Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምግዓዝ ከምዝጅምር ንፓርላማ ሓቢሮም


ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ
ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ

ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ሪሽ ሱናክ ካብ 10 ክሳብ 12 ሰሙናት ኣብ ዘሎ ጊዜ ሓተቲ ዑቑባ ናብ ሩዋንዳ ምግዓዝ ከም ዝጅምር ሎሚ ሰኑይ መፅብዓ ኣትዮም። ተቓውሞታት'ኳ እንተሃለወ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ንፓርላማ ሃገሮም ተዛሪቦም ኣለው።

መንግስቲ ድሮ ነፈርቲ ተኻሪዩ ከምዘሎን ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ዝወስዱ ሰባት ስልጠና ከምዝተዋህቦም ቀ/ሚ ሱናክ ገሊፆም። እዚ ቅድሚ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ንዓቃባዊ ፓርቶም ደገፍ ክውስኽሉ ተስፋ ብምግባር ዝዓለመ ፖሊሲ እዩ።

ንሶም ድሒሮም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ "እንተታት የብሉን። ናብ ሩዋንዳ በረራታት ክግበር እዩ’’ ኢሎም።

ካብ ኣብ ኤስያ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ካብ ዘሎ ኲናትን ድኽነትን ብምህዳም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ዓመታት ሓደገኛ ጉዕዞ ብምክያድ ብሪጣንያ ምእታዎም ይፍለጥ።

ቀንዲ ሸቶ ናይዚ ዓቃባዊ መንግስቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ንምባል እዩ። ነቐፍቲ ግን ናብ ሩዋንዳ ንምግዓዝ ዝተትሓዘ ውጥን ሰብኣውነት ዝጎደሎ እዩ፤ ሩዋንዳ ንርእሳ ውሕስቲ ኣይኮነትን ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG