Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ታሪኻዊ” መዘከር ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብኻልእ መነጸር


“ታሪኻዊ” መዘከር ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብኻልእ መነጸር
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:40 0:00

“ታሪኻዊ” መዘከር ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድ ብኻልእ መነጸር

እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ “ብስራት ሓድሽ” ዓመት ዝተጸውዐ መዘከር ስምምዕ፡ ንኢትዮጵያ ወደባት በርበራ ን50 ዓመታት ዘፍቅድ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ እታ ርእሰ-ምምሕዳር ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብርኪ ክትውንን ከም ዝርከቦ ሰብ-መዚ ክልቲኦም ኣካላት ገሊጾም ኣለዉ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ከም ዝሓበሮ፡ በዚ ናይ ሓባር መዘከር ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ወታሃደራዊ መዓስከር ክህሉዋ ዘኽእል ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣምባሳድር ሬድዋን፡ ነቲ መዘከር፡ “ናብ ቅኑዕ መንገዲ ዝወስድን ንወለዶታት ዘርብሕን” ክብል ጸዊዑዎ።

እታ ብወደብ ጂቡቲ ጥራይ ክትጥቀም ዝጸንሐት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ካብዚ ስምምዕ እትረኸቦ ረብሓ ውሑድ ዘይምዃኑ’ውን ምሁር ሕገ-መንግስቲን ኣብ ቅዋማዊ ማእከል ደሞክራሲ ናይ ኢንዲያና ዩኒቨርስቲ ተመራማሪን ዝዀነ ኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ኣለማየሁ ፋንታው ወልደማርያም ይኣምን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ፡ ድሕሪ ምፍራም እቲ መዘከር ስምምዕ፡ ነቲ ፍጻመ “ታሪኻዊ” ብምባል፡ ከም ኣምሳያ እቲ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ናይ ወደባትን ኣፍደገ ባሕሪን፡ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ክትፍልጣ ዝብል ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤክስ ኣካፊሉ። ፕረዚደንት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ኣብቲ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ’ውን ኢትዮጵያ ንናጽነት ሶማሊላንድ ክትኣምን ምዃና ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ መዘከር ዛጊት ናብ ህዝቢ ኣይተዘርግሐን። እንተዀነ፡ መራሕቲ ሶማሊላንድ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክት ህብ ምስምምዓ ኣብ ዝገለጹሉ፡ ብወገን መራሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ተቓውሞ ቃል ኣይተሰምዐን። እዚ’ኸ ንምዃኑ ከም ወግዓዊ ኣፍልጦ ክሕሰብ ይኽእል’ዶ፧ ክኢላ ሕገ-መንግስቲ ዝዀነ ኣለማየሁ ፋንታው እዚ ናይ ሓባር መዘክር ንዞባዊ፡ ከባቢያዊን ኣህጉራዊን ስምምዓት ዝቕልስ ምዃኑ’ዩ ዝኣምን። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኢትዮጵያ ብሕጂ ኣብ እትወስዶም ስጉምታትን’ውን ብኣሉታ ክጸልዋ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይሕብር።

ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳድራ “ንምምኽኻር” ብዝብል ጸዊዓቶ ኣላ። ካቢነ ሶማል ድሕሪ’ቲ ዝገበሮ ህጹጽ ርክብ፡ ነቲ ዝተበጽሐ መዘከር ስምምዕ “ውዱቕ” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ እቲ ተርእዮ “ንጸጥታን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ህዝቢን መንግስቲን ሶማል ነብሱ ክከላኸል ድሉው ምህላዉ’ውን ካቢነ ሶማል ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ኣሎ።

ክኢላ ሕገ-መንግስቲ ዝዀነ ኣለማየሁ’ውን እቲ መዘክር፡ ኣብቲ ዞባ ክፈጥሮ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ካብቲ ቀንዲ ስግኣቱ ምዃኑ ኣካፊሉ ኣሎ።

ከም ኣገላልጻ ኣለማየሁ፡ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለ፡ ኣብቲ ዞባ ካልእ ናይ ከባቢያዊ ልፍነቲን ዳግመ-ስርርዕን’ውን ክፈጥር ዝኽእል ምዃኑ ይግምት። ኣብ እዋን ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፡ መራሕቲ ኤርትራ፡ ሶማልን ኢትዮጵያን ፈሪሞም ዝነበሩ ስሉሳዊ ኪዳን፡ ሕጂ ኢትዮጵያ ባዕላ ነብሳ ኣብ ዘግለለትሉ፡ እቲ ዞባዊ ዝምድና ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ክከውን ከም ዝኽእል ይእምት።

ሶማሊላንድ ኣብ 1991 ናጽነታ ደኣ ትኣውጅ እምበር፡ ዛጊት ወግዓዊት ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር የላን። ዝሓለፈ ሰሙን፡ መደበር ዜና ሶማል፡ ብመንጎኝነት ጂቡቲ፡ ሶማልን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ነቲ ዘሎ ፍልልይ ንምዕራፍ ዘተ ክጅምራ ምስምማዐን ጸብጺቡ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG