Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ተራኺቦም፡ ክዘራረቡ'ዮም


ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ መሓመድ ሺዓ ኣልሱዳኒ - ፋይል
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ መሓመድ ሺዓ ኣልሱዳኒ - ፋይል

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ መሓመድ ሺዓ ኣልሱዳኒ፡ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዋይት-ሃውስ ዓዲሙ ንምዝርራብ መደብ ሒዙ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ። ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ጸጥታ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝተሓደሰ ቅልውላው ይኣትወሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ኣጀንዳ ዝርርብ ድማ ኣብ ጸጥታዊ ኩነታት እቲ ከባቢን ንኹነታት ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ወታሃደራት ኣመሪካን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ዜና ይሕብር።

ቅርበት ኢራንን ዒራቕን ካብቲ ንኣመሪካ ቀንዲ ሻቕሎት ፈጢሩላ ዘሎ ኰይኑ፡ ብቐዳም ካብ መንጎ ብኢራን ናብ እስራኤል ዝተተኰሰ ሚሳይል፡ ኣብ ዒራቕ ብዝርከብ መከላኸሊ ኣመሪካ ከም ዝበርዓነ ሰብ-መዚ ኣመሪካ ይገልጹ።

ኣብ ጥቅምቲ 2022 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልሱዳኒ፡ ምስ ኢራን ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ ዒራቕ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኣመሪካውያን ወታሃደራት ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ተወጢኑ ዘሎ ርክብ መራሕቲ ክልተ ሃገራት’ውን ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ክሳተፍ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG