Svoboda | Graniru | BBC Russia | Golosameriki | Facebook

ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ` ካልኣይ ዋዕልኡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቃኒዑ


'ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ` ካልኣይ ዋዕልኡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቃኒዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:28 0:00

'ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ` ካልኣይ ዋዕልኡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቃኒዑ

ካብ ዙርያ ዓለም ዝመጹ ስነ-ጥበባውያን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ `ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ`፥ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ጥበብ ተመርኩሱ፥ ዘተን ሰሚናራትን ከምኡ`ውን ምርኢታት ኣተኣናጊዱ ኔሩ።

ዝሓለፈ 2ን 3ን ታሕሳስ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ማእከለ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ዝተኻየደ ዋዕላ `ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ` ሎሚ ዘመን ብዝሓየለን ብዝበዝሐ ተሳተፍትን ምቕጻሉ ኣተኣገድቲ ይግለጹ። ዕላማ `ስነ-ጥበባውያን ንኤርትራ`፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ሙዚቀኛታት፡ ድምጻዊያን፡ ገጠምቲ፡ ጸሓፍቲ፡ ተወሳእቲ፡ ሰኣልቲ ቀባእቲ ከምኡ`ውን ዲዛይነራት፡ ናብ ሓደ ኣምጺእኻ ዓቕሞም ዘወሃህድሉን ብቕዓቶምን ዘመስክርሉን ባይታ ምፍጣርን፡ ፍርያቶም ድማ መሰል ዋንነቱ ተኸቢርሉ ግቡእ ሓለዋ ዝግበረሉ ዓቕምታት ምድራዕ ምዃኑ እቶም ዝተፈላለየ መድረኻት ዝመርሑ ዝነበሩ ኣወሃሃድቲ ይገልጹ ኔሮም።

ካብ መንጎ ዝነበሩ መደባት ሓደ ዝኾነ፡ መድረኽ ጸሓፍቲ`ውን፡ ጸሓፍትን ደረስትን ኣብ ምንታይ ኣተኩሮም ክጽሕፉ ከም ዘለዎም፡ ክጥቀምሉ ዝግባእ ቋንቋን ክሓልፍ ዝግብኦ መልእኽትን ዝብል መግለጽታት ዝቐረበሉ፡ ካብ ህዝቢ ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቡ ንጡፍ ተሳትፎ ዝተራእይሉ ኔሩ። ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ዝተቐበለ ነባር ድምጻውን ሙዚቀኛን ሓጎስ ብርሃነ ምስጋንኡ ክገልጽ ከሎ፡ ከምኡ`ውን ጓል`ቲ ኣብ 70ታትን 80`ታትን ኣዝዩ ፍልጡጥ ዝነበረ ስነ-ጥበባዊ ተኽለ ተስፋዝጊ ኣይዳ ተኽለ፡ ኣብ መድረኽ ወጽያ ዕለተ ልደታ ኣብ ዝተኸብረላ እዋን ፡ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረ ህሞት ኔሩ።

ኣብቲ ንሕጻናትን መንእሰያትን ዝተዳለወ መደባት`ውን ዘተኣናገደ ናይ ክልተ መዓልታት ምትእኽኻብ ካብ ኤውሮጳ: ካናዳን ኣመሪካ ዝመጹ ሙዚቀኛታት ዝተፈላለየ ሙዚቃዊ ምርኢታት ብምቕራብ ንተሳተፍቲ ኣዘናጊዖም ኔሮም። ካብቶም ስነ-ጥበባውያን ካብ ስያትል ንዝተሳተፈ ቀባኣይ ዪግዛው ሚካኢልን ካብ ኦክላንድ ንዝተሳተፈት ዲዛይነር ንግስቲ ዘውልድን ብሓደ ኣዘራብናዮም ኣለና።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG