Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ርግኣት’ዶ ወይስ ደውታ? ጠመተ ብኽልተ ኵርናዓት


ኤርትራ ኣብ ርግኣት’ዶ ወይስ ደውታ? ጠመተ ብኽልተ ኵርናዓት
please wait

No media source currently available

0:00 1:19:56 0:00

ኤርትራ ኣብ ርግኣት’ዶ ወይስ ደውታ? ጠመተ ብኽልተ ኵርናዓት

ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ስማ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዙሕ ክለዓል ኣይጸንሓን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተፈላለየ ጉዳያትን ከባቢያዊ ምዕባለታትን ኣመልኪታ ትጥቀስ ኣላ። ንምዃኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኤርትራ ብፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲን ኣብ ምንታይ ደረጃ ትርከብ?

ኣብዚ ጉዳይ ትዕዝብቶም ከካፍሉና ንኹነታት ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ብቐረባ ዝከታተልን ብዙሕ ግዜ ጋሻ ድምጺ ኣመሪካ ዝዀነ ኣልኣዛር ኣብርሃም ካብ ካሊፎርኒያ ከምኡ’ውን ዳኒኤል ገብረስላሴ ጋርዛ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ’ዮም። ዳኒኤል ጋርዛ ፈለማ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ካብቶም ውሑዳት ብሚሊታሪ ኣካዳሚ ኣብ ግሪኽ ዝተማህሩ ኰይኑ ድሕሪኡ’ውን ንድሕረ-ምረቓ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተማህረ’ዩ። ዳኒኤል ኣብ ምስልጣን መኮንናት ዝሰርሕን ዝመርሕን ዝነበረ ኰይኑ ሕጂ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ስደት ይርከብ። ኣቶ ኣብርሃም ኣልኣዛር ድማ ንኹነታት ኤርትራ ብቐረባ ዝከታተልን ኣብ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ናይ ነዊሕ ዓመታት ንጡፍ ተሳትፎ ዘለዎን’ዩ። ኣጋይሽ ኣብ ጉዳይ ከባቢያዊ ጸጥታ፡ ኩነታት ውሽጢ ሃገር፡ ጽልዋን ድርኺትን ዞባውያን ዓለማውያንን ሓይልታት ከምኡ’ውን ኩነታት ኤርትራውያን ተቓውሞ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘትዮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG