Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይናን ናይ ቅድም ፕረዚደንት ታይዋንን ተራኺቦም


ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ምስ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ታይዋን ማ ዪንግ-ዡ ኣብ በይጂንግ ተራኺቡ፡ ንሓባራዊ ስራሕን ዝምድናን ክልቲኣን ሃገራት ምዝታዮም ተሓቢሩ። ፕረዚደንት’ታ ኣብ 1949 ካብ ቻይና ዝተነጸለት ደሴት ታይዋን ዝዀነ ማ፡ ካብ ውሽጣዊ ፖለቲካ እታ ደሴት ዝተነጸለን ንሱ ዝርከቦ ሰልፊ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ናይ ወርሒ ጥሪ ከም ዘይቀንዖን ይግለጽ።

እንተዀነ እቲ “ሃገራዊ ሰልፊ” ዝተሰየመ ፕረዚደንት ነበር ማ ዝርከቦ ሰልፊ ምስ በይጂንግ ዝሓሸ ዝምድና ከም ዘለዎ ይጠቀስ። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ወርሒ ጥሪ ምርጫ፡ ንናጽነት እታ ደሴት ዝጣበቐ ላይ ቺንግ-ተ’ዩ ኣብ ታይዋን ተዓዊቱ።

ቻይና፡ ደሴት ታይዋን ኣካላ ምዃና’ያ እትምጉት። ብድሌት፡ ንሱ ምስ ዘይከውን ድማ ሓደ እዋን ብሓይሊ ክትመለሳ ምዃና ድማ ደጋጊመ ትጠቅስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG