝባዊ ፖሊሲ ኣብ ዩኒቨርስቲ መሪላንድ ኮለጅ ፓርክን ላዕለዋይ ተመራማሪ ኣብ ማእከል ኣህጉራዊ ፖሊሲታን ጸጥታን ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዝዀነ ተሓባባሪ ፕሮፈሰር ሚኪኤል ወልደማርያም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ካብ ፈለማ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ ኣትሒዙ፡ ብዛዕባ ተኽእሎታት ኣፍደገ ባሕሪ ልዑል ተገዳስነትን ሕልሚን ከም ዝጸንሖ ይገልጽ። እዚ ከኣ ይብል ዶክተር ሚኪኤል፡ ንኢትዮጵያ ብዓይኒ ቍጠባን ካልእ መዳያትን ኣፍደገ ባሕሪ ወይ ወደብ ምርካብ ብዙሕ ክጠቕማ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እዚ ግን ንበይኑ ኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጥራይ ዘይኰነስ በብእዋኑ ኣብ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝርአ ሓሳባት ምዃኑ ዶክተር ሚኪኤል ይዛረብ። ኣብ ርእሲ’ቲ ነቲ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ናብ ካልእ ኣንፈት ንምምራሑ’ውን ከም ካልኣይ ነጥቢ ይጠቕሶ።

ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ብኻልኦት ሃገራት ከም ልኡላዊት ሃገር ተቐባልነት ንምርካብ ዓቢ ጻዕሪ ክትገብር ከም ምጽናሓ መጠን፡ እቲ ዝተፈጥረ ኣጋጣሚ ናብ ረብሓኣ ዝልውጥ ዕድል ምዃኑ ዶክተር ሚኪኤል ይኣምን። ኣብ ዶባታ ስእነት ጸጥታ ዘጋጥማ ዘሎ ሶማሊላንድ፡ እዚ ዝፈረመቶ ስምምዕ መዘክር ከም ኣውሓሲ ክርአ ከም ዝኽእል ድማ ይዛረብ።

ፈለማ እዚ ስምምዕ መዘከር ከመይ ክትግበር ከም ዝኽእል ዝተሓተተ ዶክተር ሚኪኤል ክምልስ እንከሎ፤ “ከም ዝመስለኒ ብዙሕ ማሕንቖታት ክጎንፎ’ዩ። ክንርስዖ ዘይብልና ድማ ናይቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕን ንምትግባሩ ዝግበር መስርሓትን ዛጊት ምሉእ ምስሊ የብልናን። ንኣብነት ኢትዮጵያ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ እንተ ረኺባ፡ ከመይ ዝመስል ናይ ምቍጽጻርን ምትግባርን ዓቕሚ ከም ዘለዋ ገና ኣይፈልጥናን፡” ይብል።

ብወገን ኢትዮጵያ ካብ ጎረባብቲ፡ ዞባውያንን ዓለማውያን ሓይልታት ተሪር ተቓውሞ ይጎንፎ ስለ ዘሎ፡ ቀሊል ኣይኰነን ብሃላይ’ዩ። ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ’ውን ካብ ውሽጥን ጎረባብቲ ሃገራት ተቓውሞ ክገጥሞ ከም ዝኽእል’ዩ ዝኣምን። እዚ እንኮላይ ካብቶም መራሕቲ ቀቢላታት ክኸውን ከም ዝክኣል’ዩ ዶክተር ሚኪኤል ዝዛረብ።

ከባቢያውያን ሃገራት ከም ኤርትራ፡ ግብጺን ካብኡ ሰጊሩ በዓል ስዑዲ ዓረብን መርገጺአን ነቲ ስምምዕ መዘከር ምቅዋመን ንጹርን ጽቡይን’ዩ ይብል ዶክተር ሚኪኤል። ነቲ ስምምዕ መዘከር ክድግፋ ዝኽእል ሓይሊ ግን እቲ ዝዓበየ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ’ዩ ይብል። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብቲ ጉዳይ ዛጊት መግለጺ ኣይሃበትን። እንተዀነ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መዘከር ኣብ ምድጋፍ ብፖለቲካዊ፡ ወታሃደራዊን ፋይናንሳዊን ገንዘብ ኣብ ምግባር ዓቢ ኢድ ክህሉዋ ከም ዝኽእል’ዩ ዶክተር ሚኪኤልን ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዘጽንዑ ምሁራንን ዝገልጹ።

እዚ ግን ንኽልተ ክንፍታትን ብዞባውያን ሓይልታት ዝዝወራ ኪዳናት ኣብ ምፍጣርን ካልእ ምዕራፍ ንምኽፋት ትኽእሎ ኣለዎ። እቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ጕጅለ ንኢትዮጵያ፡ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ፡ ሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ናይ ሱዳንን ክሓቍፍ እንከሎ፡ እቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጉጅለ ድማ ንግብጺ፡ ሶማል፡ ኤርትራ ብዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳንን ዝሓቍፍ’ዩ። ማዕረ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ተሪር ተቓውሞ ዘየስምዓ ዘለዋ ከም ኬንያን ጁቡቲን’ውን በቲ ዘሎ ምዕባለ ተሻቒለን ምህላወን እቲ ክኢላ ይገልጽ።

ኣብዚ ጉዳይ ሓያሎ ሃገራት ዝተፋላለየ ተራን ጸግዒን ክሕዛ ከም ዝኽእላ’ዩ ዶክተር ሚኪኤል ዝነግር፤ “ነተን ኵለን ጸለውቲ ሃገራት ተመሊስና ክንርእየን ጽቡቕ’ዩ። ቱርኪ’ውን ክትርሳዕ ዘይብላ ሓይሊ’ያ። ድሮ ንሶማል ዘለዋ ድጋፍ ገሊጻ ኣላ። ሓደ ኣብዚ ክንርስዖ ዘይብልና ግን መግለጺ ምሃብ ግድን ናብ ንዋታዊ ክልወጥ’ዩ ማለት ዘይምዃኑ’ዩ። ካልኦት ዓበይቲ ዓለማውያን ሃገራት ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይንና’የን። ኣመሪካ፡ ልኡላውነት ሶማል ክኸበር መግለጺ ኣውጺኣ ኣላ። እንተዀነ ምስ ሶማሊላንድ’ውን ምትእስሳር ኣለዋ። ንኹሉ ብዘተ ክፍታሕ’ያ ኣመሪካ ትጽውዕ። ኣብቲ ዞባ ኲናት ከይክፈት ስለ እትሰግእ ድማ ንምዕራፉ ክትሰርሕ ምዃና ርዱእ ይመስል። ኣብ መንጎ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድስን ታይዋን ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዘሎ፡ ቻይና ብመትከል ኣንጻሩ’ያ። ናይ ታይዋን፡ ቲበትን ካልእ ውሽጣዊ ጉዳያትን ስለ ዘለዋ ድማ ምንጻል ኣይትድግፍን’ያ። ሩስያ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዋ መርገጺ ንምንባብ ቍሩብ ከጸግም’ዩ። ሓደ ርዱእ ነገር ግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሩስያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ከተስፍሕ ጸኒሓ’ያ። ከም ኣናብባይ ድማ ዋላ`ኳ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃቡ እምበር ንኢትዮጵያ ዝሕግዙ መሲሉ ይርኣየኒ።”

ዶክተር ሚኪኤል ከም ዝምጕቶ ግን ኣብ ጉዳይ ሩስያ ክርእ ዘለዎ ካልእ ነጥቢ’ውን ምህላዉ ይኣምን። ቻይናን ምስ ታይዋን ብዘለዋ ሕቶ፡ ነቲ ስምምዕ መዘከር ክትነጽጎ እንከላ፣ ሩስያ ድማ ኣብ ዩክሬን ብእትገብሮ ዘላ ምስፍሕፋሕ ነቲ መዘክር ክትድግፎ ተኽእሎ ከም ዘለዋ ይዛረብ። ሩስያ ዶባት ኣብ ምቕያርን ሓድሽ ካርታታት ሃገራት ኣብ ምንዳፍን ተሪር መርገጺ እትወስድ ከም ዘላ ምሁር ዓለማዊ ዝምድናታት ዶክተር ሚኪኤል፡ ሶማሊላንድ ወይ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ኣቃውማ ክልውጣ ምስ ዝፍትና ካብ ሩስያ መትከላዊ ተቓውሞ ዝህሉ መሲሉ ኣይስምዖን።

እቲ ምትፍናን ናብ ጎንጺ እንተ ዓብዩ፡ ዓበይቲ ሃገራት ከም ሩስያን ቻይናን ብዛዕባ ክወስድኦ ዝኽእላ ቀጥታዊ ምትእትታው እንተሎ’ውን ርእይቶኡ ተሓቲቱ ነይሩ። ዶክተር ሚኪኤል ክምልስ እንከሎ፡ ከምኡ ከየጋጥም ዘለዎ ምንዮት ድሕሪ ምግላጽ፡ ቻይናን ኣመሪካን ነቲ ምትፍናን ብሰላም ንምዕራፍ ክሰርሓ ምዃነን ይግምት። ካብተን ዓበይቲ ሃገራት ጸግዒ ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ዘለዋ ግን ክትህሉ ከም እትኽእል’ዩ ዝኣምን፤ “ሩስያ ግን ብኻልእ መንገዲ ናይ ምትእትታው ተኽእሎ ኣለዋ። ሓደ ካብኡ እቲ ገና ኣብ ቍመናኡ ከም ዘይፈረሰ ዝገለጽ ጉጅለ ቫግነር’ዩ። ካብተን ካልኦት ዓበይቲ ዓለማውያን ሃገራት ንላዕሊ ድማ ኣብ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ክትተኣታቶን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ሕንፍሽፍሽ ዝፈጥር እንተ መሲሉ ብዘይ ስክፋታ ክትገብሮ ጸኒሓ’ያ። ሓደ ካብኡ ድማ ዘይ ከም በዓል ቻይና ኣብዚ ዞባ ዓቢ ቍጠባዊ ረብሓን ወፍሪን ስለ ዘይብላ’ዩ። እቲ ዕላማ ድማ ንኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ንዘይምርግጋእን ኣብዚ ዞባ ድማ መርገጺ እግሪ ንምርካብ ክኸውን ይኽእል--ከም ርእይቶይ፡” ይብል።

ከም ሕብረት ኢማራት፡ ስዑዲ ዓረብን ከምኡ’ውን ናይ ቀረባ ከም ግብጺ፡ ኲናት እንተ ተወሊዑ፡ ኢድ ናይ ምእታው ተኽእሎ ከም ዘለወን፡ ምስ ናይ ቀረባ ተመኵሮ ናይቲ ዞባ ብምንጽጻር ዶክተር ሚኪኤል ይኣምን። ኣብዚ ስዑዲን ግብጺን ንሶማል ክሕግዙ ዘለዎ ተኽእልዕ ክዓቢ እንከሎ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ክትህሉ ምዃና’ዩ ግምቱ።

ዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ኣስዒቡ፡ ናይ ደገ ምትእትታው ምስ ዘጓንፍ ክፈጥሮ ዝኽእል ዕንወት ቀሊል ኣይኰነን ይብል። ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ድማ ትግራይ ዝተራእየ ናይ ክልተ ዓመት ኲናትን ብናይ ደገ ሓይልታት ምትእትታው ኣንፈቱ ከም ዝተቐየረን ማዕረኡ ድማ ዕንወቱ ምውሳኹን ከም ኣብነት ይጠቅስ።

ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክሬን ተጸሚዳ ምስ ምህላዋ፡ ኣብ ካልእ ግጭታት ናይ ምትእትታው ሸውሃትን ዓቕሚን እንተለዋ ርእይቶኡ ከካፍል ዝተሓተተ ዶክተር ሚኪኤል፡ “ብርግጽ ኲናት ዩክሬን ብኹሉ መደያት ኣዳኺሙዋ እኳ እንተሎ፡ ብቐድሙ’ውን ብኻልእ ሓይልታት ከም ጉጅለ ቫግነር--ናይ ምውጋእ ልምዲ ስለ ዘለዋ፡ የገድሰኒ ኣብ እትብሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢድ ካብ ምእታው ከም ዘይትቝጠብ ይምልስ። ምስ ሩስያ ብምውድዳር ድማ ቻይና ብተደጋጋሚ ዘይሻራዊ መርገጺ ከም እትወስድ ሚኪኤል የወዳድር። ኣብዚ መዳይ ነዚ መርገጺ ክትወስድ ከም እትኽእል ዘገምት ድማ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጉዳይ ከይትጥሕል እትገብሮ ፖሊሲቲ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ቍጠባዊ ወፍርታትን ተደማሚሩ ምዃኑ መምህር ህዝባዊ ፖሊሲ ኣብ ዩኒቨርስቲ መሪላንድ ኮለጅ ፓርክን ላዕለዋይ ተመራማሪ ኣብ ማእከል ኣህጉራዊ ፖሊሲታን ጸጥታን ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዝዀነ ተሓባባሪ ፕሮፈሰር ሚኪኤል ወልደማርያም ይምጉት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG