Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመንቲ እስልምና ዓዲ-ኣልፈጥር ኣብ ዝጽንብልሉ ኲናት ቓዛ ግን ንሓጐሶም ይጫረቶ


ዒድ ኣብ ቓዛ
ዒድ ኣብ ቓዛ

ኣብ በበይኑ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ እስልምና ንምዝዛም ወርሒ ጾም ሮሞዳን ብሓድሽ መንፈስ፡ መግቢን እኽለ-ማይን ኣብ ዝጸንብልሉ፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ግን ብኣመንቲ ማዕረኡ ተዘኪሩ ኣርፊዱ። ዒድ-ኣልፈጥር፡ እስራኤል ናብ ራፋሕ መጥቃዕታ ክትቅጽል ምዃና ኣብ እተንግረሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ካብ መንጎ’ቶም ኣብ በበይኑ ሃገራት ንዒድ-ኣልፈጥር ዝጸንበሉ ኣመንቲ፡ ብዙሓት ባንዴራ ፍልስጤማውያን ከንበልብሉ ተራእዮም። ኣብ ኢስታንቡል ቱርኪ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ንጽንብል ዒድ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ሓያሎ ካብቶም ተሳተፍቲ ድማ ባንዴራ ፍልስጤማውያን ሒዞም ተራእዮም። ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ንፍልስጤማውያን ዘለዉ ናይ ድጋፍ ቃል ኣስሚዑ። ፕረዚደንት ኤርዶዋን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ፍልስጤማውያን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ “ንሰብኣውነት ዘድመየ፡” ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ እዚ ዒድ ድማ ንመላእ ፍልስጤማውያንን ካልኦት ሰዓብቲ እስልምናን ሰላምን ምርግጋእን ሒዙ ክመጽእ፣ በቲ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ዝተፈለለየ ቦታታት ዘሎ ጎንጺ ብሰላምን ህድኣትን ክዓርፍ ዘለዎ ተስፋ ኣካፊሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብታ ዝበዝሐ ሰዓቢ እስልምና ዝርከበላ ሃገረ ኢንዶኖዥያ፡ ከተማ ጃካርታ ኣብ እዋን ጸሎት፡ ኣመንቲ ንኣብ ቓዛ ዝርከቡ ኣመንቲ ክዝክሩን ምእንታኦም ክጽልዩን እቶም መራሕቲ ጸሎት ኣዘኻኺሮም።

ኣብ መስጊድ ራሕማ ናይ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ስነ-ስርዓት’ውን ኣመንቲ ንምዝዛም ጾም ሮመዳን ዝተሰምዖም ሓጎስ ክካፈሉ እንከለዉ፡ ካብ መንጎ’ቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ዘዘራረቦም ሰዓብቲ ድማ ነቶም ኣብ ቓዛን ካልእ ቦታታትን ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ፍልስጤማውያን ዘለዎም ኣኽብሮትን ስቓያቶም ንምዕራፍ ዘዕርጉዎ ጸሎትን ኣካፊሎም።

ኣብ ፓኪስታን፡ መጥቃዕቲ ከየጋጥም ስለ ዝተሰግአ፡ ሰብ-መዚ እታ ሃገር 100-ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ሓይሊ ፖሊስን ሰራዊትን ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ምውፋሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ኣብ ሓያሎ መሳጊድን ማእከላት ዕዳጋን ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ጸጥታ፡ ነቲ ኣመት ሸመታኡን ንቡር ስነ-ስርዓት ዒድን ንዘካይድ ዝነበረ ኣማኒ ብሰላም ንኽሓልፍ ከም ዘኽኣሉ’ውን ኣሶሸይትድ ፕረስ ጠቒሱ።

ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን’ውን ብግደኦም ነታ “ዝጸልመተት” ኢሎም ዝጸውዑዋ ዒድ-ኣልፈጥር ብዘለዎም ጸንቢሎም ኣለዉ።

ሰብ-መዚ እስራኤል፡ መጥቃዕቲ ቓዛ ካብ ዝጅምር ንነጀው እቲ ዝበዝሐ ዝበሉዎ 468 መካይን ሓገዝ ዝሓዛ ናብ ቓዛ ኣትየን ኣለዋ። እስራኤል ነተን መካይን ሓገዝ ዘፍቀደት ንጽንብል ዒድ ኣልፈጥር ምዃኑ ትገልጽ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣስታት 2.4 ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣብ ድርኩዂት ዓጸቦ ምህላዎም የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG