Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀብፃብ ድህረ-መረፃ ኣምቦን ገለ ከባቢታት ክልል ደቡብን


ኣብ ኣምቦን ከባቢኡን ምቑፃር ድምፂ ተወዲኡ ግዚያዊ ውፅኢት ተለጢፉ።ብመሰረት ወግዓዊ ዘይኮነ ግዚያዊ ውፅኢ ኣብ ክልል ደቡብ ዝተወዳደሩ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ተሳዒሮም ኣለው።ተቓውምቲ ነቲ ከይዲ እንትኸሱ ገዛኢ ፓርትን ኣፈፀምቲ መረፃን ግን እቲ ምርጫ ብዴሞክራሲያውን ሰላማውን መነግዲ ተዛዚሙ ይብሉ ኣለው።

ኣብ ኣምቦ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዝተወዳደሩ ናይ መድረኽ ምኽትል ኣቦ መንበር / መረራ ጉዲና እቲ ምርጫ ናይ መንግስትን ምምሕዳርን ጣልቃ ምትእትታው ዝተርኣየሉ እዩ ይብሉ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገዛኢ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ውድብ /ኦህዴው/ ኣብ ኣምቦ ኣቶ ኣሸናፊ ጨመዳ ግን ሰለማውን ዴሞክራሲያውን ዝኾነ ምርጫ እዩ ተኻይዱ ኢሎም።

ፀገም ነይሩ ኢሎም ቅሬታት ዘቕረቡ ተቓወምቲ ትማሊ ይኹን ሎማዕንቲ የለን ክብሉ ንናይ መድረኽ ኽስታት ይምልሱ።

ንመድረክ ወኪሎም ኣብ ሾኔ ዝተወዳደሩ ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ዝተስዓሩ ይመስሉ ብመሰረት ወግዓዊ ዘይኮነ ግዚያዊ ውፅኢት።

ኣብ ቦሎሶ ሶሪ ዝተወዳደሩ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳልኝ ብሰፊሕ ድምፂ ተዓዊቶም ኣለው።ንዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:03 0:00

XS
SM
MD
LG